ንመንእሰያትና ሒዝና ሕልሚ ሕውነት ዝዓሰሎ ዓለም ክነረጋግጽ ንኽእል! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ንዓለምለኸ መዓልቲ መንእሰያት ኣመልኪቶም ብትዊተር ሎሚ ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ‘ብሓገዝ መንእሰያትን ዘሐድስ መንፈሶምን መግብን ማይን መድሓኒትን ሽቅለትን ኣኽል ታርፍ ኰይኑ ዝውሕዘሉ ዓለም ንክህሉ እንሓልሞ ሕልሚ ጋህዲ ክኸውን ናብቶም ዝተጸገሙ ወገና ኸኣ ክንበጽሕ ኢና’ እንክብሉ ከምዝጸሓፉ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ንድሕሪት ምልስ ኢልና ኣመሠራርታ ዓለምለኸ መዓልቲ መንእሰያት እንተተመልከትና ብ1999 ዓም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ንም ዕባሌ ኅብረተሰብ ተሳትፎ መን እሰያት ናይ ግዲ ምዃኑ ተገንዚቦም ነዚ ኣብ ግብሪ ዘው ዕሉሉ መንገዲ ከኣ ዓመት መጸ ንመንእሰያት ዝተወፈየት ዓለምለኸ መዓልቲ ንወሰን ድሕሪ ቢሎም ካባኡ ኣብ ዝስ ዕብ ዓመት ዕለት 12 ነሐሰ ዓመት መጸ ዓለምለኸ መዓልቲ መን እሰያት ትኹነልና ኢሎም ስለዝወሰኑ ካብ 2000 ዓም ጀሚሩ ዓመት ዓመት ብዝተፈላለየ ተማን ኣገባብን ይዝከር። ንሎምዘመን ‘ሥርዓተ ኣመጋግባና ነሐድስ! ንጥዕና ዘመደ ኣዳምን መላእ ዓለምናን ሕዳሴ መንእሰያት’ ብዝብል ተማ ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ይዝከር ኣሎ።
ቅዱስነቶም ኣብ መን እሰያት ዘለዎም ተስፋን እምነትን ኣብ ዝተፈላለየ ግዝያት እኳ እንተገለጽዎ ዝሓለፈ ዓመት ግን ባዕሎም ብ ኣካል ዘበገሥዎን ነዚ ቅዱስ ሓሳብ ንቅድሚ ንምስጓም ኤኮኖሚ ኦፍ ፍራንቸስኮ ቁጠባ ፍራንቸስኮስ ብዝብል ስም ብደረጃ ኮሚቴ ዝቆመ ማሕበር ካብ ዕለት 19 ክሳብ 21 ሕዳር 2020 ዓም ኣብ ዝተኻየዶ ብቅዱስነቶም ዝተደገፈ ብመን እሰያት ሊቃውንቲ ሥነ ቊጠባን ኣውፈርቲ ር እሰ ማልን ዓውለማዊ ለውጢ ንምክያድ ዝተበገሰ ወፍሪ ከም ዝተኻየደ ዝዝከር እዩ። ኣባል ናይዚ ወፍሪ እዚ ዝኾነ ኣብ መካነ ጥበብ ኦክስፎርድ ሃሰሳ እተካየድ ቫለንቲና ሮቶንዲ ምግሃድ ናይዚ ሕልሚ’ዚ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ር እይቶ ‘ነዚ ሕልሚ እዚ ክውን ንምግባር ቀንዲ ቀለበት ናይዚ ጒዕዞ መንእሰያት እዮም፤ ከመይ እዞም ናይ ሎሚ መንእሰያት ጭንቅን ግድነትን ገዲድዎም ኣብ ትሕቲ እዚ ኩነታት እዚ ዝተወልዱን ኣብ ቀረባ ጽልዋኡ ዝ ዓበዩን ስለዝኾኑ ፍታሕ ተረኽበ ተሳእነ ካብኦም እዩ፤ ምናዳ ኸኣ ለበዳ ኮቪድ 19 ጽቡቅ ገቢሩ ስለዝለብለቦም ከይፈተው እቲ ሓደ ንሓደ ብግዲ ዘድልዮ ኩልና ኣሕዋት ምዃና ስለዝተገንዘቡ ወይ ኩልና ብሓባር ክን ዕወት ኢና ወይውን ማንም ብግሉ ዝ ዕወት ስለዘየሎ ኩሉ ከንቱ እዩ፤ ስለዚ ማንም በይኑ ዝድሕን የልቦን ኩልና ኣሕዋት ኢና እትብል መምርሒ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብግዲ ተድሊ’ እንክትብል ነዚ ዓለምለኸ መዓልቲ መን እሰያት ዝኸውን ሓጺር መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ።