ዜና ቫቲካን!
ናይ ዕለቱ ወንጌል ናይ ዝሓለፈ ሰንበት መቀጸልታ ኰይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ‘ሥጋይ ዝበል ዕ ደመይ ዝሰቲ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣለዎ’’ እንክብል ምስ ኣስተምሃረ ምንም ክርድ እዎ ስለዘይከኣሉ እንደገና ደጊሙ ‘እንጌራ ሕይወት ኣነ እየ’ ብማለት ቊርጹ ይነግሮም። እንታይ ማለቱ ኮን ይኸውን ንዝብል ክምልሱ ቅዱስነቶም ‘ኢየሱስ ከምዚ ክብል እንከሎ እዚ መግቢ እዚ ብሕይወት ከም እንነብር ዝገበርና ንሱ እዩ ንማለት እዩ’ ኢሎም። እዚ እንጌራ እዚ ብዝተፈላለየ ቀመማት ተማቂሩ ዋጋኡ ዘይከኣል ዝበለጸ መግቢ ኢልና ከከም ጁባኻ ዝምዘን መግቢ ዘይኮነ ማንም ዝጠመየ ሰብ ጥሜቱ ንክ ዕንግል ዝልምኖ ሓደ ዕለታዊ እንጌራ ንክም እርር ዝጽ ዕር ሰብ ሃረር ዝብሎ ንሕይወት ዝኸውን ዓይነት እንጌራ ምዃኑ ብምግላጽ ከኣ ‘እዚ ኢየሱስ ኣነ እየ ዝብሎ እንጌራ ማንም እንጌራ ዘይኮነ እንጌራ ሕይወት እዩ ኢሎም።
ክብርን ኣድናቆትን ንቅዱስ ቊርባን!
ካብቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምሉእ ወንጌል ዝገደፈልና ምልክታት እቲ ዝዓበየን ዝበልጸን መልክዕ ኣብ መወዳእታ ድራር ንገዛእ ርእሱ ስለና ከወፊ ኣብ ዝሸባሸበሉ ዝነበረ ገዛእ ሕይወቱ ገዛእ ሥጋኡ ገዛእ ልቡ ዘወፈየልና ቅዱስ ቊርባን እዩ፤ ነዚ ከኣ ንሕና ሕይወት ምእንቲ ክህልወና ኢሉ እዩ።
ዝምሽኣካ ኣምላኽ ሃሰስ ምባል!
ቅዱስነቶም ናብ ታሪኽ እቲ ፍጻሜ ምልስ ይብሉ እሞ ‘ነተን ኣነ እንጌራ ሕይወት እየ! ሥጋይ ብልዑ ደመይ ስተዩ! ሥጋይ ዘይበል ዕ ደመይ ዘይሰቲ ሕይወት የብሉን! ዝብላ ቃላት ኢየሱስ ምስ ሰም ዑ ብዙሓት ተዓንቂፎም በብሓደ ከዝልቁ ጀመሩ! እንተኾነ ሎሚ እውን ኣባና ምልስ ኢልና እንተተመልከትና ከምቲ ናቶም ክስም ዓና ይኽ እል! ምኽንያቱ ከኣ ንሕና ጉዳያትና ኣብዚ ምድሪ እዚ ከምዝጥ ዕመና ክንገብር ዝምሽ ኣና ኣምላኽ ስለ እንምነ ንሱ ኣብ ሰማየ ሰማያት ኰይኑ ጥራይ ዝ ዕዘብ ኣብ ጒዳያትና ኢዱ ዘይመልስ ኣምላኽ ስለ እንደሊ እዩ። እዚ ከኣ ዳኛ ዘይብልካ ወቀሳ ሕልና ዘይብልካ ድላይካ ክትገብር ዝደፋፍ እ ስም ዒት ስለ እንውንን እዩ’ እንክብሉ ገሊጾም።
[ እንተ እግዚአሔር ግን ከማና ሰብ ኰይኑ ኣብ ጭቡጥ ዕለታዊ ናብራና ክሳተፍ ከማና ክነብር ደለየ። ን ዓይ ን ዓኻ ን ዓኺ ንኩልና ን ዓና ክብል ኣብ ሕይወትና ኪኣቱ ሕይወትና ኪሳተፍ እግዚ አብሔር ከማና ሰብ ኰነ። በዚ ከኣ ዝኾነ ጉዳይ ሕይወትና ተገድሶ እያ። ስም ዒታትና ኩሉ እርይ ቁጽር ኣቢልና ክንነግሮ ንኽ እል። ከመይ ዝበለ መዓልቲ ከምዝዋዓልና ጀሚሩ ኩሉ ጉዳያትና የገድሶ እዩ። ኢየሱስ ካብና እዚዓይነት ቅርበት ይደሊ። ካባና እንታይ ኣይጽበን እንተበልና ሕጽር ብዝበለ መንገዲ ምሳና ክተኣሳሰር ስለዝደሊ እንጌራ ሕይወት ብምዃኑ ክንዝንግ ዖ ከምዘየሎ ሓሲብና ክንጐዓዝ ወይውን እናክጨንቀና ጥራይ ጐይታይ ጐይታይ ክንብሎ ኣይደልን። ንጥሜትና ብዝለዓለ ፍቅሪ ንቀልብ ን ዓንግል ኢሎም። ]
ንጥሜትና በዚ ዓቢ ፍቅሪ እዚ ንዓንግል!
ወትሩ ሕያው ዝኾነ ክርስቶስ ኣብ ጒዕዞ ዕለታዊ ሕይወትና ክዋሳእ ክንፈቅደሉ እሞ ነቲ እንጌራ ሕይወት ዝኾነ ኢየሱስ ብዝተፈላለየ መንገዲ እናቈረስና ክንካፈሎ ምናዳ ኣብ ሕይወት ሥድራቤት ዝኾነ ዕለታዊ ተግባራና መጽናዕትስ ይኹን ሽቅለት ምስ ወዳእና ብሓባር ኰና ነቲ ዝቀርበና መኣዲ ንክባርኸልናን ኣብ ማእከልና ንክህሉን ን ዓድሞ እዚ ከኣ ንበረኸት ከምዝኾነና ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ድሕሪ ጸሎተ መል አከ እግዚኣብሔር ዘቅረብዎ ሰላምታ!
ቅዱስነቶም ጸሎተ መል አከ እግዚኣብሔር ምስ ደገሙ ንሙቈት ሮማ ተጻዊሮም ምሳኦም ሓቢሮም ንምጽላይን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ንክሳተፉን ኣብ ቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝነበሩ ኩሎም ሰላምታ ኣብ ዘቅረቡሉ ምናዳ ከኣ ካብ ከተማ ቨሮና ዝመጹ ጒጅለ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መን እሰያትን ካብ ከተማ ክረቫልኮረን ከተማ እስካንድያኖን ዝመጹ መን እሰያትን ካብ ዞባ ትሪቨነቶ ክሳብ ሮማ ነቲ ፍጻሜ ብብሽክለታ ዝመጹን ፍሉይ ሰላምታ ኣቅሪቦም። ንኩሎም ዝተቀደሰ ዕለተ ሰንበት ተመንዮም ወትሩ ከምዝብልዎ ካብ ልቦም ዝነቀለ ስለኦም ኩሎም ክጽልዩ ሓደራ ኢሎም ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም።