ር.ሊ.ጳ. ንሓድሽ ኣርመናዊ ፓትሪያርክ፥ ንናይ ሶሪያን ሊባኖስን ስቓይ ቀረባ ኵኑ!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 23 መስከረም 2021 ዓ.ም. ናይ ኣርመናውያን ዘቅልቂያ ፓትሪያርክ ንኽኾኑ ንዝተሓርዩ ጻድቕነቶም ራፋኤል በድሮስ መበል 21 ሚናሲያን ዕለት 24 መስከረም ተቐቢሎም ዝተወሃቦም ንውሳኔ እቲ ዝሓረዮም ናይ ኣርመን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ኣማን ቢሎም ቤተ ክርስትያናዊ ውህደት ሂቦም፡ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐደና ሕውነትን ንናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ኣብ ዝኣመተን ጐደና ዘተ ዝመርሑ ክዀኑ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ናይ ኣርመናውያን ሓድሽ ፓትሪያርክ ዘቂልቅያ ንኽዀኑ ዝተሓርዩ ኤቅለሲያዊ ሱታፌ ኣማን ቢሎም ይዅንታ ዝሃብሉ ደብዳቤ ኣብቲ ዕለት 24 መስከረን 2021 ዓ.ም. ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ከምዘረከብዎምን ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ሮማ ዝተኣከበ ናይ ኣርመናውያን ፓትሪያርካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘቂልቂያ ንዘካየድዎ ሲኖዶሳዊ ጉዕዞ ብጸሎት ከምዘሰነዩን እቲ ሲኖዶስ ዝሓረዮም ሓድሽ ናይ ኣርመናውያን ፓትሪያርካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘቂልቂያ ጻድቕነቶም ራፋኤል በድሮስ መበል 21 ሚናሲያን ኣብ ዘረከብዎም ደብዳቤ ገሊጾም፥ “ነፍሲ ወከፍ ኣርመናዊ ካቶሊክ ኣባል ቅዱስ ሕዝቢ እግዚኣብሔርን ሓድሽ ጓሳ ብስሙ ቅቡል ተባሂሉ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ውሳኔ ይጽበ ከምዝነበረን ር.ሊ.ጳ. ከኣ ብወንጌላዊ ሓይልን ትሕትናን ነቶም ዝተሓርዩ ፓትሪያርክ ብስሞም ምስ ህዝቦም የላልዩ።” ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም ኣብታ ናይ ኣርመናውያን ቤተ ክርስቲያን ዘቂልቅያ ህልውቲ ናብ ዝኾነትሉ ዞባታት ሶሪያን ሊባኖስን ስቓይ እናሓሰቡ፡ ሎሚ እውን እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለም ኵለ መዳያዊ ጸቕጢ ኣብ ዘስዕበሉ ዘሎ እዋን፥ “ኵሎም ሰብ ጽቡቕ ድልይን ብፍላይ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዘይተገዳስነትን ጽምዋን ብምስናፍ ቅርበትን ሕውነትን ክምስክሩ ዝተጸውዑ እያቶም። ኣብ ቲሕቲ ዝተፍላለየ ምዕልቕላቕን ምደረ በዳነትን ኣብ ዝረኣየሉ እዋናዊ ታሪኽ ምስቲ ተሰቒሉን ካብ ሞት ዝተንስኤ ክርትስቶስ ንኽንራኸብ ናብኡ ገጽና ክንጓዕዝ ንኽእል ናብኡ ገጽና ከነብል እውን ኣሎና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ጐድኒ ስቓይ ሕዝቢ ኣርመን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ነቶም ሓድሽ ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ራፋኤል በድሮስ መበል 21 ሚናሲያን ዕለት 24 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣፍልጦ ቤተ ክርስትያናዊ ውህደት ዘረጋግጽ ኣብ ዘረከብዎም መልእኽቲ፥ ንሃብትታትን ስቓይን ኣርመናውያን ከምዘርስዕዎን እዚ ድማ “ብምኽንያት እቲ ን 1700 ዓመታት ኣብ ታሪኽ ክርስትና ዘጋጠመ ብዙሕ ፈተናታት ዘንበረሉ ናይ ስቓይ ተመክሮኡ ስቓይ እንታይ ማለት ምዃኑ ዝፈልጥ ህዝቢ ክኸውን ክኢሉ እዩ። ይዅን እምበር “ብቕድስናን ብጥበብን ቅዱሳን ሰማዕታቱን ናይ ሊቃውንቱ ባህልን ፍካረን ፍልስፍናን ኣብ ከውሒ ምልክት መስቀል ከም ኦም ህይወት ብኸመይ ከም ዚቕረጽ ዚፈልጥ ስነ ጥበብ፡ እምነት ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ሓይሊ ክፋእ ተዓዋቲ ምዃኑ ዚምስክር እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናብ መጻኢ ምምዕዳውን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናብ መጻኢ ምምዕዳውን ተዘክሮን ልምድታትን ብምዕቃብን ንቤተ ክርስቲያን ምምራሕ ከምዘድልን ንመንእሰያት ምክንኻንን ዝብል ሓላፍነት ነቶም ሓድሽ ፓትሪያርክ ሕድሪ ሂቦም “እቶም ኣብ ከርሲ ቤተ ክርስቲያንኵም ዝሕቆፉ ኵሎም . . . ዝፈጥርዎ ስኒት ብጀካኦም እውን እቶም ኣብ ላቲናዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘላትሉ ዞባታት ዝነብሩን ዝውለዱን ምእመናን ቤተ ክርስቲያንኵም ብቐረባ እተሰንይዎም ክትዅኑ ሓደራ” ቢሎም፡ “ልዕሊ ዅሉ ኣብነት ቅዱሳን ብፍላይ ከኣ ኣብነት ናይቲ ንሶም ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቅ እክብሉ ዝኣወጁሎም ቅዱስ ጐርጎርዮስ ዘናረክ ክስዕቡ” ተማሕጺኖም “እዞም ቅዱሳት እዚኣቶም ልዕሊ ኵሉ እቲ ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ ኣርመንያ ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓቂ ሕውነትን ናይ ሓድነት ዘተን መገዲ የመላኽቱና።” እቲ ተስፋ “ኣብዘን ናይ መጀመርታ ዓሰርተታት ዓመታት ናይ ሳልሳይ መዋዕል ተሓድስካ ምርኻብ” ዝብል ምዃኑ ሓቢሮም መልእኽቶም “ብመሰረት ባህልን ልምድን ናይ ቤተ ክርስትያን ውህደት” ምርግጋጽ ከምዘድሊ ኣብሪሆም ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።