ንሰማይ ዘዕርግ ዓቢይ ምስጢር ትሕትና እዩ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ንእኖና ድንግል ማርያም ካብ ዝምልከቱ ዓንቀጸ እምነታት ሓደ ዝኾነ ብነፍሳን ብሥጋኣን ንሰማይ ምፍላሳ ዝገልጽ በዓለ ፍልሠታ ላቲናዊ ሥርዓት ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ወትሩ ዕለት 15 ነሐሰ ተብዕሎ። ቀንዲ ሕመረት እቲ ዓንቀጽ ድማ ንሳ ኣደ መድኃኔ ዓለም ዝኾነት ወላዲተ ኣምልኽ እያ ስለዝኾነ ከኣ ካብ ሓጢኣት ናጻ ብምዃና ብነፍሳን ብሥጋኣን ንሰማይ ፈሊሳ ዝብል እዩ። ነዚ ግን ቅድሚ ቤተክርስትያን ምእዋጃ ንሳ ንባዕላ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኣ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ዝቀረበ ተዓብዮ ነፍስየ ለእግዚአብሔር ዝብል ጸሎታ ብትንቢት `ካብ ሕጂ ንደሓር ኩሎም ወለዶ ብፅዕቲ ክብሉኒ እዮም’ ቢላ ትንበ እንተኾነ ነዚ ትንቢት እዚ ኣብ ዝቅድማ ቃላት ከኣ ‘ውርደት ባርያኡ ርእዩ እዩ እሞ መንፈስ ብኣምላኸይ ባህ ይብሎ’ እንክትብል ኣብዚ ክብሪ እዚ ዘብጽሓ ትሕትና ምዃኑ ትገልጽ።
ቅዱስነቶም ነዛ ትሕትና እትብል ቃል ደጋጊሞም ብምግዋሕ ‘እነሆ እምበኣር እቲ ምሥጢር’ እንክብሉ ቀንዲ ምሥጢር ምጥቀት ሰማይ ኣብ ትሕትና ከምዘሎ በዚ ትሕትና እዚ እግዚብሔር ብመልኣኹ ገቢሩ ‘ምልእተ ጸጋ’ ይብላ ከመይ ብትሕትና ንሕይወታ ካብ ኩሉ ነጻ ገራ ባዶ ምስ ኣትረፈቶ ብጸጋኡ መሊእዋ። እዚ ትሕትና እዚ ንቀልቢ እግዚአብሔር ስሒቡ ከምዘፍቅራን ማሕደር ወዱ ከም እትኸውንን ገርዋ ኢሎም።
እግዚአብሔር ልቢ ይርኢ ነቲ ዘገልግሎ ከኣ ልዕል የብሎ!
አመለኻኽታ እግዚአብሔር ካብ ኣመለኻኽታ ደቂ ሰባት እምብዛ ርሑቅ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ደቂ ሰባት ዕቤት ኣብ ዘብለጭልጩ ነገራት ሃሰስ ይብል እሞ ይታለል እንተ እግዚአብሔር ግን ልቢ እዩ ዝጥምት! እዚ እቲ ኣብ እኖና ድንግል ማርያም ዝኾነ ጉዳይ ዓቢ ትእምርቲ ይህበና።
ምስ እኖና ድንግል ማርያም ዝኾነ ከኣ ከምቲ ኣብ ጸሎታ ተዓብዮ ነፍስየ ለእግዚአብሔር እንክትብል እትገልጾ ነዚ እዩ ዝገበረ። እኖና ድንግል ማርያም ኣብዚ ጸሎታ ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ እንትርፎ ትሕቲ ኣገልጋሊት እግዚአብሔር እኳ ደኣ ኣብ ገሊኡ ትርጉማት ውርደት ባርያኡ ርእዩ ክብ ኣበለኒ ትብል። ነፍሲወፍና ኣብ ሕይወትና ምልስ ኢልና ክነስተትኖ ዘሎና እዚ ምዃኑ ዝሓተቱ ቅዱስነቶም ካብ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ዕቤትን ልዕልናን ናብቲ ናይ እግዚአብሔር ስግር ክንብል እሞ ናእዳ ዝደሊ ውርደት ከምዝረክብ ተረዲእና ኣብ ኣገልግሎትን ጽን ኢልካ ምስማዕን ንኩሉ ኣብ ልብኻ ሒዝካ ሓደ ስጒምቲ ንድሕሪት ምልስ ክንብል እሞ ካብ ሕሜታን ኣምሰሉትን ባእስን ቈየቋን ምጒትን እልይ ክንብል የድሊ። ከም እኖና ድንግል ማርያም ንርእስና ባዶ ንግበር እሞ ሽዑ እግዚአብሔር ብጸጋኡ ክመልኣና እዩ! ብኣነነት ዝተነፍሐ ሰብ ንእግዚአብሔር ዝኸውን ቦታ የብሉን ኢሎም።
ብኣነነት ዝተነፍሐ ሰብ ንእግዚአብሔር ዝኸውን ቦታ የብሉን!
