ኣብ ውሽጢ ልቡ መስቀል ክርስቶስ ሒዙ ዝጐዓዝ ንማንም ሰብ ከም ጸላኢ ኣይር እን! ር.ሊ.ጳ ኣብ እስሎ
ዜና ቫቲካን!
እቲ ሥርዓት ዝተፈጸመሉ ኣብ ከተማ ፕረሾቭ ኰይኑ ነቲ ቅዳሴ ብቢዛንታዊ ሥርዓት ዝሠርዑ መጥሮጶሊሳዊ ሊቀ ጳጳስ ፕረሾቭ ብፁዕ እቡነ ያን ባብያክ እንክኾኑ በሑባሬ ምስ ብፁዕነቶም ብዙሓት ሥር ዓተ ኣምልኾ ግሪኻዊትን ላቲናዊትን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጳጳሳትን ካህናትን ከምዝቀደሱ እውን ተመልኪቱ።
ቅዱስነቶም ከም መኽፈቲ ስብከቶም ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ መስቀል ‘ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድን መዓንቀፊ፡ ነህዛብን ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣሎና። ንሱ ነቶም ጽዉዓት፡ ንኣይሁድ ኰነ፡ ንጽርኣውያን ኰነ፡ ክርስቶስ፡ እቲ ሓይሊ ኣምላኽን ጥበብ ኣምላኽን እዩ። ካብ ሰብሲ ዕሽነት ኣምላኽ ይጠብብ፡ ካብ ሰብ ከኣ ድኻም ኣምላኽ ይብርትዕ’ (1ቆሮ 1.23) ንዝብል ጠቂሶም እዚ ብማዕዶ ዕንቅፋትን ዕሽነትን ዝመስል መስቀል ጽባቄ ፍቅሪ እግዚኣብሔር ከምዝገልጽ ብሰፊሑ ተንቲኖም፤ ብ ዓቢኡ ከኣ እቲ መጋበሪ ሞት ዝነበረ መስቀል ምንጪ ሕይወት ኰይኑ እንክብሉ ሳላ ትሩፋት ሕማማትን ሞትን ኢየሱስ ብመስቀል ዝተረኽበ ክብሪ ገሊጾም።
ቅዱስነቶም ናብ ታሪኽ መስቀልን ናይቲ ግዜቲ ሃውሁን ምልስ ይብሉ እሞ ብዝበለጸ ውዕሎ መስቀል ንምርዳእ ከምቲ ዝ ወዓሎ ይንገርካ ዝቀበረ የርድ እካ እንብሎ ካብቲ ኣብ እግሪ መስቀል ዝወዓለ ዮሓንስ ወንጌላዊ ንላዕሊ ንነገር መስቀል ከዘንቱ ዝኽ እል የልቦን እሞ እስኪ ናብ ወንጌል ዮሓንስ ንመልከት ይብሉ እሞ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ቅዱስ ዮሓንስ ‘ርእዩ መስከረ ማለት ይርኢ ይምስክር ከኣ ኢሎም።
ምርኣይ!
ንዝኾነ ፍጻሜ ብኣካል ደው ቢልካ ኣዕይትኻ ኣፍጢጥካ እንክትጥምት ዝኾነ መብረቃዊ ፍርዲ ስምዒት ክህልወካ ግድን እዩ። ዮሓንስ ወንጌላዊ ኣብ እግሪ መስቀል ኰይኑ እቲ ንጹሕ ናይ ንጹሓን ዝኾነ ኢየሱስ ኣብ መስቀል ክመውት ይር ኢ። ብ ኣመለኻኽታ ዓለም ከምዚ ዓይነት ሞት ማለት ንጹሕ ሰብ ከም ገበነኛ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ክመውት ምር ኣይ ናይ ፍሽለት ፍሽለት እዩ። ንሕና እውን ንመስቀል ብደገ ደገ ክንጥምቶ እንከሎናን ቀንዲ መልእኽቱ ክንስሕት እንከሎናን ከማኡ ክስመዓና ግድን እዩ። ስለዝኾነ ኸኣ ዓወት ንዓወት ዝተጐናጸፈ ሆሆታን ታሕጓስን ዘለዎ ክርስትና ብምድላይ ነቲ ትሑት ፍቅሪ ኢየሱስ ብዙሕ ግዜ ንዝንግዖ። ከምዚ ዓይነት ክርስትና ግን ብዘይመስቀል ጭው ዝበለ ዓለማውነት ኰይኑ ምንም ፍረ ዘይብሉ መኻን ክርስትና ኰይኑ ይተርፍ።
እሞኸደኣ እንታይ ንግበር ንዝብል ሕቶ ዝምልሱ ክመስሉ ቅዱስነቶም ክንገብራ ዘሎና ክብሪ መስቀል ኣባኡ እናነበርካ ክንርኢ ክንክ እል ኣሎና፤ ነዚ ከኣ ናብ እተሰቅለ ኢየሱስ ኣተኲርካ ብምጥማት ኣዕይንቲ ልቦናኻ ንኣኡ ብምኽፋት ክንገብሮ ንኽእል ኢሎም።
ምስክርነት ምሃብ!
