ንትንሣኤ ሊባኖስ ካብ ዓለም ጭቡጥ ተግባራት የድሊ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ዓመት ይገብር ልክዕ ከም ሎሚ ዕለት 4 ነሓሰ 2020 ዓም ምድረ ሰማይ ደሓን ኣሎ እንክብሉ ኣብታ ቅድሚ ብሽርሕን ተንኰልን ጸላእቲ ምዕናዊ ሉል ማእከላይ ምሥራቅ ዝነበረት ከተማ በይሩት ኣብ ወደብ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ሰብ ገልታዕታዕ እንክብል መጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ሓዊ ከጥፍኡ እንክቃለሱ ብዘጋጠመ ንባርዕ ሂሮሺማን ነጋሳኪን ብዝመሳሰል ነትጒን ባርዕን ልዕሊ 200 ሙታትን 6000 ቁሱላትን ልዕሊ 300 ሺሕ ከኣ ተፈናቀልትን ኣብ ርእሲ ምግባሩ ሊባኖስ ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ዕንወት ዘጋጠመ ሓደጋ ተኸስተ። ሙሉእ ዓለም ሃሙን ቀልቡን ኣብኡ ብምግባር ንምርዳእ ገለን ቁሩብ ዝገበረ ገለን ቃል ዝኣተወ ኮነ። ቀስ ብቀስ ግን ካብቲ እታ ሃገር ክትግብሮ ዝነበሮ ምጽራይ ሓደጋ ክሳብ እቲ ብዓለምለኸ ደረጃ ክቀርብ ዝነበሮ ረድኤት ሓንቲ ከይተገብረ ድሮ ዓመት ሓሊፉ። ነዚ ዘሕዝን ኩነት እዚ ብምዝካር ቅዱስነቶም ሎሚ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ክርስቶስ ምስ ኣቅረቡ ኣብ ፍጻሜ ነዚ ዚስዕብ ጻውዒት ኣመሓላሊፎም።
እንክብሉ ህልው ኩነታ ሊባኖስ ምስ ገለጹ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ዕለት 1 ስለ እታ ሃገረ ጽሕዲ ኢሎም ዝሰመይዋ ሃገረ ሊባኖስ ሰላም ክወርዳ ምስ ብዙሓት መራሕቲ እምነት ክርስትና ሓቢሮም ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ስለኣን ስለመላእ ማእከላይ ምብራቅን ንዝጸለይዎ ብምዝካር ከኣ ከምዚ ኢሎም።