ድለ

2021.08.18 Udienza Generale 2021.08.18 Udienza Generale 

ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ 19 ግላዊ ጥቅሚ ወጊድ ኢልካ ሓላፍነት ተሰሚዑካ ዳግም ምብጋስ የድሊ! ር.ሊ.ጳ

ዓመት መጸ በዚ ዕለታት እዚ ሪሚኒ ኣብ ትበሃል ከተማ ሃገረ ጣልያን ዕርክነት መላእ ዘመደ ኣዳም ንምድንፋዕ ብሪሚኒ ሚቲንግ ዝፍለጥ ካብ ሎሚ ዕለት 20 ነሐሰ ክሳብ 25 ነሐሰ 2021 ዓም ይካየድ ኣሎ። ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፐትሮ ፓሮሊን ንተጋባእቲ መልእኽቲ ከምዝጸሓፉ እንክምልከት እታ መልእኽቶም ከኣ ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ብዓቢ ክብሪ ከምዝተነበት ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ቀንዲ ሕመረት መልእኽቲ ቅዱስነቶም ‘ዳግመ ተበግሶ’ ዝብል ኰይኑ ንክልተ ዓመት ምስ መመላእቲ ብለበዳ ኮቪድ 19 ዝተዳህከ ማሕበረሰብ ዓለም ገና ኩሉ ፋሕፋሕ ኢልዎ ዝሕዞን ዝብሎን ጠፊእዎ ኣብ ርእሲ ምህላው ክሊማዊ ለውጢ ዘስዓቦ ቅልውላውን ፖሎቲካውያን ምርጫታት ርእሰ ሓያልን ዘስሓቦ ቅልውላውን ልቡን ሃሙን ውሒጡሉ ኣብ ዘለወሉ ግዜ ዝካየድ ጉባኤ ሕውነት መላእ ዘመደ ኣዳም ሪሚኒ ‘ንኩሉ ነገራት ኣወንዚፉ ናብ ገዛእ ርእሱን ኩነታቱን ምልስ ኢሉ ንማሕበረሰብ ዳግም ከምዝብገስ ንምግባር ዘለዎ ሃብቱን ንብረቱን መጋበሪኡን ሃሰስ ክብል ግድን እዩ። እንተኾነ ነታ ቅሂማ ዘላ ገለ ክትገብር ናይ ምብጋስ ወኒ ኣለዓዒሉ ዕለት ዕለት ብተስፋ ብሓዲስ ክጅምር ከምዝኽእል ንርእሱ ከእምን ኣለዎ’ እንክብሉ ሃየ ንቃሕ ተበራበር እንደገና ጒዕዞ ሕይወት ንምጅማርን ዝበለጸ መጻኢ ንምህናጽን ተበገስ ዝብል ትሕዝቶ ኣሎዎ።

እዚ ዳግመ ተበግሶ እዚ ግን ብሃሰሰ ለባም ዝግበር ዘይኮነ ነፍሲወከፍ ሓላፍነቱ ኣለልዩ ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስ ግላዊ ጥቅሚ ኣወጊዱ ንሓባራዊ ጥቅምን ሠናይ ነገርን ክዕጠቅ ከምዘለዎ እውን ኣዘኻኺሮም። እዛ ንሎምዘመን ንመበል 42 ግዜ ትካየድ ርክብ ሪሚኒ ቀንዲ ግድሉ ዓለምና ብለበዳ ኮቪድ 19 ዚኣክል ተለብሊባስ ገና እውን ኣብ ፍርህን ሽቊረራን ምርካባ ካብቲ ሓባራዊ ግድል ግን በበይንኻ ኰንካ ተወሸብ ተባሂሉ ንነዊሕ ግዜ ስለዝተነበረ ንግላዊ ረብሓ ምቅዳም ከምኡ እውን እቲ ንዓለምና ቀንዲ ፈተና ዝኾነ ኣምልኾ ሥልጣንን ገንዘብን በቲ ሓደ ወገን እንክርኤ ብዙሓት ብፍቅሪ ብጻይ ዝተካህኑ ከኣ ኣብዚ ጽጉም ግዜ ንገዛእ ርእሶም ሓዲጎም ሓንሳእ ሓንሳእ ከኣ ንገዛእ ርእሶም ኣብ ሓደጋ እናውደቁ ንዝተጸገሙ ክሕግዙን ደገፍ ንዘድልዮ ደገፍ ከበርክቱን ምርኣይ መንፈስ ምድግጋፍ ክሳብ ክንደይ ከምዘሓይለ እውን ንግንዘብ እንክብሉ ህልው ኩነታትና ገሊጾም።

