ድለ

ክታበት ንርእስኻ ጥራይ ዘይኮነ ንብጾትካውን ዘገልግል ናይ ፍቅሪ ሥራሕ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ደጋጊሞም ከምዝገልጸዎ ካብዚ ወሪዱና ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ንምስጋር ኩሉ ነገራት ንክንጥቀም ካብ ጸሎትን ምትሕግጋዝን ጀሚርካ ሓካይም ንዘቅርቡልና ኣገልግሎት ክንጥቀም ንዘቅርብዎ ምኽርን ለበዋን ብምስዓብ ንሕዝቢ ላቲን ኣመሪካ ተጻይ ኮሮና ቫይረስ ንክኽተቡ ጸዊዖም። እዚ ተግባር እዚ ቀሊል ይመስል ኰይኑ ንዝበለጸ መጻኢ ውሕስነት ዝህብ ዓሚቊ ተግባር እዩ ኢሎም። ሓንቲ ስድራቤት ስለዝኾና ክፍላተ ዓለምና ካብ ሰሜን ክሳብ ደቡብ ይገብርዎ ስለዘለው ንሓባራዊ ሠናይ ነገር ሓላፍነትና ምዃኑ ተረዲእና ንከተብ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ጉዳይ ጥዕና ብዝምልከት ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ዘዘኻኸርዎ ‘ጥዕና መሰል ኩሉ ወዲሰብ ስለዝኾነ ወትሩ ክሕሎ ኣለዎ’ ዝብል ትምህርቶም ደጋጊሞም ከምዘስምዑ ዝዝከር እዩ። ነዚ ከኣ ብቃላት ጥራይ ዘይኮነ ዝኾነ ጸገም ጥዕናን ሓደጋን እንከጋጥም ንድኻታትን ረዳኢ ዘይብሎምን ቅድምያ ብምሃብ ብናውቲ ጥዕናስ ይኹን ኣፋውስ ብህጹጽ ንዘድልዮም ብስሞምን ስም ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝግበር ናይ ረድኤት ሥርሓት ምስክር እዩ። ኣብ እነቅርቦም ዕለታዊ ዜናታት ክንድዚ ዝኸውን ንከምዚ ዝበለ ጸገም ወይ ሓደጋ ዘጋጠሞም ብስም ር.ሊ.ጳ ተዓዲሉ ተለጊሱ ዝብል ንዋታውስ ይኹን ገንዘባዊ ሓገዛት ኩልና እንዝክሮ ጉዳይ እዩ። ዝኾነ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝግበር ረድኤት እውን ወትሩ ንድኻታትን ድኹማትን ዘካተተ ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ዝተዛዘመ ክትባት ኮሮና ቫይረስ ንልዕሊ ሠለስተ ሚእቲ ዝኾኑ ድኻታት ብምኽታብ ከምዝነበረ ይዝከር።

ጸረ ኮሮና ቫይረስ ክትባት ገና ክሕሰብ እንከሎ ጀሚሮም ቅዱስነቶም ንኩሎም ክኸውን ዘለዎ ምዃኑ ብምግንዛብ ‘ኩልና ብሓንሳብ እንተዘይኮይኑ በይኑ ዝድሕን የልቦን’ እንክብሉ ንሃብታማት ጥራይ ተወሲኑ ከይተርፍ ኣብ ኢድ ደም ዘይብሎም ናይ ንግዲ ሰባት ኰይኑ ድኻታት ከይሳቅዩ ሕልና መላእ ዓለም ክቅስቅሱ ጸኒሖም ገና እውን የዘኻኽሩ ኣለው። ምስዚ ብዝተታሓዘ መንገዲ ከኣ ሕዝቢ ደቡብ ኣመሪካ ነንሕድሕዶም እናተሓጋገዙ ነዚ ክትባት እዚ ክጥቅሙ ዘዘኻኽር ናይ ርእየት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ነንሕድሕድኩም ክትደጋገፉ እዕድመኩም!

