ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ሃገራት ነቶም ሓድሽ ህይወት ንኸናድዩ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝስደዱ ከአንግዳ ሓደራ!

ነቶም ኣብ ውሽጢ ኣፍጋኒስታን እተመዛበሉ ሰባት ኣድላዪ ሓገዝን ዕቝባን ምእንቲ ኪረኽቡን መንእሰያት ኣፍጋናውያን እቲ ንሰብኣዊ ዕቤት ኣድላዪ ዝኾነ ሕንጸት ኪወሃቦምን

ኣብዚ ኣፍጋናውያን ዑቕባ ኺረኽቡ ዝረኣየሉ እተረበጸ እዋን ምእንቲ እቶም ኣዚዮም ንሓደጋ ዝተቓልዑን ተኣፋፍያን እጽሊ፡ ብዙሓት ሃገራት ነቶም ሓድሽ ህይወት ዘናድዩ ሓንጐፋይ ቢለንኪቕበላኦምን ኬዕቑባኦምን እጽሊ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 መስከረም 2021 ዓ.ም. ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ብሓባር ምስቶም ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ፍርቂ መዓልቲ ሓቢሮምን መሪሖምን ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቕዑ ከምዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ነቶም ኣብ ውሽጢ ኣፍጋኒስታን እተመዛበሉ ሰባት ኣድላዪ ሓገዝን ዕቝባን ምእንቲ ኪረኽቡን መንእሰያት ኣፍጋናውያን እቲ ንሰብኣዊ ዕቤት ኣድላዪ ዝኾነ ሕንጸት ኪወሃቦምን ኣብ ቤቶም ኣብ ጒዕዞኦም ኮነ ኣብተን ዝቕበልኦም ሃገራትን ጐረባቶምን ብሰላምን ሕውነትን ኪነብሩን እጽሊ!

ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ነታ ጣሊባ ብቑልጡፍ ንኽቆጻጸራ ብብርቱዕ ናህሪ ይምርሽ እኳ እንተሃለወ ገና ኣብ ትሒት ቍጽጽሩ ኣብ ዘየእተዋ ዞባ ፓንሺር ዘሎ ፍርሂ ክብ ይብል ከምዘሎ ክንገር እንከሎ፡ ነበር ርእሰ ብሔር ኣፍጋኒስታን ሳላሕ “ብሰንኪ እቲ ንሰሙናት ዝቕጽለ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው እቲ ጣሊባን ብዝወሰድዎ ሓይሊ መብራህትን ናይ መራኸብታትን ጒዳያትን ምዕጋት ኣዚዩ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከንቆልቅል ይገብሮ ኣሎ” ቢሎም “ልዕሊ 250 ሺሕ ዝግመቱ ካብ ኣባይቶም ተመዛቢሎምን ኣብ ግዚያዊ መዕቆቢታትን ኣብ መሳጊድን ኣብ ግዳምን ወይ ኣብ መውሃቢ ኣግልግሎት ክንክን ጥዕና ከምዝርከቡ እውን ገሊጾም፡ ናይ መግብን መዕቆብን ዝስተይ ጽሩይ ማይ ሓገዝን ቀረብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ብህጹጽ የድልየና ኣሎ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጸሎት ምእንቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብህቦብላ ንፋስ እተጠቕዑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም ኣብዚ ቀረባ መዓልትታት ብብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ንእተጠቕዑ ዜጋታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እናሓሰቡ፥ “ጐይታ ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ኣብ መንግስቱ ይቐበሎም ነቶም ዝተጐድኡ እውን ድጋፍ ንኽዀኖም እጽሊ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ኢዳ ዝብል መጸውዕ እተወሃቦ ህቦብላ ንፋስ፥ ኣብ ልዊዝያናን ነው ጀርሲን ከምኡ እውን ኣብ ኒው ዮርክ እንተወሓደ ኣስታት 60 ዝግመቱ ግዳያት ከምዝገበረ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝወጸ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

07 Sep 2021, 00:53