ድለ

LEBANON-BLAST/ANNIVERSARY-DRONE LEBANON-BLAST/ANNIVERSARY-DRONE 

ንትንሣኤ ሊባኖስ ካብ ዓለም ጭቡጥ ተግባራት የድሊ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 4 ነሐሰ 2021 ዓም ድሕሪ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት በዛ ዕለት እዚኣ ኣብ ሊባኖስ ዘጋጠመ ሓደጋን ግዳያትን ብምዝካር ነቶም ገና ናብራ ዝኸበዶምን ምንም ለውጢ ዘይረኣዩን እግዚአብሔር ነቲ ቅልውላው ክሰግሩ ተስፋ ክህቦም ንጸሊ እንክብሉ ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን! 

ዓመት ይገብር ልክዕ ከም ሎሚ ዕለት 4 ነሓሰ 2020 ዓም ምድረ ሰማይ ደሓን ኣሎ እንክብሉ ኣብታ ቅድሚ ብሽርሕን ተንኰልን ጸላእቲ ምዕናዊ ሉል ማእከላይ ምሥራቅ ዝነበረት ከተማ በይሩት ኣብ ወደብ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ሰብ ገልታዕታዕ እንክብል መጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ሓዊ ከጥፍኡ እንክቃለሱ ብዘጋጠመ ንባርዕ ሂሮሺማን ነጋሳኪን ብዝመሳሰል ነትጒን ባርዕን ልዕሊ 200 ሙታትን 6000 ቁሱላትን ልዕሊ 300 ሺሕ ከኣ ተፈናቀልትን ኣብ ርእሲ ምግባሩ ሊባኖስ ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ዕንወት ዘጋጠመ ሓደጋ ተኸስተ። ሙሉእ ዓለም ሃሙን ቀልቡን ኣብኡ ብምግባር ንምርዳእ ገለን ቁሩብ ዝገበረ ገለን ቃል ዝኣተወ ኮነ። ቀስ ብቀስ ግን ካብቲ እታ ሃገር ክትግብሮ ዝነበሮ ምጽራይ ሓደጋ ክሳብ እቲ ብዓለምለኸ ደረጃ ክቀርብ ዝነበሮ ረድኤት ሓንቲ ከይተገብረ ድሮ ዓመት ሓሊፉ። ነዚ ዘሕዝን ኩነት እዚ ብምዝካር ቅዱስነቶም ሎሚ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ክርስቶስ ምስ ኣቅረቡ ኣብ ፍጻሜ ነዚ ዚስዕብ ጻውዒት ኣመሓላሊፎም።

“ኣብ ርእሰ ከተማ ሊባኖስ ወደብ በይሩት ሞትን ዕንወትን ዘስዓበ ዘሰንብድ ነትጒን ባርዕን ዓመት ኣብ ዘቊጸረሉ ዕለት ሃመይን ቀልበይን ናብታ ፍቅርቲ ሃገር ብምጒዓዝ ልዕሊ ኩሉ ብዛዕባ እቶም ግዳያትን ቤተሰቦምን ብዙሓት ቊሱላትን ብሰንኪ እዚ ሓደጋ ቤቶምን ሥራሖምን ዝሰኣኑ እሓስብ። ብዙሓት እውን ናብራ ደንጽይዎም ኣሎ።”

እንክብሉ ህልው ኩነታ ሊባኖስ ምስ ገለጹ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ዕለት 1 ስለ እታ ሃገረ ጽሕዲ ኢሎም ዝሰመይዋ ሃገረ ሊባኖስ ሰላም ክወርዳ ምስ ብዙሓት መራሕቲ እምነት ክርስትና ሓቢሮም ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ስለኣን ስለመላእ ማእከላይ ምብራቅን ንዝጸለይዎ ብምዝካር ከኣ ከምዚ ኢሎም።

“ኣብታ ስለ ሃገረ ሊባኖስ ዕለተ ጸሎትን ኣስተንትኖን ክትከውን ዝወሰናላ ዝሓለፈ ወርሒ ዕለት 1 ሓምለ ምስ መራሕቲ እምነት ክርስትና ንኩሉ ሃረርታትን ትጽቢታትን ናይቲ ብኩነታቱ ዝደኸመን ዝሰልቸውን ሕዝቢ ሊባኖስ ኣኪብና ናብ ጐይታ ብምቅራብ ነዚ ተሪር ቅልውላው እዚ ንምሽናፍ እግዚአብሔር ብርሃን ተስፋ ክህቦም ተማህሊልና ነርና። ሎሚ ከኣ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ሊባኖስ ንክትንሥእ ብቃላት ጥራይ ዘይኮነ ብጭቡጥ ተግባራት ክሕግዝ እጽውዕ። በዚ መንገዲ እዚ ከኣ እቲ ብሃገረ ፈረንሳን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ነዛ ሃገር እዚኣ ንምሕጋዝ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ፍረ ክህልዎ ሠናይ ምንዮተይ እገልጽ። ዝኸበርኩም ሊባኖሳውያን ናባኡ መጺኤ ንክበጽሓኩም ዘሎኒ ሃረርታ ዓቢ እዩ። ሃገረ ሊባኖስ ንመላእ ማእከላይ ምብራቅ ናይ ሕውነት መልእኽቲ ናይ ሰላም መልእኽቲ ንክትከውን ስለኹም ምጽላይ ኣይክደክምን እየ ኢሎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
04 Aug 2021, 16:20