ናብራ ሰብ ውፉይ ሕይወት ብሰላምን ሓጎስን ፍሕሽው ገጽን ክማሙቊ ኣለዎ! ር.ሊ.ጳ
ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን!
ንኩሉኹም ኣብዚ ‘ኅብረማሕበራውን ኅብረባህላውን ቅርጥው ውፉይ ሕይወት’ ብዝብል ተማ ብኮንግረስ ሰብ ውፉይ ሕይወት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ዝተሰናደወ ኣህጉራዊ ጉባኤ ሰብ ውፉይ ሕይወት ትሳተፉ ዘሎኹም ሰላምታይ ኣቅርበልኩም።
ነዚ ዕድል እዚ ስለዝሃብኩምኒ አመስግነኩም። እምነትና ንሰብ ውፉይ ሕይወት ዝቅርቦ ባህላዊ ምቅብባል ዝብል ግድል ከዘኻኽረኩም እደሊ። ሓድነት ማለት ኩልኻ ብኩሉ ኩሉ ሓደ ኰንካ ምጒዓዝ ዘይኮነ ንብዙሕነት ምውህሃድ ምዃኑ ከዘኻኽረኩም ደስ ይብለኒ (ኢቫንጀሊ ጋውድዩም ሓሴት ወንጊል ቊ.220)። ነዚ ክውን ዝገብር ከኣ መንፈስ ቅዱስ ምኹኑ ክንዝንግዕ የብልናን። ኣብ መንጎና ንዘሎ ፍልልያት ንምቅባልን ናይ ነፍስወከፍ ኣበርክቶ ሃንጐፋይ ኢልካ ንምቅባልን ዘኽእለና ቅኑዕ መንፈስን ንኅብረባህሊ ክፉታት ዝገብረና እዚ እዩ።
ተሳትፎኹም ኣብዚ ጉባኤ ኣገዳሲ ዝገብሮኸስ ኅብረባህላዊ ንባበ መለኮት ክብጻሕ ከምዝከኣል እዚ ከኣ ሓደ ሰብ ኣብ ዘለዎ ይሃሉ ነቲ ባህሊ ምስ ዝቅበል ስብከተወንጌል ከምዝከኣል የረጋግጽለና። ምስ ባህሊ ዘይተዋሃሃደ እምነት ኣድማዒ ከምዘይኮነ ክትግንዘቡ እደሊ። ስለዚ ኣብቲ ኣብ ነፍሲ ሕዝቢ ዝሰረጸ ባህሊ ዘወፍዮ ርድ ኢት ክትሳተፉ እ ዕድመኩም። ንባህሎምን ልማዶምን ዘድሊ ክብሪ እናሃብኩም ነቲ ንባህሎም ብእምነት ክቅለስ ዝደልዩ ሰባት ኣብ ግምት ዘእተወ ኅብረባህላዊ ስብከተ ወንጌል ክትዋፈሩ እደሊ። ን እምነት ኅብረባህላዊ ኩነት ንክትገብር ምጽ ዓርን ንባህሊ ብወንጌል ምሕዳስን ኢድ ን ኢድ ተታሓሒዞም ዝጐዓዙ ኣምራት ኢዮም። ነቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብቲ ሕዝቢ እቲ ዝዘርኦ ተቀበልዎ ከመይ ን ዓና ዓቢይ ውህበት እዩ።
እዚ ከምዚ ዓይነት ኅብረባህላዊ ምንቅቃሕ ኣብ ግብሪ እንተዘይውዒሉ ይትረፍ ናብራ ሰብ ውፉይ ሕይወት ናብራ ክርስትና እውን ቅቡልነት ዘይብሉ ናይቶም ፈሊጥና በሃልቲ መሰሓቂቶ ክኸውን ይኽእል። ነዚ ኩነታት እዚ ኣብቲ ዝፈጸምናዮ ግጉይ ኣገባብ ሥርዓተ ኣምልኾ ርኢናዮ ኢና። ኣብዚ ዝገበርናዮ ጌጋ ክንዲ ሕዝበ እግዚኣሔር ኣገዳስነት ኣብ ሥነ ሓሳብ ብምግባርና ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። እዚ ሕጊ ወንጌል ኣይኮነን። ነዚ ድርብ ተልእኮ ኣይትረስዑ ንእምነት ብባህሊ ዓልስ ነቲ ባህሊ ከኣ ወንጌል ስበኸሉ ዝብል መምርሒ ሓዝዎ።
