ኣሲዚ፥ ቤት ኣሕዋት ዝገብር መንፈስን ምእንቲ ሰላም ዝጽለየላን
ሓሙሽተ ዓመት ይገብር ዕለት 20 ሰነ 2016 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ዝተፍላለያ ሃይማናኖታት መራሕቲ ኰይኖም ኣብ ከተማ ኣሲዚ ምእንቲ ሰላም ኣብ ዓለምን ምእንቲ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ብሓባር ተረኺቦም ጸሎት ከምዘዕረጉን እዚ ኸኣ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘበገስዎ ሰላሳ ዓመት ዘቝጽር ዘሎ ታሪኻዊ ፍጻሜ እዩ። ፍራንቸስኮ፥ “ስም ኣምላኽ ንዓመጻ መመኽነይታ ክኸውን ኣይኽእል እዩ” እንክብሉ ኣብታ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዘካየድዎ ርክብን ናይ ሓባር ጸሎትን ምእንቲ ሰላም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከምዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ኣሲዚ ኣብ 1986 ዓ.ም. መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ሰላም እንክብሉ ዘበገስዎ ፍጻሜ ዝነበሮ ትምቢይታዊ ማዕቅን ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብዝያዳ ንጹር እናዀነ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኣብ ከተማ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ር.ሊ.ጳ. ወይትይላ ምስ መራሕቲ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዓለም ተኣኪቦም ኣብ ዓለምን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰላም ምእንቲ ክዓስል ከምዝጸለዩን፡ ነቲ “መንፈስ ኣሲዚ” ድማ ኣብ ኵሉ ስፍራ ክዅላዕ ገበሩ፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ማለት ኣብ 1989 ዓ.ም. “ብዘይ ምፍሳስ ደም” ዝፈረሰ መንደቕ በርሊን ገና ከይተኣልየ እንከሎ ተመሳሳሊ መደብ ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተመሪሑ ከምእተኻየደን ድሕሪ 25 ዓመት እውን ኣብ 2011 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 16 ነቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘበገሰዎ ምእንቲ ሰላም ናይ ሓባር ጸሎት ኣብ ኣሲዚ መሪሖም ከምእተሳተፉ ይዝከር።
ስም ኣምላኽ ንዓመጻ መመኽነይታ ክኸውን ኣይኽእልን
ድሕሪ 30 ዓመት እቲ ኣብ 1986 ዓ.ም. ዝተበገሰ ፍጻሜ “ናይ ኵለን ሃይማኖታት መራሕቲ ናይ ሓባር ጸሎት ምእንቲ ሰላም” ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2016 ዓ.ም.ዓለም እውን ዓሚቝ ለውጢ ኣብ ዝገበረትሉ እዋን ንመዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣብ ኣሲዚ ተረኺቦም እዮም፡ ይዅን ደኣ እምበር ናይ መላእ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ኣብቲ መደብ ጸሎት ተረኺቦም ብሓባር ነቲ ውህበት ኣምላኽ ዝኾነ ሰላም ተማህሊሎምን . . . “ዓመጻ ነቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖታዊ መንፈስ ዝጻረር ምዃኑ ምትእምማን የድሊ” ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ዘስመሩሉ መደረ ከምዘስምዑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ስም ኣምላኽ ንዓመጻ መመኽነይታ ምቕራብ ከምዘይከኣል ደጋጊምና ብዘይ ምስልካይ ነቃልሕ፡ ውግእ ዘይኮነስ ሰላም ጥራይ እዩ ቕዱስ” እንክብሉ እቲ ኣብ 1986 ዓ.ም. ዝተበገሰ ምእንቲ ሰላም ናይ ሓባር ጸሎት ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣበራቢሮም፡ ብዘይ ምድንጋራት ሓድነት ክህልውን ኣብ መንጐ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ድልዱል ምሕዝነት ከምዝሰፍንን ብዙሕ ዓመጽን ግጭትን ድማ ከም ዚጠፍእ ገይሮም እዮም፥
እዚ መንፈስ እዚ ህያው ይገብረና እዩ፡ እዚ ኸኣ ምይይጥ ንምግባር ውግእን ግብረ ሽበራን መመኽነይታ ንምቕራብን ንዅሉ ካልእ ዓይነት ዓመጻን ህሳያ ንሃይማኖት ምጽርራ እዩ። እንተዀነ ግን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እውን ብዙሓት ህዝብታት በቲ ውግእ ከቢድ መጒዳእቲ ወሪድዎ እዩ። ውግእ ኣብ ዓለም ስቓይ የጋድድን ጽልእ ድማ የጓሃህር . . . ኣብ ውግእ እቲ ሰዓሪ እውን ከይተረፈ እዩ ዝሰዓር። ኣምላኽ ንዓለም ሰላም ምእንቲ ኪህብ ናብ ኣምላኽ ንጸልይ። ጸሎት ንዓለም ስለ ዜዕቍባን ስለ ዜብርሃናን ሰላም ንኺወሃበና ብቐጻሊ ክንጽልን ክንዓዪን ከምዘሎና ነስተውዕል ኢና። ሰላም ስም ኣምላኽ እዩ። ስለዚህ ድማ ስም ኣምላኽ ንዓመጻ መመኽነይታ ክኸውን ኣይኽእል!
