ብብርሃን ወንጌል ንክትሕደስ ካብ መንፈስ ቅዱስ ጸጋን ሓይልን ንክትቅበል ስለ ቤተክርስትያን ንጸሊ። ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ሎሚ ዕለት 3 ነሐሰ 2021 ዓም እቲ ወርሒ መጸ ብመርበብ ዓለም ለኸ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ናብ መላእ ዓለም ዝዝርጋሕ ወርሓዊ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ንወርሒ ነሐሰ ስለ ተሓድሶ ቤተክርስትያን እዚ ከኣ ብተሓድሶ ነፍስወከፍ ኣባላ ክግበር ከም ቀንዲ መጋበሪ ከኣ ጸሎትን ናይ ፍቅሪ ሥራሕን ኣገልግሎትን ተዓጢቅካ ምዃኑ ተመልኪቱ።
ቀንዲ ትሕዝቶ መልእኽቲ ርእየት ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ንወርሒ ነሐሰ ናብቲ ቀንዲ መለለዪ ጸዋዕታ ቤተክርስትያን ዝኾነ ማለት ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ብምትኳር እዚ ተልእኮ እዚ ከኣ ብሰፊሑ ንመላእ ዓለምስ ይኹን ብጸቢቡ ኣብ ውሽጣ ንእተበርክቶ ኣገልግሎት ለውጥን ተሓድሶን ከምዘድልዮ እዚ ለውጥን ተሓድሶን ከኣ ቅድሚ ዝኣገረ ብነፍስ ወከፍ ኣባላ ክረጋገጽ ነዚ ንምፍጻም ከኣ ተመኲሮ ጸሎትን ናይ ፍቅሪ ሥራሕን ኣገልግሎትን ከምዘድሊ ገሊጾም። እዚ ጸሎትን ፍቅሪ ሥራሕን ኣገልግሎት ኣሕዋትን ግን ብሃሰሰ ለባም ዘይኮነ እቲ ኣብ ውሽጢ ልብና ሓዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ብዘስተንፍሰልና ግልጸት ክኸውን ከምዝለዎ እውን ኣነጺሮም።
ቅዱስነቶም ቅድሚ ሕጂ ካብ ዘቅርብዎም ዝነበሩ ሓሳብ ጸሎታት ንናይ ወርሒ ነሐሰ 2021 ዓም ዝፈልዮ ቀንዲ ነጥቢ ብቀዳምነት ኣብ መንነትን ተልእኮን ናይታ ቀንዲ መጋበሪት ድሕነት ንክትከውን ዝተላእከት ቤተክርስትያን ብምትኳሩን ናብ ገዛእ ርእሳ ተመሊሳ ጽጹይን ዓሚቊን ኣስተንትኖ ብምግባር ቀንዲ ውራያ እንታይ ምዃኑ ንፍቃድ እግዚአብሔር ኣለልያ ንክትክእል ዝሕግዛ ሓሳባትን መጋባርን ብምቅራቦም እዩ። ቅልውላው ጸዋዕታን መንነትን ብቀዳምነት ክንጽሩ ዘለዎም ስለዝኾነ ነዚ ብዝምልከት ቤተክርስትያን ኣን መን እየ ዝብል ናይ መንነት ሕቶን ንምንታይከ ቈይመ ዝብል ናይ ተልእኮ ሕቶን ክትምልስ ግድን ከምዝኾነ ዘመልከቱ ቅዱስነቶም እዚአን ክልተ ነጥቢ እዚአን ከኣ ኣብ ዝግበር ጒዕዞ ሕይወትን መነባብሮን ለውጥን ተሓድሶ ንክትገብር መሠረታውያን መበገሲ ምዃኖም ብምንጻር እዩ። እቲ ቀንዲ ለውጥን ተሓድሶን ኣብ ሓፈሻዊ መንነትን ተልእኮን ቤተክርስትያን ዘይኮነ ኣብቶም ንቤተክርስትያን ዘቊሙ ኣባላታ ክረጋገጽ ስለዘለዎ ቅድሚ ዝኣገረ ነፍስ ወከፍ ኣባላ ኣብ ዕለታዊ ናብራኡ ፍቃድ እግዚኣብሔር ኣለልዩ ንክኽእል ጸጋ ምልላይ ክምህለል በዚ ጸጋ እዚ ገቢሩ ከኣ ንገዛእ ርእሱ ምስ ለወጠን ኣሓደሰን ለውጥን ሕዳሴን ቤተክርስትያን ክውን ከምዝኸውን እውን ኣብሪሆም።
ስብከተወንጌልን ኣብነት ኢየሱስን!