ቅዱስነቶም ሕጽር ብዝበለ ንሕዝቢ ላቲን ኣመሪካ ዝተማሕጸንዎ ነዚ ንመላእ ዘመደ ኣዳም ወሪሩ ዘሎ ለበዳ ንምስጋር ብመንፈስ ሕውነትን ምድግጋፍን ምዃኑ ንምግላጽ ነዚ ዚስዕብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

“ነዚ ንብሩህ መጻኢ ቢለ ዘመሓላልፈልኩም መልእኽቲ ተስፋ እንክጽሕፍ ብሕውነታዊ መንፈስ እዩ። ምስጋና ንእግዚአብሔርን ንጻዕሪ ብዙሓት ሰባትን ሎሚ ካብ ኮቪድ 19 ዝከላኸል ክትባት ተረኺቡ ኣሎ። እዚ ንለበዳ ኮቪድ 19 ናይ ምዝዛም ተስፋ ይህበና። እንተኾነ እዚ ዝኾነ እንተደኣ ኩልና ክንተሓባበርን ክንደጋገፍን ነንሕድሕድና ክንረድእ ስንድዋት ብምዃንን እዩ። ፍቅሪ ክንብል እንከሎ ኣብ ማሕበራውስ ይኹን ኣብ ፖሎቲካዊ ሕይወት እውን የድልየና እዩ ኢሎም።”

ፍቅሪ ኣብ ዓውዲ ማሕበረሰብኣውን ፖሎቲካውን ናብራ እውን ኣሎ!

ቅዱስነቶም መልእኽቶም ብምቅጻል ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ክንብል እንከሎና ናይ ዓበይቲ ነገራት ጥራይ ከይድህብ ከመይ ፍቅሪ ከም መነጽር ኰይኑ ነቲ ዘይነስተውዕለሉ ናኣሽቱ ናይ ፍቅሪ ስራሓት ኣጒሊሑ ዘነጽር ምዃኑ እውን ኣብሪሆም።

[ በቶም ቅኑዓት ሰብመዚ ንዝቅረበ ክታበት ተቀቢልካ ምኽታብ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ እዩ። ብቀዳምነት ዝበዝሐ ክፋል ሕዝቢ ንክኽተብ ኣስተዋጽኦ ስለዝኾነ ናይ ፍቅሪ ስራሕ እዩ። እዚ ፍቅሪ እዚ ስለ ፍቅሪ ገዛእ ርእስኻስ ይኹን ስለ ፍቅሪ ቤተሰብ ኣዕሩኽን ኣብ ርእሲ ምዃኑ ስለ ፍቅሪ መላእ ዘመደ ኣዳም እውን እዩ። ፍቅሪ ኅብረተሰብኣውን ፖሎቲካውን እውን ስለዝኾነ ማሕበራዊ ፍቅርን ፖሎቲካዊ ፍቅርን ኣሎ። ናይ ኩሉ እዩ ማለት ሓባራዊ እዩ። እዚ ከኣ ካብ ናኣሽቱ ናይ ፍቅሪ ስራሓት ነቂሉ ንመላእ ማሕበረሰብ ክልውጥን ከመሓይሽን ይኽእል። ንእሽቶ ተግባር ይመስል እንተኾነ ብጣዕሚ ዓሚቊ እዩ። ኣብ ርእሲ ንሓባራዊ ነገር ምድንፋዕ ነንሕድሕድና ንዘሎና ሓልዮት ምናዳ ኸኣ ንድኹማትን ተኣፈፍትን ንዝኾኑ ወገና ንክንሓሊ የኽእለና። ነፍስወከፍኩም ጸጸሩ ከወፊ ዝከኣሎ ንእሽቶ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ከበርክት እግዚአብሔር ጸጋኡ ክህበኩም እጽሊ። በዘን ናኣሽቱ ናይ ፍቅሪ ሥራሓት ገቢርኩም ዝበለጸ ብሩህ መጻኢ ንምህናጽ መታን ክተበርክቱ እጽሊ እንክብሉ መልእኽቶም ዛዚሞም። ]

ብድምጺ ንምክትታል!
19 Aug 2021, 16:00