ድለ

ሓደ ወንጌል ጥራሕ እዩ ዘሎ! ር.ሊ.ጳ

‘ካብቲ ብጸጋ ክርስቶስ ዝጸውዓኩም ከምዚ ቐልጢፍኩም ናብ ካልእ ወንጌል ምግልባጥኩም ይገርመኒ አሎ። እዚውን ገለ ዜዕገርግሩኹምን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ኪልውጥዎ ዚደልዩን ከም ዘለዉ ማለት እዩ እምበር፡ ካልእ ወንጌልሲ ኣይኰነን። ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን’ (ገላ 1.6-8)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ብዛዕባ ወንጌልን ተልእኮ ስብከተ ወንጌልን እንክለዓል ቅዱስ ጳውሎስ ብዘይመጠን ይምሰጥ። ካብ ገዛእ ርእሱ ወጺኡ ሰማየ ሰማይ ይበርር። ብዘይካ እዛ ጐይታ ሓደራ ዝበሎ እዛ ተልእኮ እዚኣ ካልእ ዝርኢ ኣይመስልን። ኩለንትናኡ ኣብዛ ስበከተ ወንጌል ዝተወፈየ ኰይኑ እንትርፊ ወንጌል ካልእ ኣይረኣዮን። ፍቅሪ ጳውሎስ ሃረርታ ጳውሎስን ዕዮ ጳውሎስን ብሥራት ወንጌል እዩ። ኣብ 1ቆሮ 1,17 ‘ክርስቶስ ንከጠምቅ ኣይለኣኸንን! ወንጌል ክሰብኽ እዩ ዝለኣኸኒ’ ይብል። ጸዋዕታኡ ኩሉ ብኩሉ ወንጌል ምስባኽ መልእኽቲ ክርስቶስ ንከፍልጥ ወንጌል ንከፍልጥ  ጥራይ ከምዝኾነ ንክገልጽ ኣብ 1 ቆሮ 9,16 ‘ወንጌል እንተዘይሰቢኸ ወይለይ’ ይብል። ናብ ክርስትያን ሮማ እንክጽሕፍ ከኣ ኣብ ሮሜ 1,1 ‘ጳውሎስ ኣገልጋሊ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ሓዋርያ ዝተጸውዔን ወንጌል እግዚአብሔር ክሰብኽ ዝተመርጸ’ እንክብል ተልእኮኡን ጸዋዕታኡን ይገልጾ። ጸዋዕታኡ እዚ ነበረ። ጥቅልል ብዝበለ መንገዲ ንሱ ንወንጌል ናብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ንከብጽሕ ዝተፈልየ ምዃኑ እምበር እንትርፊ ነዛ ተልእኮ እዚኣ ኩሉ ሓይሉ ምውፋይ ካልእ ክገብር ከምዘይብሉ ይዛረብ።

