ር.ሊ.ጳ ስለ ሃገረ ኣፍጋኒስታን ዚኣወጅዎ ጾምን ጸሎትን ኣምቢ ንውግእ እዩ ዘስምዕ! ኣንድረያ ሪካርዲ
ዜና ቫቲካን!
ኣብ ዝሓለፈ ዜናታት ከምዘመልከትናዮ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከምቲ ደጋጊሞም ዝምሕጸንዎን ጻውዒት ዘቅረብዎን ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሰንበት ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ኣብ ዘቅረብዎ ናብ ግዳያት ኣደራዕ ሞትን መከራን ዝኾኑ ሕዝቢ ኣፍጋኒስታን ኣብቲ ዝወረደ ሓዘንን ኣብቲ ነቶም ዑቕባ ዝደልዩ ሰባት ዝወሃብ ሓገዝ ተኻፋሊ ምዃነይ አረጋግጽ፡ ነቶም ዝሞቱ ንምሕረት ከሃሌ ኵሉ እግዚኣብሔር እወክፍ፡ ነቶም በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ጽንኩር ኵነት ኣብ መከራ ንዝርከቡ ሕዝብን ኣንስትን ቈልዑን ሓገዝ ንዘቕርቡ አመስግን! ምስ በሉ ምስዚ ኣተሓሒዞም ነቶም ንስኡናትን ሕዝኑናትን ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ዝዓዩ ዘለዉ ኣብቲ ዘካይድዎ ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ክቕጽሉን ዘተን ሓድነትን ንምድንፋዕ ከምኡ ከምኡ እውን ንመጻኢ እታ ሃገር ተስፋ ናብ ምሃብ ክመርሖምን ጾምን ጸሎትን ንስሓን ከምዘድሊ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ተመርኲሶም ከኣ 'ታሪኽ ቤተክርስትያን መጠን እዚ ኩነታት እዚ ንኩላትና ንክንጽልን ነቲ ኣብ ስቃይ ዝርከብ ሕዝቢ ቀረባኡ ክንከውን ጾምን ጸሎትን ንስሓን ክንገብር እዩ ዝምህረና። ጸሎትን ጾምን ከነበርትዕ ኣበርቲዔ ጻውዒት አቕርብ፡ ካብ ጐይታ ምሕረትን ይቕረታን እልምን! ክብሉ ኣዘኻኸሩ።
እዚ ግን ስለማለቱ ዘይኮነ ናይ ብሓቂ ካብ ልቦም ከምዝኾነ ወትሩ ፍሉጥ እኳ እንተኾነ ቅድሚ ትማሊ ግን ምረት ብዝተሓወሶ ቃና ንጸሎትን ጾምን ንስሓን ጻውዒት ምስ ኣቅረቡ ደጊሞም ናይ ብልበይ እየ ዝብለኩም ዘሎኹ ሓደራ ስምዑኒ እግዚአብሔር ይስማዕኩም ብዘስምዕ ቃና ከምዚ ክብሉ ደገሙ።
ቅዱስነቶም ካብ መስኮት ሓዋርያዊ ኣደራሽ መንበረ ጴጥሮስ ነዚ ጻውዒት እዚ ኣቅሪቦም ምስ ተመልሱ እውን ገና ነዚ ኣብ ሕልናኦምን ሕልና መላእ ዓለምን ኰይኑ ዘዕገርግር ኩነታት ኣፍጋኒስታን ማለት ካብቲ ብተደጋጋሚ ዝግበር መጥቃዕቲ ዝሞቱ ዝቆስሉ ካብዚ ገሃነም ንክሃድሙ ዝጭነቁን ዝጓየዩን ዝግፍዑን ሕዝቢ ብመሳዂቲ መራከቢ ብዙሓን ምዝርጋሕ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ርእሲ እቲ ዝሓተትዎ ጸሎት ኩሎም ካብ ምግቢ ክጾሙ ዝጽውዕ ትርር ዝበለ ሓጺር መልእኽቲ እውን ብትዊተር ብኡ ንብኡ ኣስዒቦም።
ጾምን ጸሎትን እንኮ ፍታሕ ድራማታት ዘመደ ኣዳም!
ርግጽ ዓለምና ካብዚ ዝገደደ ፍጻሜታት እውን ርእያ ትኸውን! እንተኾነ ክንዮዚ ስግር ኢልና ክንሓስቦ ዘሎና ጉዳይ ኣብ ከምዚ ዝበለ ድቅድቅ ጸልማት ገለ ምልክት ጩራ ሰላምዶ ክረከብ ይከኣል ዝብል እዩ። ዘዝሓለፈ ደኣ ንርስዖ ኰና እምበር ብ2013 ዓም ኣመሪካ ምስ መሻርኽታ ብሓይሊ ቦምባታት ኣብ ሶርያ ሰላም ከንግሥ እዩ። ኣብ ቅድመይ ዝጸንሐ ወይልኡ ምስ በለት። ዓለም ብዓለም ብኣርምሞ ሱቊ ኣብ ዝበለትሉ ግዜ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣይፍሉን ኣብዚ ድቅድቅ ጸልማት መንገዲ ሰላም ተረኺቡ ካብ ስቃይን ሞትን ሕዝቢ ክንድሕን ካልእ መንገዲ ኣሎ ስለ ሶርያ ጾምን ጸሎትን ንግበር ኢሎም ኣወጁ። ነዚ ጻውዒት መብዛሕትኦም መራሕቲ ካልእ እምነታት ምናዳ ብኣብዝሓ ኣብቲ ዞና ዝርከቡ ኣስላም ሃንጐፋይ ኢሎም ተቀቢሎሞስ ዓለም ብዓለም በዚ ሓሳብ እዚ ጾመትን ጸለየትን እግዚአብሔር ይመስገን እቲ ካብ ባሕርን ካብ ሰማይን ኣብ ልዕሊ ሶርያ ክዘንብ ተሓሲቡ በብዓይነቱ ኣሽማት ዝወሃቦ ቦምባታት ኣብ ማዕከኑ ተረፈ። ናይቲ ሽዑ ሓያል ጻውዒት ቅዱስነቶም ነፍሲወከፍ ኣብ ሕልናኡ ተመሊሱ ጽጹይ መርመራ ሕልና ክግበር ሓወይ ኣበይ ኣሎ ክብል እብል ዳርጋ ነቲ ድሕሮም ከም ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኩልና ኣሕዋት ኢና ኢሎም ዝጸሓፍዋ ዝመሳሰል ሓያል መልእኽቲ ኣመሓላለፉ።
ጽንሕ ኢሎም እውን ብ2017 ስደታን መከራኣን ዓመጻን ዘይውዳእ ኣህጉር ኣፍሪቃ ምናዳ ኣብ ደቡብ ሱዳንን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ጥሜትን ዓጸቦን ምዝመዛ ስደትን ዓመጽን እንትርፊ ብጸሎትን ብጾምን ብካልእ ክንብድሆ ኣይንኽእልን እሞ ጾምን ጸሎትን ኢሎም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ወጋሕ ትበል ለይቲ ናይ ጾምን ጸሎትን ብዝተፈላለየ መግለጺታት ዝተሰነየ ተፈጸም።
ከምኡ እውን ብወርሒ ሚያዝያ 2019 ኩነታት ደቡብ ሱዳን ካብ ዝገደደ ናብ ዝኸፍአ ምስ ከደን ውግእ ሓድሕድ ተላዒሉ ዓለም ብዓለሙ ምሽምጋል ምስ ሰኣነን ንተቀናቀንቲ ናይቲ ዓዲ ኣብ ቫቲካን ዓዲሞም ሱባኤ ብሓባር ምስ ኣካየዱ ንዓለም ዘንቀጥቀጠ ተግባር ኣብ እግሪ እቶም መራሕቲ ተደፊኦም ጫማኦም እናሰዓሙ ሓራይ በሉኒ ማርያም ሓራይ ትበልኩም ነዚ ትብልዎ ዘሎኹም ቃል ከይትጠልሙ ስለ ኣብ ድኽነትን ውርደትን ሕስረትን ሞትን ዝርከብ ሕዝብኹም ቃል እተውለይ ብዘስምዕ ቃና ዘርኣይዎ ትሕትና ይዝከር።
ጸገም ሃገረ ሊባኖስ ኣብ መዓልቦ ዘይርከቦ ዕንኪላሎ ኣትዩ ዕለት ዕለት ሞትን ዕግርግርን ምስ በርተዔ ዝሓለፈ መስከረም 2020 ንኩሎም ናይ ካልእ እምነታት ኣሕዋትን ኣሓድን ብምዕዳም ዓቢይ ዕለተ ጸሎት ስለ ሃገረ ሊባኖስ ዘዕረግዎን ከምኡ እውን ነታ ንክልተ ዓመት ምስ መመላእታ ብለበዳ ኮቪድ ዝተሳቀየት ዓለምና ዘዕረግዎ ብዙሕ ጸሎታት ክጥቀስ ይከኣል።
ኣንድረያ ሪካርድ እምበኣር ነዚ ኩሉ ብምዝካርን ብምትንታንን እንተደኣ ኣብ ቊጽሪ ዘይኣትው ናኣሽቱ ናይ ክፍኣት ጒጅለታት ክሳብ ክንድዙይ ዚኣክል ዘርኢ ራዕድን ፍርሕን ኣብ ዓለምና ክዘርኡ ካብ ከኣሉ ንሕና ከም ቤተክርስትያንስ ይኹን ከም ናኣሽቱ ጒጅለታት ቈምና ዘርኢ ሰላም ክንዘራሉ ዘይንኽእል ምኽንያት ክህልወና ኣይክእልን ብዘስምዕ ቃና ነዙይ ጻውዒት ር.ሊ.ጳ በብዝለናዮ ብግብሪ መልሲ ክንህበሉ ዘሎና ጉዳይ ምዃኑ ምስ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ጻንሒት ገሊጾም።
ነዙይ ብከመይ ክንገብሮ ንኽእል ንዝብል ሕቶ እንክምልሱ ብቀዳምነት ጻውዒት ቅዱስነቶም ጾምን ጸሎትን ንስሓን ክብሉ እንከለው ብካልእ ቋንቋ እምቢ ንውግእ ንበል ኰይኑ ካብ ውግእ ዕንወት እምበር ሕንጸትን ድሕነትን ሰላምን ክርከብ ስለዘይከኣል ንውግእ ደው ንክነብሎ ከኣ ካብ ምንጪ ሰላምን ምሕረትን ዝኾነ ኣምላኽ ይቅረበለልና ኢልካ ብጾምን ጸሎትን ንስሓን ምምህላል ምዃኑ ገሊጾም።
ኣብ መወዳእታ መሥራቲ ማሕበር ግብረ ሠናይ ቅዱስ ኤጂድዮ ፕሮፈሰን ኣንድረያ ሪካርዲ ንኩሉ መልእኽታት ቅዱስነቶም ምናዳ እታ ፍራተሊ ቱቲ ኩልና ኣሕዋት ኢና እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ንጸሎትስ ይኹን ንዘተ ንምድግጋፍስ ይኹን ንምትሕልላይ ኣኽል ታሪፍ ንሕውነት መላእ ዘመደ ኣዳም ዘደንፍዕ ሓሳባት ብምግላጽ ርእይቶኦም ደምደሙ።