ርክብ ኣባላት ምንቅስቓስ ይሴባህ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ
ዕለት 27 ነሓሰ 2021 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቲ ብሸውዓተ ምንቅስቓሳት ዝቖመ ኣባላት ዓለም ሓቆፍ ምንቅስቓስ ይሴባህ ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱን ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ናይቲ ምንቅስቓስ ኣቦ መንበር ሽማግለ ቤት ምሕደራ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ንጒዳይ ለውጢ ዅነታት ኣየር ንምብዳህ ማሕበረሰብ ስነ መሓድሮኣዊ ለውጢ ክህልዎ ይግባእ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዓለም ለኻዊ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ሓልዮ ከባቢ ኣየር ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ዝነበረ ኣብ 2015 ዓ.ም. ብዝተፈላለያ 17 ካቶሊካውያን ውድባትን 12 ናይ ዝተፈላለያ መናብርተ ጥበብ ወከልትን በርገሳውያን ማሕበራትን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ምእመናን ነታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዋ ኣብ ምክንኻን ናይ ሓባር ቤትና እትመርሕ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ፡ መላእ ሕብረተሰብ ዓለም ኣቃልቦ ክህበሉ እተቕርቦ ስልጣናዊ ምዕዳን ኣብ ግብሪ ንኸውዕሉ ንምሕጋዝ ብዝብል ዕላማ ቆይሙ ኣብዚ እዋን እዚ ኣስታት 800 ማሕበራት ዝጥርንፍ ምንቅስቓስ ካብ ዕለት 29 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ዓለም ለኻዊ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ዛዕባ ከባቢ ኣየርን ኵለንተናዊ ምሉእ ማሓድሮን ብዝብል ብሓጺሩ ምንቅስቓስ ይሴባህ ብዝብል መጸውዕ ክፍለጥ ከምዝወሰነ ይዝከር።
ስነ ምግባራዊ ተሓታትነት ሰብኣዊ ፍጥረት
ስለዚ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 800 ማሕበራት ዝጥርንፍ ምንቅስቓስ Laudato sì - ይሴባሕ ብኣባላቱ ኣቢሉ ኵሉ ከከም ሓላፍነቱን ሞያኡን ነታ ዓዋዲት መልእኽቲ እተመላኽቶ ለበዋታት ክስዕብን ኣብ ማሕበርሰብ ስነ ምግባራዊ ስርዓት ንምድንፋዕ ዝዓዪ እዩ። ናይቲ ምንቅስቓስ ሽማግለ ምሕደራ ኣቦ መንበር ሎርና ጎልድ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እዚ ምንቅስቓስ እዚ ኣብ ልዕሊ ዅነታት ከባቢ ኣየር ግደ ሰብኣዊ ፍጥረትን ጠንቂ ምቅይያራትን ሳዕቤናቱን ዘመላኽትን ህጹጽ ኣገዳስነት ኣብ ልዕሊ ከባቢ ኣየርን ተፈጥሮን ዝወርድ ማህሰይቲ ንምውጋድ ስነ ምጐታውን ርትዓዊ ድፍኢት ይሴባሕ ዓዋዲት ብፍሉይ ዝሕብር ኣብ ከርሲ ቤተ ክርስቲያን ዝተወልደ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብሓባር ንለውጥን ንምልዋጥን
ኣቦ መንበር ሽማግለ ምሕደራ ዓለም ሓቆፍ ምንቅስቓስ Laudato sì - ይሴባሕ ጐልድ ይብሉ፥ እቲ ምንቅስቓስ ዅነታት ኣየር ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ክህልው ዚኽእል ጽልዋን ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ፍጥረትን ድኻታትን ገዓር ክሰምዕ ዝዕድምን ሓንሳእ ምስ ሰማዕና ኸኣ “ነቲ ኵነታት ንምቕያር ስጒምቲ ክንወስድ ዘተባብዕ እዩ። ድሮ ኣብ ኣባይቲ ስድራ ብዙሓት ነገራት ክቕየርን መነባብሮን ምስ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘሎና ርክብ ምዕሩይን ስሩዕን ኣብ ምኽባርን ምክብባርን ዝጸንዔን ነቲ ኣብ ልዕሊ ከባቢ ኣየር ዝፍኖ በካሊ ጋዝ ንምንካይ ምርጫታትና ብዝያዳ ምፍላጥን ከምኡ እውን ከም ማሕበርሰብ መጠን ክትወስዶ ዝግብኣካ ስጉምቲ ዘብርህ እዩ። ኣብ ይሴባሕ ዓዋዲት መልእክቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ዘድልየና ለውጢ ካብ ውልቃውን ማሕበራውን ምልዋጥ ዝብገስ መቓርብን ስነ መሓድሮኣዊ ለውጢ ዘለዎ እገዳስነትን የብርሁ። ከመይሲ እቲ ዘድሊ ለውጥታት ንምዕታር ኣብ ፖለቲካዊ ጽፍሒ ለውጢ ክህሉ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ብዛዕባ ከባቢ ኣየር ዝግደሳ ምንቅስቓሳት ቃል ኪዳን የድሊ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
መበል 26 ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ምቅይያር ከባቢ ኣየርን ጻውዒትን
ነቲ ብዛዕባ ምቅይያር ከባቢ ኣየር ኣማእኪሉ ዝመክር ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተጠልበ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ መንጐ ለብዕን ለውጢ ዅነታት ኣየርን ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ኣብ መንጐ እተፈላለዩ ዓይነት ኣትክልትን እንስሳታትን ፍጥረት ኵሉ ዘሎ ምትእስሳር ዜጉልሕ ድምጺ ካቶሊክ ንምብጻሕ እውን ድሮ ጐስጓስ ይካየድ ኣሎ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።