ዉፉይ ሕይወት እንክንብል ብሱል ውህደት ኢና እነስምዕ። ዉፉይ ሕይወት እንክንብል ተጐዓዚ ኣብ መንፈሳዊ ንግደት ዘሎ መንገደኛ ሕውነት ዘደንፍዕ ሕይወት ኢና እነስምዕ። እንተኾነ ኣብ ዘመና ዝሓዝካ ሒዝካ ርእስኻ ኣድሕን ዝብል ፈተና ኣሎ። ኣብ ማሕበራትኩም ክንደይ ግዜ ኮን ይኸውን ክንደይ ዝኾኑ ኣባላት ኣለውና እናበለ ውድቀትኩም ዘይጸብጸብኩም። ብሕይወት ክትቅጽል ምፍታን ፈተና ኰይኑ። ብብዝሕስ ይኹን ውጽ ኢታዊ ብምዃን ዝሕሰብ ዓወት ንየው ንበሎ እንተዘየሎ ብፍርሒ ዝተዋሕጡ ተኸተልቲ ብምፍራይ ኣብ ሕሉፍ ሕይወት ተኣሲሮም ብናፍቆት ሕሉፍ ዝነብሩ ሰባት ኢና እነፍሪ። እዚ ናፍቆታዊ ቅኒት እዚ ኣብ መነባብሮ ውፉይ ሕይወት ናይ ሓደጋ ድምጺ እዩ።
ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ትርጉም ዘለዎ ኣገባብን ውሳኔንከስ ምስ ጐይታ ብጐዳና ተስፋ ብምጒዓዝ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዝህቦ ወሳኒ መምርሒታት ምኽታል የድሊ።
እሞኸ ደኣ እንታይ ንግበር! እንተቢልኩም ምስ ቅዱስ ሕዝበ እግዚኣሒሔር ሓቢርኩም ተጐዓዙ ንቅዱስ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣኽርብሩ ወንጌል ስበኹሉ ምስክርነት ሃቡ ብድሕሪኡ ንዘሎ ኩሉ ንመንፈስ ቅዱስ ግደፉሉ።
ናብቲ ዝለዓለ ዕላማ ንክትበጽሑ ተሰናደው እቲ ዝለዓለ ዕላማ ክሳብ ክንደይ ዓቢ ሓጐስ ምዃኑ ክገልጸልኩም እደሊ! እዚ ከኣ መግለጺ ኣብ ክርስቶስ ዝንበር ሕይወት እዩ! እቲ ዚዓበየ ንቅዱስ ሕዝበ እግዚኣብሔር ክንህቦ እንኽ እል ምስክርነትከስ እዚ እዩ። ምኽንያቱ ኸኣ ቅዱስ ሕዝበ እግዚኣብሔር ን እግዚኣብሔር ክረክብ ኣብ ዝገብሮ ጒዕዞ ንግደት ክነሰንዮን ክነገልግሎን ዝተጸዋዕና ስለዝኾና እዩ።
ታሕጓስ! ታሕጓስ ብብዙሕ መልክዑ! ሰላም ታሕጓስ ዋዛ ምስ ቊምነገር! እዚ ጸጋታት እዚ ካብ ጐይታ ለምኑ! ኣብታ ብዛዕባ ቅድስና ኩልና ኣብ ዝጸሓፍኩዋ ቃለ ምዕዳን ብዛዕባ እዛ ዋዛ ምስ ቊምነገር እትብል ሓደ ክፍሊ ኣወፍየ ኣሎኹ! ሰብ ውፉይ ሕይወት ደቂ ተባዕትዮስ ይኹኑ ደቂ ኣንስትዮ ንኩሉ ነገር ብቊምነገር እናተመልከቱ ምንም ዓይነት ዋዛን ቊምነገርን ዘይብሎም ክንደይ ዘሕዝን እዩ! በጃኹም ኢለኩም ሕሰቡሉ! ምስ ኢየሱስ ምህላው ዘሐጒስ እዩ! በዚ ከምዚ ከኣ ንዋዛ ምስ ቊምነገር ቅዱስ ነገር ምዃኑ ዕድል ዝህብ ኣጋጣሚ እዩ! ኣብታ ዝጸሓፍኩዋ ቃለ ም ዕዳን ብዛዕባ ዋዛ ምስ ቊምነገር ዝዛረብ ክፍሊ ዳግም ተመልከትዎ።
ኣብዚ ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሓን ዝተገብረ ጉባኤ ኩሉኹም ደስ ኢሉኩም ክኸውን ተስፋ እገብር። እግዚኣብሔር ንኩሉኹም ይባርኽ ናይ ርክብን ሕውነትን ሰባት ንክትኮኑ መንፈስ ቅዱስ ብርሃን ጸጋኡ ይ ዓድልኩም! ቅድስት ድንግል ማርያም ትደግፍኩም! ከመይ ንሳ ኣብ ርክብን ሕውነትን ት ዕግሥትን ኅብረባህልን ዘሎ ጸጋ ትፈልጥ እያ። ነዚ ኩሉ ትፈልጦ እያ። ንሳ ትከላኸለልኩም። ሕጂ ከኣ ከምቲ ልሙድ ንድሕረይ ዝስ ዕብ ቦታ ክገድፍ እየ። ስለይ ምጽላይ ኣይትረስ ዑ ብሓቂ የድልየኒ እዩ! ሠናይ ጉባኤ ይግበረልኩም።