ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ሕውየት ልቢ ብምስማዕ እዩ ዝጅምር

ዘተ ከም ብሓድሽ ዝውለድ ብቓላት ዘይኰነስ ጽን ካብ ምባል፥ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ዘረባ ንቕጽ ከይበልካ ብትዕግስቲ ንኻልእ ንምስማዕ ካብ ምጅማር እዩ። ነቲ ካልእ ካብ ምስማዕ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዚስከሞ ነገራት ካብ ምስማዕ እዩ። ልቢ ምሕዋይ ብምስማዕ እዩ ዚጅምር

ብታህዋኽን ብእንገብሮ ብእንብሎን ነገራት ዝተወሓጡ ስለ ዝኾንና ደው ኢልና ነቶም ዚዛረቡና እንሰምዓሉ ግዜ ኣይንረክብን። ነዚ ዝብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 መስከረም ፍርቂ መዓልቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ሰንበት ወርሓ መስከረም ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ማርቆስ ወንጌል ምዕ. 7 ካብ ፍቕዲ 31-37 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኵይሶም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዝኣብሔር ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ድሕሪ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ኣብ መወዳእታ ንህዝቢ ኣፍጋኒስታንን ነቶም ብህቦብላ እተጐድኡ ህዝቢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ከምኡ እውን ነቲ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ናብ ሃንጋርን ስሎቫኪያን ዝገብርዎ ሓዋርያዊ መገሻ ከምዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኤፋታ ማለት ተኸፈት ማለት እዩ! ቅዱስነቶም ነዛ ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ማርቆስ ኣብ እተወስደ ኢየሱስ ዓባስን ጸማምን ሰብ ከም ዘሕወየ ዝነግር ምንባብ ኣሞርኵይሶም፡ ንኣገዳስነት ሱቕታን ምስማዕን ኣጒሊሖም፡ እቲ ምፍዋስ ንሕማምን ኣካላዊ ስቓይን እቲ ኻልኣይ ከኣ ኣብዚ እዋን ካብ ዝርኣየ ንልቢ ሰብ ዘጋጥም ኵነትን ዝምልከት ምዃኑ የብርሁ።

ዜደንቕ ምልክታ

ቅዱስነቶም ከምዝገለጽዎ፥ ክንየው ካብ መልመስቲ ወይ ለምጺ ዝኣመሰለ ኸቢድ ሕማም ምሕዋይ እቲ ኢየሱስ ዝፍጽሞ ናይ ምሕዋይ ተኣምር፥ ኢዱ ኣብ ሕሙማት ኬንብር ጥራይ እኳ እንተ ሓተትዎ ንሱ ነቲ ዝሓመመ ሰብ ንበይኑ ወሲዱ ኣእዳዉ ኣብ ኣእዛኑ ኣንቢሩ ጡፍ ኢሉ ልሳኑ ተንክዮን እዚ ምስ ገበረ ድማ ናብ ሰማይ ጠመተ፥ ብርህራሀ ኣተንፊሱ ድማ ኤፋታ ተኸፈት በለ። ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ ር.ሊ.ጳ.፥ “ኵነታት እቲ ሰብ ፍሉይ ምሳልያዊ ዋጋ ስለ ዘለዎን ንዅላትና ዚብለና ነገር ስለ ዘለዎን እዩ። እዚ ዅሉ ብዛዕባ እንታይ ዝምልከት እዩ? ብዛዕባ ጽሙማን እዩ። እቲ ሰብኣይ ኪሰምዕ ስለ ዘይከኣለ ኺዘረብ እውን ኣይከኣለን። ስለዚ ኢየሱስ ቅድም ኣጻብዑ እዩ ኣብ ኣእዛኑ ዜንብር እዚ ኸኣ ነቲ ናይቲ ሕማሙ ጠንቂ ኼሕዊ ቢሉ እዩ።”

ጸማም ልቢ

ቅዱስነቶ ጽን ኢልካ ምስማዕ ኣድላዪ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ ኣብ ቅድሚ ቘልዑ መንእሰያት ኣረጋውያን ከምኡ እውን ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ቃላትን ስብከትን ከይተረፈ ጸማም ምዃን ብዛዕባ ዘለዎ ሓደጋ ከምዚ ብምባል የጠንቅቑ፥ “ብዛዕባ እቲ ኣብ ስድራ ቤት ዘሎ ህይወት እስከ ንሕሰብ - መጀመርታ ከይሰማዕና ክንደይ ሳዕ ኢና እንዛረብ? ጽብ ኢልና ክንሰምዕ ስለ ዘይንኽእል ኵሉ ሳዕ ልሙድ ዘረባ ኢና እንዛረብ።” ዘሳቕሎም ነገር፥ ደቅሰብ ካብ ኣምላኽን መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ጐረባብቱን ገዛእ ርእሱ ኣብ ብሕትውና ንኽርከብ ዝገብሮ ርእሰ ብቕዓት ዝብል ምዃኑ ገሊጾም። ኢየሱስ ነዚ ሰብኣይ እዚ ንምትእምማንን ንውፉይ ፍቕርን ርህው ናይ ምዃን ብቕዓት ክህልዎ ገበረ።”