ቅዱስነቶም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ርእየት ቀንዲ ጸዋዕታ ቤተክርስትያን እንታይ ኮን ይኸውን ንምንታይከ ቈይማ ንዝብል ሕቶ ብዝምልስ ቃና ቀንዲ ጸዋዕታ ቤተክርስትያን ስብከተወንጌል ምዃኑ የነጽር። ቀጺሎም ቅዱስነቶም ነዚ ተልእኮ እዚ ናብ መላእ ዓለም ብምስፋሕ ንዘለዎም ምንዮት ንክገልጹ ‘ክንዮ እዚ ዝጐዓዝ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል እሓልም! እዚ ከኣ ወገነይ ንዘይኮነ ብዘይ ምንም ናይ ምስዳዕ መንፈስ ተቀቢለ ንመላእ ዓለምና ዝኸውን ንኩሉ ትሕተ ቅርጸ ስብከተ ወንጌል ዝልውጥ ከይዲ ክኸውን እሓልም’ ይብሉ።
እዛ ንክተስድዕ ዝግበር ዝኾነ ፈተነ እትኹንን ሓሳብ እዚኣ ብሕያው ምስክርነት ክንትካኣ እዚ ከኣ ነፍሲወከፍ ኣባል ቤተክርስትያን ገዛእ ርእሱ ምስ ዝልውጥን ዝሕደስን ካልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን በቲ ምስክርነት ናብ ቤተክርስትያን ክሰሓቡ ከምዝከኣል ንምግላጽ እዩ። እዚ ከኣ መቀረት ወንጌል ዘለዎ ሕይወት ብተግባር ብሕወትካ እናነብርካ ምምስካር ከምዘድሊ ንምብራህ እዩ።
ነዚ ሓሳብ እዚ ቅዱስነቶም ኣብታ ኢቫንጀሊ ጋውድዩም ሓሴት ወንጌል እትብል መልእኽቶም ‘ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ከምኡ እውን ነፍሲወከፍ ማሕበረ ክርስትያን ጐይታ ዝደልዮ ጒዕዞ ኣየናይ ምዃኑ ኣለልዩ ንክኽእል እኳ ዕዱም እንተኾነ ኩልና ነዚ ጸዋዕታ እዚ ክንቅበል ግዱዳት ኢና ማለት ካብቲ ጥዒሙና ኣራጢጥና እንነብሩ ናይ ምቾት ናብራ ውጽእ ኢልና ነቶም ብርሃን ወንጌል ዘድልዮም ኣብ ሻውላት መነባብሮ ተጐስዮም ዘለው ክንበጽሕ የድሊ’ ብማለት ንዝገልጽዎ ተልእኮት ስብከተወንጌል ዝገልጽ እዩ።
ቅዱስነቶም ኣብዛ ናይ ሎሚ መልእኽቶም ዝምሕጸንዋ ቀዳመይቲ ስጉምትኸስ እዚኣ እያ። ነዚ ንምግባር ከኣ ብሃሰሰ ለባም ዘይኮነ ብመንፈስ ቅዱስ ክንምራሕ ፍቃደኛታት ክንከውን ከምዘሎና ነዚ ምስ እንፍጽም ከኣ ንሕሹዂታ መንፈስ ቅዱስ ማለት ‘ነቲ ኢየሱስ ዘስተምሃረና ንምዝካርን ኣብ ግብሪ ንከውዕሎ ዝህበና ሓገዝን’ ክፉታት ንኸውን። ነዚ ቀንዲ መጋበሪ ዝኸውን ከኣ ጸሎትን ናይ ፍቅሪ ሥራሕን ኣገልግሎትን እዩ ኢሎም።
ኣብ ቅልውላው ንዘላ ቤተክርስትያን ፈውሳ ጸሎትን ናይ ፍቅሪ ሥራሕን ኣገልግሎትን እዩ።
‘ቤተክርስትያን ወትሩ ጸገማት ከምዘለዋ ንዘክር! ወትሩ ቅልውላዋት የጋጥምዋ!’ እንክብል መልእኽቲ ቅዱስነቶም ኣብዚ ወርሒ እዚ የዘኻኽር። ወርሒ ይገብር ኣብ ዜናታት ቫቲካን ከምዝተኸታተልዮ ኣብ ሃገረ ጀርመን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጸገማት በርቲዑ ቅልላዋት ምስ ኣሸገረ ናይታ ሃገር ረኪበ ጳጳሳት ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ማርክስ ብወልንታኦም ካብ ሥልጣኖም ንክእለዩ ንዘቅረብዎ ልመና ቅዱስነቶም ከምዘይተቀበልዎ ዝዝከር እዩ። ቅዱስነቶም ኣብቲ ሁመት እቲ ንብፁዕነቶም ቤተክርስትያን ብዘጋጠማ ሕቶ ጾታዊ ዓመጻትን ካልእ ጉዳያትን ኣብ ቅልውላው ከምዘላ ኣዳዕዲዖም ከምዝፈልጡን ምሉእ ብምሉኡ ከምዝርድእዎምን ገሊጾምሎም። እንተኾነ ከም ጓሳ ስራሖም ክቅጽሊ ብምምሕጻን ለውጥን ተሓድሶን ብዘረባ ጥራይ ከምዘይመጽእ እኳ ደኣ ብቀዳምነት ዝመጸ ይምጻእ ንክንቅበል ኣብ ቅልውላው ንምእታው ትብዓት የድሊ። ነፍሲወከፍ ለውጥን ተሓድሶን ከኣ ብገዛእ ርእስኻ ዝጅመር። ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ለውጥን ተሓድሶን ዝገበሩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ናብ ቅልውላው ምእታው ኣየፍርሆምን። ከምኡ እውን ብጐይታ ክልወጡን ክሕደሱን ፍቃደኛታት ነሮም’ እንክብሉ ኣተባብዕዎም። ቅዱስነቶም ኣብ ቅልውላው እትኣቱ ቤተ ክርስትያን ሕያው ስለዝኾነት እዩ። ምልክቱ ከኣ ሕይወት ዘለዎም ነገራት ወትሩ ቅልውላው የጋጥሞም። ዝሞቱ ጥራሕ እዮም ቅልውላው ዘየጋጥሞም እንክብሉ ካብ ቅልውላውን ጸገማትን ምህዳም ዘይኮነ ብጸጋን ሓይልን መንፈስ ቅዱስ ምግጣሞም ሽዑ ብብርሃን ወንጌል ክትሕደስ ይከኣል ኢሎም።
ብዙሕ ግዜ ከም ዘጋጥም ጐዳና ለውጥን ተሓድሶን ካብ ሓሳባትናን ዘሎ ርእዮተ ዓለምን ቅድመ ኩነታዊ ፍርድታትን ክነቅል የብሉን። ኣብነት ኢየሱስ ብምኽታል ካብ ሕመረት ወንጌል ክነቅል ኣለዎ። እዚ ከኣ እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፈጸሞ ተመኲሮ ወፈያ ገዛእ ርእስኻ ተመኲሮ ምግባረ ሠናይን ኣገልግሎትን የድልዮ። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ቅዱስነቶም ንብፁዕ ካርዲናል ማርክስ ኣብ ዝጸሓፍዋ መልእክቲ ‘እንኽተሎ እንኮ ጒዕዞ ጒዕዞ ኢየሱስ እዩ እንተዘየሎ ከምቶም ናይ ለውጢ ርእዮተ ዓለማትን ሓሳባትን ኰና ከምኦም ንጉዳያት ብገዛእ ርእሶም ክትንክፉ ብዘይምድላይ ንካልኦት ጥራይ ዚኣጒዱ ንኸውን’ እንክብሉ ርእሰወፈያን ምግባረ ሠናይን ኣገልግሎትን ተኣንጊብና ንዝኾነ ጸገምን ቅልውላውን ክንገጥም የዘኻኽሩ።
ስለ ቤተክርስትያን ንጸሊ!
ንዓለም ለኸ መርበብ ሓቤሬት ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ዘመሓድሩ ኣባ ፍረደሪክ ፎርኖስ ስለምንታይ ስለቤተክርስትያን ንጸሊ ኢሎም ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ‘ድሮ ኣብ ፍጻሜ ዝሓለፈ ዓመት ቀቅድሚ በዓለ ልደት ቅዱስነቶም ኣብ መንጎ ግጭትን ቅልውላውን ንዘሎ ፍልልይ ብምምንጽጻር ካብቲ ዳሕራይ ገለ ኣዎንታዊ ነገር ከምዝርከብ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም ነበሩ። ቅልውላው ኩሉ ግዜ ንስብከተ ወንጌልን ተሓድሶ ቤተክርስትያን ምሩጽ ግዜ እዩ። ብኩሉ ኩሉ ክንገጥሞ ድላይን ትብዓትን የድልየና። ተሓድሶ ቤተክርስትያን ንሓደ ኣረጊት ክዳን ከም ምልጋብ ገርካ ዝውሰድ ሓሳብ ፈጺምና ክነወግዶ ኣሎና። ኣብ ቅድሚ ቅልውላው ቀዳመይቲ እንገብራ ጉዳይ ነቲ ቅልውላው ምቅባሉ እዩ። ከመይ ቅልውላው ፍቃድ እግዚአብሔር ሃሰስ ኢልካ ንምድላይን ኣለሊኻ ንምኽኣልን ምሩጽ ግዜ እዩ። እዚ ከኣ ካብ ምጽላይ ክትበኩር ከምዘይብልካን ኣብ ኣገልግሎትን ናይ ፍቅሪ ሥራሕን ነቶም ዝሳቅየኑን ተኣፈፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰን ጽጉማትን ሃንጐፋይ ቢልካ ተቀቢልካ ንምርድእን ኣብነት ኢየሱስ ምኽታል የድሊ። ጒዕዞ ሕይወትከስ ወትሩ ምስ ምንቅስቃስ እዩ። ቅልውላው የንቀሳቅስ ስለዚ ክፍሊ ጒዕዞ ሕይወት እዩ ስለዚ ስለቤተክርስትያን ንጸሊ’ ኢሎም።
ኣብ ፍጻሜ መልእክቶም ቅዱስነቶም ‘ብብርሃን ወንጌል ንክትሕደስ ካብ መንፈስ ቅዱስ ጸጋን ሓይልን ንክትቅበል ስለ ቤተክርስትያን ንጸሊ’ ኢሎም።