ንክርስቶስ ንምስዓብ ትብዓት ይሃሉኹም! ር.ሊ.ጳ ኣብ መጀጎሪ ንዘለው መንእሰያት ዓለም
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም መኽፈቲ መልእኽቶም ክትከውን ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝመርጽዋ ክፍሊ እታ ማቴ 19 እትርከብ ብዛዕባ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክኽተል ኣንቂዱ ዝነቀለ ሃብታም መንእሰይ ዘቅረባ ሕቶ ‘ዘለዓለማዊ ሕይወት ንምውራስ እንታይ ክገብር ኣሎኒ!’ ይጥቀሙ እሞ ብዛዕባ ኩነታት እቲ መንእሰይ ‘ንሱ ጒዕዞ ሕይወቱ ይጅምር! እኳ ድኣ ኣብ ምፍላም ጒዕዞኡ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ይራኸብ! ዘለዓለማዊ ሕይወት ንምውራስ ዘለዓለማዊ ታሕጓስ ንምርካብ እንታይ እግበር ዝብል ሕቶ እቲ ናይ ሽዑ መንእሰይ ሎሚ እውን ናይ ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ኰይኑ ካብ ዕለ1 ክሳብ ዕለት 6 ነሐሰ 2021 ዓም ኣብ መጀጎሪ ተጋቢኡ ንዘሎ መንእሰይ ዝመርሓ ዘለዋ ቃላት ምዃነንይ ይገልጹ እሞ ‘እዛ ቃል እዚ ወትሩ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ተቊመና እሞ ንሱ ከኣ ኣተኲሩ ይጥምተና እሞ የፍቅረና ኣብ ፍጻሜ ከኣ ‘ንዓ ስዓበኒ’ እንክብል ይዕድመና ኢሎም። ከምቲ ብዛዕባ ድሕነቱ ብዛዕባ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዘለዓለማዊ ታሕጓስ ድቃስ ዝሰኣነ ኣብ ወንጌል ዝቀረበ ሃብታም መንእሰይ ነፍስ ወከፍ መንእሰይ እዚ ሃረርታ እዚ ይውንን ኣብ ከምዚ ዚኣመሰለ ወቅቲ ከኣ ከምዚ ኣብዚ ሶሙን እዚ ኣብ መጀጎሪ ዝፍጸም ዘሎ ጉባኤ ዓለምለኸ ርክብ መንእሰያት ከኣ ንኢየሱስ ከምቲ ናይ ሽዑ ሎሚ ንምርካብ እትምርሸሉ ወርቃዊ ዕድል ምዃኑ እውን ገሊጾም።
ንኢየሱስ ንምርካብ እትጐዓዞ ወርቃዊ ዕድል!
ንኩነታት ናይቶም ነጋድያን መንእሰያት ብኣካል ከምዝከታተሉን ብመንፈስ ምሳኦም ሓቢሮም ከምዘለውን ብዝገልጽ ቃና እዛ ካብ መላእ ዓለም ኣብ መካነ ንግደት ድንግል ማርያም ዘመጀጎርየ ንሶሙን ተጋቢኦም ንዘለው መንእሰያት ብዛዕባ እዛ ታሪኻዊት ሶሙን እንክጽሕፉሎም ‘ሶሙን ጸሎት! ሶሙን ርክብ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ! ፍልይ ብዝበለ ከኣ ንኢየሱስ ክርስቶስ ብሕያው ቃሉ ብቅዱስ ቊርባን ብኣምልኾን ስግደትን ብምሥጢረ ንስሓ ነቲ ናባኡ ገጽካ ንምጒዓዝ ዘድሊ ሓይሊ ከምዝለብሱ’ ይግለጹሎም እሞ ነቲ ስሙ ዘይፍለጥ ሃብታም መንእሰይ ወንጌል እቲ ሃረርታኡን ተበግሶኡን ናይ ኩሎም መሪሕ ዕላማ ክኸውን ኣዘኻኺሮም።
ቅዱስነቶም ናብ ኩነታት እቲ ሃብታም መንእሰይ ምልስ ይብሉ እሞ እዚ መንእሰይ እዚ ተማሂሩ ጽቡቅ ኲስኰሳ ረኺቡ ነታ ሓቀኛ ሓጐስ ንምርካብ ድቃስ ለይቲ ዝኸልኦ ጒዳይ ከምዝነበሮ ይገልጹ እሞ እቲ ቀንዲ ናብ ኢየሱስ ገጹ ከምዝጐዓዝ ዝግበሮን ኣብ ኢየሱስ ነቅ ዘይብል እሙን መሪሕነት ሓቀኛ ጸግዒ ናብቲ ንበይኑ ምንጪ ሓጐስን ሠናይ ነገርን ዝኾነ እግዚአብሔር ዝወስድ መንገዲ ይርኢ። ከመይ ሓቀኛ ሓጐስ ዘለዓለማዊ ሕይወት ካብ ናይዚ ዓለምዚ ሃብትን ጻዕርን ብገዛእ ሓይሊ ክርከብ ከምዝይከኣል ይረጋገጽ። ጐይታ ከኣ ከምቲ ኣሚኑ ዝቀረቦ ደረጃ ብደረጃ መንገዲ ድሕነትን ዘልዓለማዊ ሕይወትን ሓጐስን ቀስ ብቀስ የስተምህሮ። ብቀዳምነት ትእዛዛት እግዚአብሔር ብምሕላው ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ገጹ ክጐዓዝ እንተደልዩ ፍቅሪ ብጻይ ከምዘድልዮ ይገልጸሉ።
ቀዳማይ ምዕራፍ ጒዕዞ ዘለዓለማዊ ሕይወት- ፍቅሪ ብጻይ!
