ድለ

2021.09.27 Pontificia Accademia per la Vita 2021.09.27 Pontificia Accademia per la Vita 

ንመነባብሮ ድኻ ዝኸውን ሓለዋ ጥዕናን ዕለታዊ መግቢ ዘረጋግጽን ምርጫታት ይገበር! ር.ሊ.ጳ

ጳጳሳዊ ኣካዳሚ ሕይወት ንጥዕና ሓፋሽ ሕዝብን ዓውለማዊ ጠመትን ዝምልከት ሓፈሻዊ ጉባኤ ድሕሪ ምክያድ ተሳተፍቲ ጉባኤ ሰኑይ ዕለት 27 መስከረን 2021 ዓም ምስ ር.ሊ.ጳ ምስ ተራኸቡ ቅዱስነቶም ብዛዕባ ንዓለምና ወሪሩ ዘሎ ዘይማዕርነት ሕዝባዊ ኣገልግሎት ምናዳ ድኻታት ብሓለዋ ጥዕናን መግብን ዝውጽዑሉ ዘለው ኩነታት ዘኪሮም ዝግበር ዝኾነ ምርጫ ነዚ ዘውሕስ ክኸውን ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን! 

ብናይ ቫቲካን ጳጳሳዊ ኣካዳሚ ሕይወት ዝተሰናደወ ናይ ክልተ መዓልቲ ዓውደ መጽናዕቲ ልዕሊ ሚእቲ ዝኾኑ ብኣካል እንክሳተፍዎ ብኣሽሓት ዝቊጸሩ ከኣ ብበይነ መረብ ንክኸታተልዎ ዕለት 27ን28 መስከረም ሕዝባዊ ሓለዋ ጥዕና ብዓውለማዊ ጠመተ ለብዳን ባዮኤቲክስ መጻኢናን’ ብዝብል ተማ ይካየድ ኣሎ። ቅዱስነቶም ነቶም ብኣካል ዝሳተፉ ዘለው ልዕሊ 100 ኣባላት እዮም ትማሊ ኣብ ከተማ ቫቲካን ተቀቢሎም ዘዘራረቡ።

ቅዱስነቶም ንተጋባእቲ ኣብ ዘቅረብዎ ሓሳብ ብቀንዱ ዓለምና ኣብ ፖሎቲካስ ይኹን ኣብ ማሕበራውን ኣካባብያውን ጒዳያት ዝግበሩ ምርጫታት ለውጢ ክግበር ማለት ቅድምያ ነቶም ድኻታትን ምንም ረዳኢ ዘይብሎምን ተዋሂቡ እቲ ኣብ ሓለዋ ጥዕናን መንባብሮን ዝረኤ ዘይማዕርነት ሚዛኑ ምእንቲ ክሕሉ እኹል መግቢ ንኩሉ ክርከብ ሓለዋ ጥዕና ናብ ኩሉ ብማዕረ ክባጻሕ ከምኡ እውን ደረጃ መነባብሮ ክመሓየሽ ዝግበር ምርጫ ኩሉ ግዜ ንኩነታት ድኻታት ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ተማሕጺኖም። ከምቲ ኣብ ላውዳቶ ሲ ስብሕ ኣንተ እትብል መልእኽቶም ቁ.49 ‘ገዓር መሬትን ገዓር ድኻን’ ኢሎም ንዝገለጽዎ ለበዳ ሕማም ኮቪድ ብዝሓየለ ድምጺ ከምዝስማዕ ገርዎ። ነዚ ድርብ ብኽያት እዚ ሰሚዕና ከምዘይሰማዕና ኰና ክንከይድ ኣይንኽእልን ጽን ኢልና ንስመዓዮ’ ኢሎም።

ንድርብ ገዓር ተፈጥሮን ድኻታትን ጽን ቢልካ ምስማዕ!

ቅዱስነቶም ለበዳ ኮቪድ 19ን ሳዕቤናትን ብዙሕ ከምዘዛረበናን ዳርጋ ምዝራቡ እውን ክስልችወና ቀሪቡሉ ኣብ ዘሎ ግዜ ዘሎናዮ ኩነታትን ዝበለጸ መጻኢ ብከመይ ንህነጽ ዝብል ግድነትን ንኣስተንትኖ ይዕደመና። ካብዚ ከቢቡና ዘሎና ጸገማት መውጽኢ ንምርካብ ቅድሚ ዝኣገረ ጽን ቢልካ ምስማዕ የድሊ። ንኩሉ ሰሚዕካ ምስ ኣዋህለልካን ኩነታት ምስ ገምገምካን ሓቀኛ ንስሓን ለውጥን ገቢርካ ናብ ንጹርን ዝጭበጥን ውሳኔታት በጺሕካ ዝበለጸ መጻኢ ክትሃንጽ ይከኣል። ነንሕድሕድካ ጽን ኢልካ ክትሰምዕ ግድን እዩ ከመይ ብብዙሕ ነገራት ተጣሚርና ስለእንጐዓዝ ብሓባር ክንሰርሕ ንግደድ ኢሎም።

ብኩሉ ኩሉ ተጠናኒግካ ምትሕሓዝ ሓቢርካ ምስራሕ ይሓትት!

