ጳጳሳዊ ናይ ስርዓተ በዓላት ሊጡርጊያ ጉዳይ ሓለቓ ጒይዶ ማሪኒ ሓድሽ ናይ ቶርቶና ጳጳስ
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 ነሓሰ 2021 ዓ.ም. ነቶም ካብ እዋን በነዲክቶስ መበል 16 ኣትሒዞም ንዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመታት ጳጳሳዊ ስርዓተ በዓላት ሊጡርጊያ ሓለቓ ኮይኖም ንዘገልገሉ ዘለዉ ብጹዕ ኣቡነ ማሪኒ፥ ነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ዋና ጸሓፊ ቢሎም ንዝሰመይዎም ብጹዕ ኣቡነ ቪዮላ ተኪኦም ናይ ቶርቶና ጳጳስ ንኽኾኑ ከምዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ጳጳሳዊ ናይ በዓላት ሊጡርጊያ ሓለቓ ዝነበሩ የኔታ ኣባ ጒይዶ ማሪኒ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ሰበኻ ቶርቶና ጳጳስ ንዝነበሩ ኣብ ቀረባ እዋን ቅዱስነቶም ነቶም ናይ ቶርቶና ጳጳስ ዝነበሩ ናይ ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ቢሎም ንዝሰመይዎም ብጹዕ ኣቡነ ቪቶሪዮ ፍራንቸስኮ ቪዮላ ተኪኦም ናይታ ሰበኻ ጳጳስ እንክብሉ ከምዝሰመይዎም ኣብ ኢጣሊያ ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ማርኮ ታስካ ዕለት 29 ነሓሰ 2021 ዓ.ም. ኣብ ቅድስተ ማርያም ሓላዊተ ጀኖቫ ቤተ መቕደስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብወግዒ ዝሃብዎ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ብጹዕ ኣቡነ ጒይዶ ማሪኒ ተወላዲ ጀኖቫ እውን ምዃኖም የዘኻኽር።
56 ዓመት ዝዕድመኦም የኔታ ማሪኒ ኣብ ጀኖቫ ብጹዕ ካርዲናል ጁሰፐ ሰሪ ሊቀ ጳጳስ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣብቲ ናይታ ሰበኻ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ዝኣተዉን በቶም ነርባዕተ ዓመት ናይ ቶርቶና ጳጳስ ኮይኖም ብዘገልገሉ ደሓር እውን ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳስ ብዝነበሩ ብብጹዕ ካርዲናል ጆቫኒ ካነስትሪ ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን ደሓር እውን ናይ ብጹዕ ካርዲናል ካነስትሪ ፍልዩ ጸሓፊ ኮይኖም ከምዘገልገሉን ብጹዕ ካርዲናል ዲዮኒጂ ተታማንዚን ደሓር እውን ብጹዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ኣብ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳስ ኮይኖም ኣብ ዘገልገልሉ እዋን ፍልዩ ጸሓፊ ኮይኖም ከምዘገልገሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።
የኔታ ማሪኒ ብጹዕ ካርዲናል ተታማንዚ ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳስ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ናይታ ሰበኻ ናይ በዓላት ስርዓተ ሊጡርጊያ ሓለቓ ደሓር እውን ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳስ ብዝነበሩ ካርዲናል በርቶነን ኣብ መወዳእታ እውን ናይታ ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ ኮይኖም ብዝተክኡ ብጹዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ናይታ ሰበኻ ናይ በዓላት ስርዓተ ሊጡርጊያ ሓለቓን ናይታ ሰበኻ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ኣበ ነፍስን ናይ ሕገ ቀኖና መምህርን ናይ ሰበኻ ጀኖቫ ጳጳሳዊ ምሕደራ ሓላፍን ናይታ ሰበኻ ርእሰ ኣድባራት ህየንተ ኮይኖም ከምዘገልገሉ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ 2007 ዓ.ም. ወርሒ ጥቅምቲ በነዲክቶስ መበል 16 የኔታ ጒይዶ ማሪኒ ነቶም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ እዋን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ጳጳሳዊ ናይ ስርዓተ በዓላት ሊጡርጊያ ሓለቓ ዝነበሩ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፒየሮ ማሪኒ ክትክኡ ከምዝሰመይዎምን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ኣብዚ ሓላፍነት እዚ ክቕጽሉ ከምዝገበሩን እነሆ ድማ ናይ ሰበኻ ቶርቶና ጳጳስ እንክብሉ ቅዱስነቶም ዕለት 29 ነሓሰ 2021 ዓ.ም. ከምዝሰመይዎምን በዚ ዝተወሃቦም ሓድሽ ሓዋርያዊ ሓላፍነት እውን ጳጳሳዊ ናይ በዓላት ስርዓተ ሊጡርጊያ ሓለቓ ናይ ምዃን ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ዘብቅዕ ምዃኑ የመላኽት።