መምርሃናን ኣብነትናን እትኾናን ድንግል ማርያምከስ በዚ ምሥጢር ዓወት ዝኾነ ኣገባብ ማለት ንእስ ኢልካ ትሕት ኢልካ ምቅራብን ኩነትካ ተሪዲኡካ ጐይታ ክረድኣካ ልብኻ ምስ እትኸፍት ከምቲ ናታ ብመጀመርያ ንሰማይ ትወርስ። ብትሕትና ምልኣት ጸጋ ትረክብ። ኣብዚ ትሑትን ምስ ምንም ካልእ ነገርን ጉዳይን ምትእሳስር ዘይበሮ ባዶ ቦታ ምስ ረኸበ `ምልእተ ጸጋ’ ክገብራ ክኢሉ።
እንኮ ተስፋና ከም እኖና ድንግል ማርያም ብትሕትና ልዕል ምባል!
ቅዱስነቶም ንትሕትናን ዕቤትን ድንግል ማርያም ካብ ዝገለጹ ሓደ ቅዱስ በርናዶስ ምዃኑ ነዚ ከኣ ብዓቢ ሥነ ጥበባዊ ላዛ ዘቅረቦ ዳንተ ኣለግየሪ ዝበሃል ኣብቲ ናይ መንግሥተ ሰማይ መዝሙሩ ‘ክንዮ ፍጥረት ዝኾነት ትሕትን ልዕልትን’ ኢሉ ይገልጻ። ነዛ ትሕቲ ፍጥረት እግዚአብሔር ከመይ ገቢሩ ከምዘዕበያን ዓበይቲ ነገራት ኣብ ልዕሊኣ ከምዝፈጸመን ክንዮዚ መግለጺ የሎን ኢሎም።
መዋዕል ናይዛ ምልእተ ጸጋ ዓበይቲ ስሕበታትን ኣድናቆትን ዝነበሮ ኣይኮነን። ልሙድ ዕለታት እዩ ዝነብረ። ወትሩ ሓደ ዓይነት መነባብሮ ኰይኑ ስቊታ ዝዓሰሎ ነበረ። ብደገ ንዝጥምታ ምንም ዝተፈልየ ነገር ኣይነበረን። እንተ ናይ እግዚአብሔር ጠመተ ግን ኣብ ተተኺሉ ነበረ። ከመይ ብትሕትናኣ ተደኒቁ ብተወፋይነታን ብጽባቀ ልባን ምንም ሓጢኣት ዘይተንከፎ ንጽሕናኣን ውሒጥዎ ነበረ ኢሎም።
እዚ ኩነት እዚ ነቶም ከማኣ ዕለታዊ መነባብሮኦም ብሓደ ዓይነት ብልሙድ መንገዲ ንዘካይዱ ዓቢ መልእኽቲ ተስፋ እዩ ምናዳ ነቶም ኣብ ብርቱዕ ድኻምን ቃልስን ጸገምን ዝርከቡ ግን ንኩሉ ኣብ ልቦም ሒዞም ምንም ለውጢ ዘርእዩ ዓቢ ምጽንናዕ ንኩልና ትምህርቲ ይኹነና።
ሎሚ እኖና ድንግል ማርያም ንነፍስወከፍና እተዘኻኽሮ ከኣ ኩልና ኣብዚ ናይ ክብሪ ዕላማ ዝተጸዋዕና ምዃና እዩ። እዚ ዝተወራረቀ ቃላት ጥራይ ኣይኮነን። ሓቂ እዩ። ኣብ ሥነ ጽሑፍን ጥበብን እንምልከቶ ጽቡቅ ፍጻሜ ዝተርኽ ልበወለድ ኣይኮነን። እቲ ክንኮኖ ዘሎና ሓቀኛ ኩነት እዩ። ከምቲ እኖና ድንግል ማርያም ንሰማይ ፈሊሳ ትነብሮ ዘላ ንሕና እውን ናብኡ ዝተጸዋዕና ኢና ኢሎም።
ኣብ ፍጻሜ ትምህርቶም ቅዱስነቶም ብፍቅሪ ናይቶም ሕጉሳትን ትሑታትን ዝኾኑ ደቃ በዓላ ዝዝከር ዘሎ እኖና ድንግል ማርያም ከማኣ ሓደ መዓልቲ ኣብ ሰማይ ምሳኣ ክንህሉ ነቲ ምሥጢር መንገዲ ሰማይ ዝኾነ ናኣሽቱ ነገራት ትሕትናን ኣገልግሎትን ኣብ ግብሪ ክነውዕል ትደግፈና ምስ በሉ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ኣዕረጉ።
ሃገረ ኣፍጋኒስትናን ሃገረ ሃይትን ኣብ ልቢ ር.ሊ.ጳ!
ቅዱስነቶም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስ ደግሙ ኣብ ሃገረ ኣፍጋኒስታን ዓመጽ ደው ኢሉ ንሕዝቢ ሰላምን ውሕስነትን ክርከብ ድሕሪ ጸዊዖም ከምኡ እውን እታ ብርዕደ መሬት ተወቂዓ ብዙሕ ጒድኣት ዝወረድ ሃገረ ሃይቲ ዘኪሮም ብመንፈስ ቅርበቶም ብምግላጽ መላእ ዓለም ንስቃዮም ንምቅላል ዝተኻእሎ ከበርክት ጻውዒት ኣቅሪቦም።