እቲ ስም ዘይብሉ ግን ተፈታውን መልክዔኛን ብኩሉ ኩሉ ምሁርን ብሱልን መንእሰይ ንጐይታ ‘ዘለዓለማዊ ሕይወት ክወርስ እንታይ እግበር! ኢሉ ምስ ሓተቶ ጐይታና ኢየሱስ ሓደ ክልተ ኢሉ መንገዲ ይሕብሮ። እታ ቀዳመይቲ ጭቡጥ ፍቅሪ ብጻይ ምዃኑ ምንም መኽሰብ ጥቅምን ዘይትደልዩ ፍቅሪ ምዃኑ ይገልጸሉ። እንተኾነ ኣብቲ ዝርርብ ልብን ኩላሊትን ዝምርምር ኣምላኽ ሓንቲ ነጥቢ ኣብ ልቢ እቲ መንእሰይ ይዕዘብ። እዚኣ ፍቅሪ ንዋይ ኰይና ልቡ ምስ ንዋይ ብዘይ መጠን ዝተጣበቀ ምዃኑ ይዕዘብ እሞ ‘ፍጹም ክትከውን እንተደለኻ ዘሎካ ኩሉ ሸጥካ ንድኻታት ሃብ! ሽዑ ንዓ ስዓበኒ! ፍጹም ክትከውን ኢኻ’ ይብሎ። ስለዚ ከም ካልኣይ ደረጃ ጒዕዞ ዘለዓለማዊ ሕይወት ካብ ኣተሓሳስባ ጥቅምን መኽሰብን ናብ ወፈያን ልግስን የሰጋግሮ።
‘ፍጹም ክትከውን እንተደለኻ ኪድ ዘሎካ ኩሉ ሺጥ እሞ ንድኻታት ዓድሎ ሽዑ ኣብ ሰማያት መዝገብ ክህልወካ እዩ’ (ማቴ 19,21)። ኣብዚ ኣብ ልቢ እቲ መንእሰይ ዝነበረ ንንየዋይ ዓለም ውሕስነት ዝኸውን ነገራት ሃሰስ ዝብል ዝነበረ ነቲ ኣብዚ ነጀዋይ ዓለም ውሕስነት ዘንበረሉ ነገራት እውን ንክጥንጥን ከምቲ ናቱ ሓራ ክኸውን ይዕድሞ። እዚ ከኣ ካብቲ ዘይብሱል ኣተሓሳስባ ማለት ትእዛዛት ብምሕላውን ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ብምዝውታርን ብመንፈዓትና ዘለዓለማዊ ሕይወት እነውሕስ ኰይኑ ዝስመዓና ናብ ብነጻ ዝዕደል ፍቅርን ምሉእ ብምሉእ ወፈያ ዝሓትት ፍቅርን ይዕድሞ። በዚ ከምዚኸስ ኢየሱስ ዝዕድሞ ዘሎ ሰብ ንኩሉ ቀንጢጡ ሓራ ዝኾነ ምስ ካልኦት ብዝለዎ ርክብ ሃብታም ዝኾነ ሰብን ከምዘድሊ ይገጸሉ። በዚ ከኣ ምስ ዝኾነ ምድራዊ ነገር ኣይጠብቅን ካብ ዝኾነ ነገር ሓራ ይኸውን።
ምስ ምንም ዘይተጣበቀ ሓራ ልቢ!