ከምዝበሉ የዘኻኽር።
ኣብቲ ኣብ ኣሲዚ ብማሕበር ቅዱስ ኤጂዲዮ ኣብ እተወደበ “ጽምኢ ሰላም” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ እተኻየደ ናይ ጸሎት መደብ ኣብ ኣሲዚ፥ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኰይኖም ልዕሊ 500 ዝኾኑ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን መራሕትን ተኣኺቦም ብሓባር ከምዝጸለዩን ቅዱስነቶም ዕለት 3 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ኣሲዚ ተረኺቦም እታ ኵላትና ኣሕዋት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ከቲሞም ንዓለም ከምዝለገሱ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ናብ ሰላም ዝመርሕ መንፈሳዊ ንግደት
ኣብ 2011 ዓ.ም. ኣብ ኣሲዚ ንመዓልቲ ጸሎት ሰላም በነዲክቶስ መበል 16 እውን ምስ ናይ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ተረኺቦም፥ ዓለም ኣብ ክልተ ቅጽሪ ኣብ ተእመቐለትሉ ኣብ ዜስግእ ኵነታት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣብ 1986 ዓ.ም. እተፈጸመ ምእንቲ ሰላም ናይ ሓባር ጸሎት ኣገዳስነቱ ኣጒሊሖም እዮም። በነዲክቶስ መበል 16 ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ገለ ኻብቲ እተሓላለኸ ጠንቅታት ምፍራስ መንደቕ በርሊንን ከምኡ እውን ቝጠባውን ፖለቲካውን ረቛሒታት ብምዝካር፥ “ድሕሪ እቲ ምድራዊ - ስጋዊ ሓይለ ስልጣን ዝኾነ ይዅን መንፈሳዊ እምነት ተዓፊኑ እዩ” ቢሎም፥ ናጻ ናይ ምዃንና ድላይ ካብቲ መንፈሳዊ ጉልባብ ዘይብሉ ዓመጽ እናሀለወ ክነሱ ነቲ ዝነበረ ፍርሒ ኣዚዩ ዝበርትዔ ክኸውን ገይርዎ እዩ። “ነቲ ልዕሊ ዅሉ ናይ ሰላም ዓወት ዝኾነ ናይ ሓርነት ዓወት ነስተውዕሎ፡ ኣብ ሰላም ዕዉታት ምዃን እቲ ዝዓበየን ሓቀይናን ናጽነት የርክብ” እንክብሉ ገሊጾም። . . . ዓመጽ ናይ ናጽነት ውጽኢት ኣይኰነን፡ “ካብ ኵሉ ማሕበራውን ውልቃውን መዳይ እግዚኣብሔር ብምውጋድን ንህልዎተ እግዚኣብሔር ምኽሓድ ሳዕቤን ሞት ደቅሰብ” እንክብሉ ነቶም ኢኣማንያን እውን ጻውዒት ኣቕሪቦም እግዚኣብሔር ምኽሓድ ትርጒም ምጥፋእን ሞትን እዩ ዘስዕብ፥ ር.ሊ.ጳ. ራትዚንገር ድሕሪ ናይ ኣሲዚ ርክብ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንዅሎም መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ተቐቢሎም፥
ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን በቲ ዓሚቝ እምነቶም ተደሪኾም ንጥቕሚ ሰብኣዊ ስድራ ቤትን ንጠንቂ ሰላም ክዓዪ ብርግጽ ኣገዳሲ እዩ። አብዚ ከምት ትማሊ እተገብረ ምእንቲ ሰላም ናይ ሓባር ጸሎት ኣብ ኣሲዚ ንጽቡቕ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣበርክቶ ንምግባር ዘሎና ባህጊ ክሳዕ ክንደይ ሓቅነቱ እተረጋገጸ ምዃኑ ከምኡ እውን ንሓድሕድና ክንደይ ነገራት ክንካፈል ከም ዘሎና ንኽንርዳእ ከም ዘኽኣለና ርግጸይና እየ። ብእተፈላለየ መገድታትና ኽንጐዓዝ ከለና ካብዚ ተመክሮ እዚ ብርታዐ ንረክብ ኣብ ዝኸድናዮ ዘበለ ኸኣ ነቲ ናብ ሓቂ ዚመርሕ ናብ ሰላም ዘብጽሕ ሓድሽ ንግደት ንቕጽል!
ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ውጽኢት ጸሎት
እዚ ኵሉ ኣብ 1986 ዓ.ም. በቲ ኣብ ናይ ታሪኽ ተዘክሮ ተሓቲሙ ብዝተረፈ ምስልታት እዩ ዝተበገሰ። ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “ኣብ መንጐ ሓቀይና ሃይማኖታዊ ኣረኣእያን ሓባራዊ ሰናይ ዝኾነ ሰላምን ዘሎ ውሽጣዊ ምትእስሳር” ኣጒልሒም እዮም። ቅድም ኣቢሎም ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ዘመላእክት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥
ብዙሓት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ንኽጽልዩ ምእካቦም ንዓለም ካልእ ስፍሓት ሰላምን ካልእ ሰላም ዜደንፍዕ መገዲ ከም ዘሎ ንኽስትውዓል ዚዕድም ጻውዒት እዩ። እዚ ኸኣ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ዘተ ፖለቲካዊ ሕድገታትን ወይ ቍጠባዊ ውዕላትን ኣይኮነን፡ እንተዀነ ግን እንተፈላለያ ሃይማኖታት እኳ እንተለዋ ምስታ ንሰብኣዊ ኽእለትና እትበልጽ ከሃሌ ኵሉ ምስ ዝኾነ ልዑል ሓይሊ ርክብ ከም ዘሎና እትገልጽ ጸሎት ዘምጽኦ ውጽኢት እዩ።
ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ሰላም መጋበርያ ሰላም ትጽበ
ር.ሊ.ጳ. ዎይትይላ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእስኻ “እምነት” ወይ ተዛማድነት ምይይጥ ዘይኰነስ ብዛዕባ እቲ “ኣብቲ ንሰላም ዝገበርናዮ ዓብዪ ቘራጽነት ደቅሰብ በበይኑ ዝዓይነቱ ሕልናኦም ካብ ዝምስረቱን ስጒምቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካም ዝምርኰሰሉን ዓሚቝ ህይወት ዝህብ ሃብቲ ክምንጭው ኣለዎ” . . . ደረት ሰገር ክንጥምትን ብሓባር መጋበርያ ሰላም ንኽንከውን ዓዲሞም “ብዘይ ውዕዉዕ ፍቕሪ ደላይነት ሰላም፡ ሰላም የሎን፡ ብዘይ ጽኑዕ ዓቕሊ ደላይነት ሰላም ንበይኑ ኣብ ሰላም ኣይብጻሕን።”
ስለዚ ኣሲዚ ከተማ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ንታሪኽ ዜብርህ ብርሃንን ሰላም ንምምጻእ ናይ መራኸቢ ቦታን ናይ ምዃን ሓላፍነት ዘለዋ እያ። ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ እታ ናይቲ ትሑትን ድኻን ፍራንቸስኮ ጸሎት ሎሚ ንነፍሲ ወከፍና ብድሆ ምዃና ኣብሪሆም ዘስምዕዎ መደረ፥
ኦ ጐይታይ ናይ ሰላም መሳርሒ ግበረኒ፥ ጽልኢ ኣብ ዝርከበል ፍቕሪ፣ ጥርጥር ኣብ ዝርከበሉ እምነት፣ ተስፋ ቅብጸት ኣብ ዝርከበሉ ተስፋ፣ ጸልማት ኣብ ዝርከበሉ ብርሃን፣ ሓዘን ኣብ ዝርከበሉ ታሕጓስ ከም ዝዘርእ ግበረኒ። ኦ ጐይታ ካብ ክጸናናዕ ከጸናንዕ፣ ካብ ንኽርድኡኒ ዝርዳእ ክኽውን፣ ካብ ዝፍቐር ዘፍቕር ክኸውን ግበረኒ። ኣብ ምሃብ ምቕባል ኣብ ምምሓር ምምሓር ገዛእ ርእስኻ ብምስዋእ ዘለኣለማዊ ሕይወት ከምዘሎ ከስተውዕል ግበረኒ!
ብዝብል ፍራንቸስካዊ ጸሎት ነቲ ርክብ ከምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።