እታ መልእኽቲ ብኽታም ዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዝተጻሕፈት ኰይና ናብ ናይ ሪሚኒ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ፍራንቸስኮስ ላምብያሲ ዝተላእከት ነበረት። ብቅልውላው ለበዳ ኮቪድ 19 ንዝወረደና ኣደራዕ ንምሽናፍ ብቀንዱ ሕውነትን ማሕበራዊ ዕርክነትን ከምዘድሊ ገሊጾም። እታ መልእኽቲ ስፍሕ ብዝበለ ነዚ ከምዚ ዓይነት ጻውዒትን ሓሳብን ዘቅርቡ ዓበይቲ ሊቃንትን ጸሓፍትን ከም በዓል ኪርፍከጋርድ ቅዱስ ቶማስ ኣባ ጒሳንን ማንዞኒን ብምጥቃስ ኣብ መጨረሻ ከኣ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ‘ሓርነት ወትሩ ግዜ ዳግም ንክትውናና ኣብ ዝግበር ቃልሲ ንሠናይ ነገር ክትልበስ ኣለዋ’ ዝበልዎ ብምጥቃስ እዚ ዘቅርብዎ ጻውዒት ዳግመ ተበግሶ ንሕንጸት ሕውነትን ዕርክነትን ንሓባራዊ ሠናይ ነገር ከቀድም ኣዘኻኺሮም።

ተግባር ሓርነት!

ብዙሕ ግዜ ከም ደቂ ሰባት ንእንገብሮ ምርጫ ብሓርነት ተደጊፍና ጥቅሚ ገዛእ ርእስና እውን ነቀድም እንተኾና ኣብ ክንዲ ካልኦት ኰንካ ዝኾነ ስጉምቲ ስለሠናይ ነገር ክትብገስ ምምራጽ ግን ምስ ኩሉ ሓደጋታቱ ናይ ሓቀኛ ሓርነት ትርጉም ከምዝህብ ዝገለጸ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ‘ኣነ ቢልካ’ ብትብዓት ስጒምቲ ንክትወስድ ንቅድሚት ምውጻእ ከምቲ ፈላስፋ ኪርከጋርድ ዝብሎ ቅኑዕ ስጉምቲ ሒዝካ ዳግም ንክትብገስ ዝግበር ውሳኔ ኣብዚ ከምዚ ሕጂ ዘሎናዮ ግዜ ንዝኾነ ካብ ቅልውላው ለበዳ ኮቪድ 19 ዘናግፍ ዕድል ከይተምሉቊ ይሕግዝ። ከመይ ዳግመ ተበግሶ ሱቊ ቢሉ ባዕሉ ዝነቅል ኣይኮነን። ኣብ ነፍስወከፍ ተግባር ወድሰብ ሓርነታዊ ምርጫ ይሕተት። ሓርነት እንክንብል ከኣ ዝኾነ መሰረታዊ ውሳኔ ደቂ ሰባት ሓዲስ ምጅማር ከምዝኾነ ምግንዛብ የድሊ። ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ከምዝበልዎ ‘ሓርነት ወትሩ ንሠናይ ነገር ዳግም ክውነን ኣለዎ። ብካልእ ኣዘራርባ ዝመጸ ይምጻእ ኢልካ ንሠናይ ነገር ርእስኻ ምውፋይ ተግባር ሓርነት እዩ’ ኢሎም።

ካብ ድራማ ቅልውላው ናይ ዘይምምሃር ድራማ!

ኣብ ሕይወት ዘጋጥም ኩሉ ዝምህር እኳ እንተኾነ ኣይከም ሕሱም ግዜን ከምዝበሃል ለበዳ ኮቪድ 19 ንመላእ ዓለም ዓጽዩ ኣብ ዘዘሎኻዮ ተወሸብ ኣብ ዝተባህለሉ ግዜ ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ዝብልዋ ዝነበሩ ‘ካብዚ ድራማ ቅልውላው ኮቪድ 19 ዝኸፍአ ድራማ ካብኡ ከይተማህርና እንተተረፍና እዩ’ እንክብሉ ንዝተዋህበ ኩሉ ክትጥቅመሉ ሕሱም ይኹን ጥዑም ምናዳ ኸኣ ካብ ከምዚ ዚኣመሰለ ሕሱም ድራማ ብዙሕ ክትመሃር ስለዝከኣል ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ብከንቱ ኣይነባኽኖ ኢሎም ነበሩ። ኣብ ናይ ሎሚ መልእኽቶም ከኣ ነዚ ብምዝካር እንመሃሮ ነገር ከምዚ ክብሉ ተንቲኖም።