ቅዱስነቶም ምሥጢር ሓራ ዝኾነ ልብን ብሃብትን ካልእ ነገራትን ዝመልአን ልቢ ዘሎ ፍልልይ ንምግላጽ ‘ሓራ ዘይኮነ ልቢ ብጋሕገልጠም ዝመልአ ልቢ እግዚአብሔርስ ይኹን ብጻይ ዝብል ኣምር ከም ጥቅሚ ዘለዎም ነገራት ክንርድኦም ንቃለስ መጠን ብዙሕ ዝኣከብካ መጠኑ ሓጐስ እትርከብ ዝመስለካ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎ። እንተኾነ ዓፊኖም ሒዞም መሊስና ከም እንሓዝንን ንካልኦት ክነፍቅረሉ ኣብ ዘይንኽእል ደረጃን ከምዘብጽሑና ንገንዘብ ኢሎም።
እንተ ንኩሉ ጠንጢናካ ሓራ ምስ ኰንካ ሓጐስ ዝህበካ እንታይ ምዃኑ ንምምልካት ከኣ ኢየሱስ ንኩሉ ሸይጡ ንድኻታት ምስ ዓደለ ብድህሪኡ ንክስዕቦ ‘ሽዑ ንዓ ሰዓበኒ’ ይብሉ። እዚ ማለት ከኣ ሓዋርያ ኢየሱስ ተኸታሊ ኢየሱስ ክትከውን እንተደሊኻ ከምዝጥዕመካ ኰንካ ብደገደገ ጥራይ ምቅራብ በይኑ እኹሉ ኣይኮነን ብሓቅን ብዕምቈትን ምኽታሉ የድሊ። ንኩሉ ጠንጢንካ ባዶ ኰንካ ምስ እትቀርቦ ከምቲ ወንጌል ዝብሎ ኣብ ክንዳኡ ሃብታምን ሓጐስ ዝመልኦን ሓዲስ ሕይወት ብብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣቦታትን ኣደታትን ውሉድን ሃብታም ዝኾነ ሕይወት ክትርክብ ኢኻ።
ንኢየሱስ ምስዓብከስ ክሳራ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ክትጽብጽቦ ዘይከኣል መኻሰብ እዩ። እዚ ከኣ ነቲ ንጒዕዞኻ ዕንቅፋት ዝኾኑ ነገራት ቈሪጽካ ብምድርባይ እዩ። እንተ እቲ ሃብታም መንእሰይ ግን ልቡ ኣብ ክልተ ጐይቶት ተመቅለት እግዚአብሔርን ገንዘብን። ንዘለዎ ሃብቲ ኩሉ ናይ ምጥፋእ ፍርሃትከስ ናብ ገዛኡ ሓዘን ተጐልቢቡ ከምዝምለስ ገርዎ። ስለዚ ሕጉሳት ንክንከውን ብዘይ ምንም ተጒላባነት ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ምትእስሳር የድሊ።
እቲ መንእሰይ ብሓዘን ተጐቢኡ ንገዛኡ ዝተመልሰሉ ቀንዲ ምኽንያት ነታ ካብ ሃብትኻ ተፈሊ እትብል ጻውዒት ኢየሱስ ክቅበልን ካብ ገዛእ ርእሱ እውን ሓራ ኰይኑ ምስ ክርስቶስ ክተኣሳሰር ዝቀረበቶ ጻውዒት ወይውን ዕድመ ተቀቢሉ ነታ ሓቀኛ ሓጐስ ምሳኡ ንክረኽባ ምስ ኢየሱስ ክጐዓዝ ትብዓት ኣይረኸበን ምስ በሉ ናብቶም መንእሰያት ዘተኰረት ነዛ ሓጻር ምሕጽንታ ኣቅሪቦም።
ሃየኸስ ንንእስነትኩም ናብ ጐይታ ኣማዕቊብኩም ምሳኡ ንክትጐዓዙ ትብዓት ይሃሉኹም። በቲ ካብ ፈተና ጣዖታትን ናይ ሓሶት ሃብትን ዘተስፍው ከም ሓቁ ግን ሞትን ሓዘንን ዘውርሱ ሓራ ዘውጽእ ናይ ፍቅሪ ጠመተኡ ክትማረኹ ፍቀዱ። ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ንምቅባልን ንጻውዒቱ ኣመን ንምባልን ኣይትፍርሁ። ከምቲ ሃብታም መንእሰይ ተስፋ ኣይትቊረጹ። ጠመተኹም ናብ ማርያም ኣቅንዑ። ንሳ ዓባይ ኣብነት ምምሳል ክርስቶስ እያ። ናብኣ ተማዕቈቡ። ንሳ በቲ ዓቢይ እሽታኣ ንጻውዒት ጐይታ ብዘይ ነግፈረግ ዝመለሸት እያ። እኖና ድንግል ማርያም ንመነባብሮ ኩልና ሕያው ኣብነት እያ። ምስ ኢየሱስ ክርቶስ ወትሩ ሓጐስ ጸጸኒሑ ኣብ ልብና ይውልድ እንክብሉ መልእኽቶም ዛዘሙ።