ድለ

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ስደተይናታትን ግዳም ሓደርን ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ስደተይናታትን ግዳም ሓደርን 

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ስደተይናታትን ግዳም ሓደርን

ነቶም ኣብ ቀረባ መዓልታት ካብ ካቡል ብሓገዝ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ሮማ ምስ ዝኣተዉ 20 ኣፍጋናውያን ተራኺቦም ፍቕሮም ገሊጾም

ዕለት 6 መስከረም 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምሸት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ናይ ሲኖዶስ ሓድሽ ኣዳራሽ “ፍራንቸስኮ” ዘርእስታ ሰነዳዊት ፊልም ምስቶም ዝዓደምዎምን ሚእቲ ዝኾነ ስደተይናታትን ግዳም ሓደርን ብሓባር ኰይኖም ከም እተኸታተሉን እቲ ርክብ ሓጐስ ዝተመልኦ ምንባሩ እውን ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምሸት ዕለት 6 መስከረም ልዕሊ ሚእቲ ዝኾነ ስደተይናታትን ግዳም ሓደርን ኣብዚ ቐረባ ግዜ ካብ ካቡል ኢጣሊያ ካብ ዝኣተዉ  ኣፍጋናውያን ብሓባር ነታ “ፍራንቸስኮ” ዘርእስታ ሰነዳዊት ፊልም ኣብ ናይ ሲኖዶስ ሓድሽ ኣዳራሽ ከምእተኸታተሉን እዚ ኣጋጣሚ እዚ ብማሕበር ይሴባህን ብናይታ ፊልም ደራስን ቀራጽን ኤቨገንይ ኣፊንቭስክይ እተወደበ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣፊንቭስክይ ስድራ ቤቶም ካብ ሩሲያ ናብ እስራኤል ደሓር እውን ናብ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ዝተሰደት ምዃና ዘዘኻኽር ታሪኽ ህይወቶም ዘማእከለ መደረ ብምስማዕ ንኵሎም ነቶም ነታ ሰነዳዊት ፊልም ንኽከታተሉ ንዝተረኽቡ ሰላምታኦም ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝርከብ ንኡስ ቤት እውን ምስቶም ካብ ውግእን ዓመጽን ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ካብ ዘስዓቦ ጸገምን ካብ ኣደዳን ዘምለጡ እቲ ስቓይ ኣብ ኣካሎም ምስ ዝተሰግወ ኣሕዋትን ኣሓትን ከምእተራኸቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዝሃብዎ መግለጺ ጠቒሱ፥ ነቶም ኣብ ቀረባ መዓልታት ካብ ካቡል ብሓገዝ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ሮማ ምስ ዝኣተዉ 20 ኣፍጋናውያን ተራኺቦም ፍቕሮም ገሊጾም ከምዘበራቱዕዎም ኣፍሊጡ።

08 Sep 2021, 09:30