ርኢኻ ምኽኣል ግን በይኑ እኹል ከምዘይኮነ ንምግላጽ ቅዱስነቶም ድሕሪ ምርኣይ እትስዕብ ዓባይ ጉዳይ ነቲ ምሥጢር ኣጸቢቅካ ምስትንታኑ ናብቲ ቀንዲ ውራይ ማለት ናብ ምስክርነት ምሃብ የብጽሕ፤ ነቲ ዝረኣናዮ ኢየሱስ ስቁል እንተደኣ ብልቢ ኣስተንቲና ምስክርነት ክንህብ ጀሚርና ገጽ ኢየሱስ ስቁል ኣብ ኣብ ገጽና ከንጸባርቅ ይጅምር። ጠባያቱ ጠባያትና ይኸውን እሞ ፍቅሪ ክርስቶስ የሸንፈና ይልውጠና እውን ኢሎም።
ነዚ መሰኻኽር ዝኾኑና ቈጺርካ ዘይውድኡ ሰማዕታት ከምዘለው ዘመልከቱ ቅዱስነቶም ምናዳ ኸኣ እታ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ነዊሕ ታሪኽ ሰማዕታት ዘለዋ ሃገራ እስሎቫክያ ዝሃብዎ ምስክርነት ብቀንዱ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ዘመን ስለክርስቶስ ዝተሰዱን ብሰማዕትነት ዝመስከሩን ደቂ ዓዲ ምስትንታን ይኣክል። ምስክርነቶም ነቲ ም እንታኣቶም ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ዝሞተ ንነዊሕ ግዜ ካብ ምስትንታን ዝተወልደ ኰይኑ ኣብ መወዳእታ ከማኡ ሰማዕታት ብምዃን ኣብ ሞቱ እውን ከምዝሳተፉ ገርዎም ኢሎም።
ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ሎሚ ክርስትያንን ምስክርነትን ምልስ ይብሉ እሞ ‘ምስክርነትና ዓለማዊ ከይከውን ወይውን ሸለልትነት ዝተሓወሰ ንዓይ ኣይተንክፍ እንበር እንታይ ገደሰኒ ዝብል ላንጋላንጋ ኣይኹን፤ ምስክርነትናስ መስቀል ክርስቶስ ኣብ ልቦም ሒዞም ናይ ዝጐዓዙ ንኩሉ ብ ዓይኒ ፍቅሪ ዝጥምት እምበር ንማንም ከም ጸላኢ ዝፍርጅ ክኸውን የብሉን ከመይ ነፍስወከፍ ሰብ ክርስቶስ ሕይወቱ በጃ ኣሕሊፉ ዝሃበሉ ሓው ወይ ሓውቲ እዮም፤ እታ እንኮ ጥበብ ምስክርነት መስቀል ክርስቶስ ከኣ እታ ናይ ጐይታ መንገዲ እያ ትሑት ፍቅሪ እዩ ኢሎም።
ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም ናብ ሕዝቢ እስሎቫክያ ምልስ ኢሎም ነቲ ዘሕለዎ ስደትን ሰማዕትነትን ከይርስ ዑ ወትሩ ነቲ ዝረኣይዎ ምስክርነት ክዝክሩ ሓደራ ኢሎም፤ ምስዚ ኣተሓሒዞም ከኣ ሎሚ እውን እንተኾነ ጐይታ ኣብታ ብጽሞና ተሰቂልሉ ዘሎ መስቀል ንነፍስወከፍና ምስክረይ ክትከውን ክትኮኒ ፍቃደኛ ዲኻ ቢሉ ይሓተና ኣሎ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።