ቅዱስነቶም ከምቲ ኣብታ ፍራተሊ ቱቲ እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ዝገልጽዎ ማሕበረሰብ ዓለምና ብዝተፈላለይ ዕርክነትን ምሕዝነትን ስለዝራኸብ እዚ ብኩሉ መዳይ ናብራ ማሕበረሰብ ግዲ ዝብሎ ጉዳይ እንተልዩ ከም ሓንቲ ስድራቤት ዘመደ ኣዳም ኰና ዝበለጸ ሕይወት ክንነብር እንተዀና እቲ ኣብ ነንሕድሕዱ ጠናኒጉ ሒዙና ዘሎ ኩነታት ንኩሉ ኣዋሓሂድና ብሕብረ ክንሰርሕ ይግድድ። ልዕሊ ኩሉ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ክሳብ ክንደይ ከምዘድልዮን ምድግጋፍን ምትሕብባርን ክንደይ መኽሰብ ከምዘለዎ ጽቡቅ ገቢሩ ምሂሩና እዩ ዝበለ ቅዱስነቶም እዚ ከኣ እቲ ሓደ ምስቲ ካልእ ዝተጠናነገን ዝተራኸበን ምዃኑ ስለዝተገንዘብና ስራሓትናስ ይኹን ትምህርታትና ከም ባዮሎጅን ሓለዋ ጥዕናን መድሓኒትን ሕማም ለበዳን ቁጠባን ማሕበረሰን ሥነ ሰብን መጽናዕቲ ከባብን ከመይ ቢሉ ከምዝራኸብ ርኢና። ኣብዚ ዝግበር ዓውደ መጽናዕቲ ከኣ ተክኖሎጂ ፖሎቲካ ሞራላዊ ተግባርት ጥዕናን ስድራን ስራሕን ከባብን ከመይ ቢሎም ክወሃሃዱን ክደጋገፉን ንዝበለጸ መጻኢ ዘመደ ኣዳም ኣበርክቶኦም ከወፉዩን ከምዝኽእሉ ምጽናዕ የድሊ። ኩነታት ጥዕናን ሕማምን መፍትሒ ካብ ተፈጥሮ ጥራይ ኣይኮነን እነናድየሎም ኣብ ማሕበራዊ ሕይወትና እውን ሃሰስ ክንብል ኣሎና። መነባብሮና ንብዙሓት ብቀሊሉ ክውገዱ ዝኽእሉ ሕማማት ከም እንቃላዕ ይገብረና። ንኣብነት ሞት ሚልዮናት ዘስዕቡ ሕማም ዓሶስ ይኹን ሕማም ዓባይ ሰኣል ከምዚ ንለበዳ ኮቪድ 19 ዓለም ብዓለማ ብሓባር ዘሎ ሓይላ ኣኻኺባ ዝተቃለሰቶ እንተንቃለሶ ክሳብ ሕጂ ነበረያ ነበረ ምኾኑ ነሮም። ስለዚ መነባብሮ ክመሓየሽ ኣብ ዓለምና ዝረኤ ዘይምዕሩይ ምክፍፋል ሃብትስ ይኹን ኣገልግሎት ጥዕናን ካልእ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ንኩሉ ብማዕረ ምናዳ ኸኣ ኣብ ድኻታት ዘተኮረ ክኸውን ምርጫታትና ሓለዋ ጥዕናን መግበን ዝሓሸ መነባብሮን ዘውሕስ ይኹን ኢሎም።

ምንጻል ጽንስን ናይ ምሕረት ቅትለትን ቀንዲ ዕንወት!

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ዝጠቀስዎ እቲ ኣብ ምዕቡላትን ሃብታማትን ሃገራት ክፍሊ ዓለምና ብዘለው ከም ናይ ምዕባሌን ነጻነትን ኣምር ኰይኖም ንሕይወት ዘመደ ኣዳም ዝቀዝፍ ሓውሲ ርእዮተ ዓለም ኰይኑ ንምንጻል ጽንስን ናይ ምሕረት ቅትለት ዝበሃል ሕይወትካ ብገዛእ ፍቃድካ ናይ ምሕጻር ምንቅስቃሳትን ቀንዲ ኣዕነውቲ ሕይወት ዘመደ ኣዳም ምዃኖም ገሊጾም። እቲ ቀንዲ ውራዩ ጉዳይ ሕይወት ዝኾነ ጳጳሳዊ ኣካዳሚ ሕይወት ከኣ ነዚ ጉዳይ እዚ ተጠንቂቁ ክርእዮን ካብዚ ዕንወት እዚ ዓለምና ንክትድሕን መውጽኢ ሜላ ከናድን ሓደራ ኢሎም።

ነዚ ከም ባህሊ ምጉሓፍ ሕይወት ሰባት ዝገለጽዎ ጌጋታት ንምእራም ጳጳሳዊ ኣካዳሚ ሕይወት መምርሒኡን እምነቱን ከይጀለሐ ምስ ኩሎም ብምውሳእ ንክርስትያናዊ ትምህርቲ ሥነሰብን ብግልጸት ኣምላኽ ተመሪሑ ዘቅርቦ እማመታትን ብግልጺ ብምቅራብ ናይ ሎሚ ደቂኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ሕይወት ወዲሰብ ካብ ጽንሲ ክሳብ ሞት ክብርን መሰልን ከምዘለዎ ተዲኦም ካብቲ ባህሊ ጥፍኣት ዝኾነ ብቀጥታ ንሕጻናት ብምንጻል ጽንሲ ምቅታልን ብኤውታናዝያ ዝበሃል ናይ ምሕረት ምቅታል ኢሎም ዝፍጽምዎ መቅተልትን ክቊጠቡ ክሕግዞም ይኽእል ኢሎም። ንዝሸምገሉ ወገና እውን ካብ ብዓይኒ ጥቅሚ ምርኣይን ምግላሎምን ምንጪ ጥበብን ሥልጣኔን ምዃኖም ተገንዚብና ክንከናኸኖም ሓደራ ብማለት ምኽሮም ለጊሶም።  

ብድምጺ ንምክትታል!
28 Sep 2021, 16:51