ኵላትና ኣእዛን እኳ እንተ ኣሎና ብዙሕ ሳዕ ግና ክንሰምዕ ኣይንክእልን ኢና። ከም ሓቂ ደኣስ ውሽጣዊ ምጽማም ስለ ዝኾነ፡ ሎሚ ንኢየሱስ ኪትንክዮን ኬሕይዎን ክንሓቶ ንኽእል። ካብ ኣካላዊ ጸማም ልቢ ዝገደደ እዩ። ተሃዊኽና ክንዛረብን ክንገብሮን ብኣሽሓት ዚቝጸር ነገራት ሰለ ዘሎና ደው ቢልና ነቶም ዚዛረቡና እንሰምዓሉ ግዜ ኣይንረክብን።

እቲ ር.ሊ.ጳ. ዘቕርብዎ ጻውዒት ናብ ምእመናን እኳ እንተኾነ “እቲ ካህን ነቲ ህዝቢ ኪሰምዕ ደኣ እምበር ተሃዊዅ ሓዲግዎ ክኸይድ ከምዘይብሉ ንምምልካት፥ ንካህናት ዘቕርብዎ እውን እዩ። ካህን ጽን ቢሉ ድሕሪ ምስማዕ እዩ ብኸመይ ሓገዝ ከቕርብ ከምዝኽእል ዘለልይ። ጽን ቢልካ ምስማዕ ድሕሪኡ መልሲ ምሃብ።

ዘተ ዝውለድ ጽን ቢልካ ካብ ምስማዕ እዩ

ኣብዚ መዳይ እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጽን ክንብልን እትሓትተና ኣብ ወንጌል እትርከብ ናይ መጀመርታ ትእዛዝ ምዃና ይገልጹ። ጐይታ እውን ከምእዩ እዩ ዝብለና፥ “ንኣኡ ብልመና እንተ ኣዕለቕለቕናዮ ሰናይ እዩ። ግናኸ ቅድም እንተሰማዕናዮ እዩ ዝሓይሽ። ክርስትያን እኳ እንተዀንና ካብቲ በብመዓልቲ እንሰምዖ ብኣሽሓት ዚቝጸር ቃላት ግና ሒደት ቃላት ወንጌል ንኸነቃልሕ ህሞት ኣይንረክብን ንኸውን። ኢየሱስ ቃል ኢዩ ክንሰምዖ ደው እንተዘይበልና ክንየው እዩ ዝሓልፍ” ምስ በሉ ኣስዒቦም ምስማዕ ነቲ ዝተቛረጸ ዘተ ዘራኽብ ቀንዲ መገዲ እዩ።”

ዘተ ከም ብሓድሽ ዝውለድ ብቓላት ዘይኰነስ ጽን ካብ ምባል፥ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ዘረባ ንቕጽ ከይበልካ ብትዕግስቲ ንኻልእ ንምስማዕ ካብ ምጅማር እዩ። ነቲ ካልእ ካብ ምስማዕ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዚስከሞ ነገራት ካብ ምስማዕ እዩ። ልቢ ምሕዋይ ብምስማዕ እዩ ዚጅምር።

ምስጢር መንፈሳዊ ጥዕና

ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ “መንፈሳዊ ጥዕና” ኣብቲ ንወንጌል ዘወፍዮ ግዜ ከም ዝምርኰስ ምዃኑ ገሊጾም - “እቲ መድሃኒት እንሆ - መዓልቲ መዓልቲ ቝሩብ ስቕ ምባልን ምስማዕን ዘየድሊ ቃላት ብምውጋድ ንቃል ኣምላኽ ቦታ ምሃብ። ሎሚ እውን ከምቲ ኣብ መዓልቲ ጥምቀት “ኤፋታ ኣፍ ደገኻ ክፈት” ዝብላ ቃላት ኢየሱስ ክጽውዓና ንሰምዕ ኢና። ኢየሱስ ንቓልካ ክኸፍትን ክሰምዕን እደሊ እየ። ንልበይ ከም ምዕጻውን ካብ ዓቕሊ ምስኣንን ኣሕውዮ” ንበሎ፡ ቢሎም “ድንግልማርያም ነቲ ስጋ ኣብኣ ዝኾነ ቃል ንምስማዕ መዓልቲ መዓልቲ ንወዳ ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ከኣ ብልኡምን ብዕጉስን ጽን በሃሊ ልብን ኣቢልና ንኽሰምዖም ሓግዝና” ቢሎም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከምዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

07 Sep 2021, 01:00