ድለ

2020.05.20 ቅዳሴ ቤትጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ቻይና ብተለቪዥን ክከታተሉ 2020.05.20 ቅዳሴ ቤትጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ቻይና ብተለቪዥን ክከታተሉ 

ኣብ ሃገረ ቻይና ሓዲስ አቡን ተሠዪሞም!

ቅድስት መንበርን ሃገረ ቻይናን ብ2018ዓም ው ዑል ስምም ዕ ካብ ዝኽትማ ሎምዘመን ሻድሻይ አቡን ብር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ይሥየም ኣሎ፤ ሓዲስ ተሰያሚ ጥቀ ክቡር ኣባ ክውይ ኪንግቊ እንክኾኑ ኣባል ኣሕዋት ፍራንቸስካውያን ምዃኖም እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ጥቀ ክቡር ኣባ ፍራንቸስኮ ክውይ ኪንግቊ ዝሓለፈ ሰነ 23 2021 ዓም ናይ ሃንኩ ውሃን ጳጳስ ንክኾኑ ብር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከምዝተሠየሙ ዝዝከር ኮይኑ ሥር ዓተ ሢመተ ጵጵስናኦም ከኣ ሎሚ ዕለት 8 መስከረም 2021 ዓም ኣብታ ቅድሚ ክልተ ዓመት ታህዋስ ኮሮና ብዙሕ ዘጸገማ ከተማ ውሃን ቻይናዊ ዞባ ሁበይ ተፈጺሙ።

ነዚ መግለጺ ቅድስት መንበር ንጋዜጠኛታት ዝሃቡ ሓላፊ ክፍሊ ሕትመት ቫቲካን ዝኾነ ማተዮ ብሩኒ እንክኾኑ እዚ ሢመት እዚ ካብቲ ቅድስት መንበርን ሃገረ ቺናን ኣብ ቺና ሥያሜ ጳጳሳት ዝምልከት ግዝያዊ ስምምዕ ብ2018 ዓም ዝተፈራረሙሉ ግዜ ኣትሒዙ ሻድሻይ ጳጳስ ምኹኖም እውን ገሊጾም።

እቲ ብ ዕለት 22 መስከረም 2018 ዓም ኣብ መንጎ ወከልቲ ቅድስት መንበርን ሃገረ ቻይናን ዝተገብረ ግዝያዊ ስምም ዕ ብ2020 ዓም ንካልእ ክልተ ዓመታት ከምዝተናውሐ ዝዝከር እዩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
09 Sep 2021, 14:49