ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ ኣብ ኣዳራሽ ጳውሎስ 6ይ ዳግም ክጅምር እዩ!
ዜና ቫቲካን!
ካብ ጸባሕ ሮቡዕ 4 ነሐሰ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ዳግም ክጅምር ምዃኑ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ሓቢሩ። ወትሩ ብልማድ ከምዝዝውተር ወርሒ ሓምለ ንቁሩብ ዕረፍቲ ተባሂሉ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ የቋርጽ እዩ። ናይ ሎምዘመን ዕረፍቲ ር.ሊ.ጳ ምስቲ ኣብ ዜናታትና ዝተኸታተልኩምዎ ቈጸራ ሕክምናን ኣብ ሆስፒታል ጀመሊ ዘካየድዎ ኦፐረይሽን መዓናጡን ዝተጋጠመ ነበረ። ዕለት 4 ሓምለ 2021 ዓም እዮም ናብ ሆስፒታል ጀሚሊ ዚኣተው። ካብዛ ዕለት እዚኣ ጀሚሮም ንሓደ ምሉእ ወርሒ እንትርፊ እቲ ዘይተርፍ ሰንበት ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝሃለው ሃልዮም ዘመሓላልፍዎ ጉባኤ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ሓደ ካብ ሆስፒታል ጀመሊ ዝገበርዎ ገዲፍካ ንሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ወሲኽካ ካብ ብዙሕ ጉዳያት ኣዕሪፎም ከምዝወርሑ ዝዝከር እዩ። ግዜ ዕረፍቲ ኣኺሉስ ጽባሕ ሮቡዕ ሰኦኣት 9.15 ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ነቲ ልሙድ ሶሙናው ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ከቅርቡ እዮም። መቀጸልታ ናይቲ ካብ ቀቅድሚ ሳምንታት ዝጀመርዎ ኣብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ ከምዘስተምህሩ ኣውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።