“ኣይትተናኸብ ኣይተቀረርብ እንክብል ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ መንጎ ደቂሰባት ንዝነበረ ቅርበት ምስ ኣስፈሔ እቲ ተሓቢኡ ዝነበረ ኣነ ዝብል መንፈስ ነፍሲ ወከፍና ተበራቢሩስ ነቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተዘንጊዑ ዝነበረ ኣነ መን እየ ንምንታይከ ተፈጢረ ትርጉም ሕይወትከ እንታይ ኮን እዩ ዝብላ ሕቶታት ከልዕል ግድን ኮነ። ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ንዝኾነ ጉዳይ ሓላፍነት ከምዝስመዓና ገሩ። ሓላፍነታውያን ግለሰባት ገሩና። እዚ ኣብቲ ሓደገኛ ዝኾነ ክትልከመሉን ሕይወትካ ክትስእነሉን እትኽእል ጉዳያት ጸገምን ስቃይን ሕማምን ካልኦት ኣብ ቅድሜኻ ምስ ተገተረ እነኹ ኣነ ክሕግዝ ስንድው እየ ዝመጸ ይምጻእ ብዝብል ውሳኔ ብዙሓት መሰኻኽር እውን ፈርዩ። ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ንጥቅሚ ገዛእ ርእሶም ንሥልጣንን ገንዘብን ዘምልኹ እውን ኣይተሳእኑን።”

ውፉይ ምድግጋፍን ኣምልኾ ንዋይን!

ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ክንዲ ጣዕሚ ገዛእ ርእሶምን ኣምልኾ ንዋይን ሥልጣንን ዝደልዩ ንብጾቶም ዝውፈዩ ሓላፍነት ዝስምዖም ሰባት ከምዘድልዩ እውን እታ መልእኽቲ ከምዚ ክትብል ተዘኻኽር።

“ኅብረሰብ ኣብ ዝኾነ ግዜ ሓላፍነት ተሰሚዕዎም እነኹ ሰባት ብግዲ የድልይዎ። ብዘይካ ግለሰባት ኅብረተሰብ ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ሱቊ ቢልና ክንእከብ ንኽእል እንተበልና ስለምታይ ከምዝተኣከቡ ዘይርድኦም ብሃንደበት ዝተኣኻኸቡ ሰባት ኢና እንኸውን። ኣብ ግለሰብ ጥራይ እንተኣተኮርና ጥቅሙ ዝጽብጽብ ብዛዕባ ካልኦት ምንም ዘየገድሶ ፍጥረት ነጥሪ። ስለዚ ሓላፍነታዊ ግለሰብ ንኅብረተሰብ ሕይወት ይህቦ ኢሎም።”

ነቲ ብግላዊ ረብሓ ዝተዓለሰ ገንዘብን ሥልጣንን ዘፈናፍን ኣነነት ኣሊና ‘ንሕና’ ዝብል ሓላፍነት ሓድሕድ ዝስምዖ ሓራ ህብረተሰብ ክንሃንጽ እንተኽኢልና እቲ እዚ ርክብ እዚ ከም ዕላማ ሒዝዎ ዘሎ ርክብ ንዕርክነት መላእ ዘመደ ኣዳም ሸቶኡ ክወቅዕ ከምዝኽእል እውን ገሊጾም።

እንተኾነ እዚ ንኩሉ ንምጥቅላል ዝግበር ጒዕዞ ሓንሳእ ሓንሳእ ፈተና ከጋጥሞ ይኽእል! እቲ ዝዓበየ ፈተና ከኣ ኣብ ንሕና ዝብል ህብረተሰብ ኣበርክቶ ዘይብሉ ወይውን ኣብ ምፍራስ ዝዋፈር ኣዕናውን ኣሉታውን ሳዕቤን ኣለዎ ቢልካ ንእትፈርዶ ግለሰብ ክተግልል ወይውን ከምቲ ባህሊ ምጒሓፍ ንብሎ ናይ ዘመና ናብራ ቊጠባ ንደቂሰባት ተጠቂምካ ጐሓፍ ዝብል ፈተና ስለዘሎ ማንም ሰብ ክጒሰ ከምዘይብሉ ነፍስወከፍ ግለሰብ ኣድላዪ ከምዝኾነ ክግንዘቡን እዚ ዳግመ ተበግሶ እዚ ከኣ ካብ ግለሰባት ነቂሉ ንኩሉ ዘጠቃልል ክኸውን ኣዘኻኺሮም።

ኣብ መወዳእታ እነኹ ኣነ ዝብል ትብዓት ንክህልዎም ምናዳ መንእሰያት ከምዚ ዓይነት ርክባት በሪ ከፋቲ ምዃኑ ተገንዚቦም ካብ ዝኾነ ምጥርጣራትን ፍርህን ሓራ ኰይኖም ንግላዊ ጥቅሚ ዘቀድም ኣነነት ኣልዮም ሓላፍነት ዘለዎ ኣነነት ለቢሶም ንህብረተሰብ ዓለምና እጃሞም ከበርክቱ ዝተፈላለዩ ሊቃውንትን ጸሓፍትን ዝብልዎ ብሂል ብምጥቃስ ብምትባብዕ መልእኽቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
20 Aug 2021, 22:30