ር.ሊ.ጳ. ንወግዓዊ ምብጻሕ ስሎቫኪያ ኣትዮም

ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝርከብ ናይ ግሊ መቐበሊ ዓበይቲ ኣጋሽ ምስ ርእሰ ብሔር ስሎቫኪያ ሓጺር ርክብ ከምዘካየዱን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመበል 52 ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ቅዱስ ቁርባን መዛዘሚ ዕለት 12 መስከረም 2021 ዓ.ም.  ኣብ ኣደባባይ ጀጋኑ ድሕሪ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ሰዓት ክልተ ፈረቓን ቡዳፐስት ካብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ በጺሖም ድሕሪ ዝተገብረሎም ስንብታ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰዓት ክልተን ኣርብዓን ድቓይቕ ናብ ስሎቫኪያ ነቒሎም ሰዓት ሰለስተን ርብዕን ብራቲስላቭ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ በጺሖም ኣብኡ ብናይ ረፓብሊክ ስሎቫኪያ ርእሰ ብሔር ሱዛን ካፑቶቫ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ንኽብሮም ክቡር ዘበዐይና ድሕሪ ዘቕረቦ ክቡር ስነ ስርዓት ሰላምታ ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝርከብ ናይ ግሊ መቐበሊ ዓበይቲ ኣጋይሽ ምስ ርእሰ ብሔር ስሎቫኪያ ሓጺር ርክብ ከምዘካየዱን ሰዓት ሰለስተን 50 ደቓይቕ ብራቲስላቭ ናብ ዝርከብ ናብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ህንጻ ከምዝኸዱን ሰዓት 16.10 በጺሖምን ድሕሪ 20 ደቓይቕ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ኣቢያ ክርስቲያን ልኡካን ከምእተራኸቡን ድሕሪ እዚ ርክብ እዚ እውን ቅዱስነቶም ኣብ ሶሎቫኪያ ምስ ዘገልግሉ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ከምእተራኸቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 September 2021, 13:19