በዚ ከምዚኸስ ነቶም ብርእይቶኡ ናብ ክዕርይዎ ዘይክእሉ ግጉይ መንገዲ ዝመርጹ ዘለው ሰብ ገላትያ ሓዘኑን ዘይተጸበዮ ምርካቡን ብምረት ይገልጽ። መንገዲ ተጋግዮም። ኩሉ ነገራት ኣብ ዙርያኡ ዝዞሩዎ ሕመረት ናይቲ ጉዳይ ከኣ ወንጌል እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ከምቲ ንሕና እንሓስቦ ብዛዕባ ኣርባዕተ ወንጌላት ኣይኮነን ዚዛረብ ዘሎ። ከም ሓቁ ከኣ ንሱ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ክጽሕፍ እንከሎ ዋላ ሓደ ካብተን ወንጌላት ኣይተጻሕፈን ነበረ። ንጳውሎስ ወንጌል ክብል እንከሎ እቲ ሠናይ ዜና ንሱ ዝሰብኮ ዝነበረ እዩ። ጸዋዕታኡ ከኣ እዚኣ እያ ስብከት ብሥራት ወንጌል። እት ብሥራት እንታይ እዩ እንተ በልና ሞትን ትንሣኤን ኢየሱስ ከም ምንጪ ድሕነት እዩ። በዘን ቃላት እዚኤን ዝግለጽ ወንጌል ማለት ‘ከምቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝብሎ ክርስቶ ስለ ሓጢኣትና መይቱ ተቀቢሩ ብሳልሳይ መዓልቲ ካብ ሞት ተንሲኡ ከምቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘመልክቶ ከኣ ንኬፋ ተራእዩ’ (1ቆሮ 15,3-5) ዝብላ ቃላት እየን። ስብከት ቅዱስ ጳውሎስ ከስ እዚ እዩ። እዚ ብሥራት እዚ ንኩሎም ሕይወት ዝህብ ስብከት እዩ። እዚ ወንጌል እዚ ፍጻሜ ናይተን ተስፋታትን ንኩሎም ሰባት ዝተወፈየ ድሕነትን እዩ። ነዚ ብሥራት እዚ ዝተቀበለ ዘበለ ኩሉ ምስ ኣምላኽ ይዕረቅ እሞ ከም ሓቀኛ ውሉድ ተቀባልነት ረኺቡ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ውርሻ ይቅበል።

ኣብ ቅድሚ እዚ ንሰብ ገላትያ ዝተገብረ ዓቢ ጸጋ ሓዋርያ ጳውሎስ እዞም ሰባት እዚኦም ከመይ ኢሎም እዮም ካልእ ወንጌል ክቅበሉ ዝደናደኑ ይብል። እዚ ሓዲስ ወንጌል እዚ ብሓሳብን ዘረባን ደቂሰባት ዝተወራርቀ ይኸውን እንተኾነ ካልእ ወንጌል እዩ። እንተኾነ ኣብዚ ክስመረሉ ዘለዎ እዞም ሰባት እዚኦም ነቲ ብጳውሎስ ዝተሰብኮም ወንጌል ፈጺሞም ከምዘይሓደግዎ ምዝካር የድሊ። ሓዋርያ ጳውሎስ ሰብ ገላትያ ገና ግጉይ ውሳኔ ካብ ምውሳድ ቁሩብ ተሪፍዎም ከምዘሎ ይርዳእ እሞ ብሓይሊ እኳ ደኣ ብብርቱዕ ሓይሊ ይወቅሶም። እታ ቀዳመይቲ ሥነ መጎት ጌጋ ናይቶም ሓደስቲ ሰበኽቲ ካልእ ወንጌል ንምግላጽ እቲ ዘቅርቡሎም ናይ ሰብ እምበር ወንጌል ኢየሱስ ከምዘይኮነ ንምግላጽ ነበረ። እዚ ሓዲስ ወንጌል ነቲ ብሓቀኛ ወንጌል ዝወሃብ ሓርነት ስለዝገትእ ግጉይ እዩ ይብሎም። እዛ ናብ ሓርነት ንከይትበጽሕ ዝገትእ እትብል ሓረግ ኣድላዪት እያ። እዛ ሓርነት እዚኣ ብእምነት እትርከብ ሓርነት እያ። ሰብ ገላትያ ገና ጀመርቲ ስለዝነበሩ ኣንፈት ምጥፋኦም ርዱእ ነበረ። ብቀዳምነት ንሕጊ ሙሴ ምሉእ ብምሉኡ ኣይፈልጥዎን ነበሩ በቲ ንብሥራት ወንጌል ንምስማዕን ኣብ ክርስቶስ ንዝግበር እምነት ሃንጐፋይ ኢሎም ንምቅባል ዝነበሮም ውዕውዕ ተመስጦ ከኣ ናይዞም ሓደስቲ ሰበኽቲ ወንጌል ስብከት መመላእታ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ መሲልዎም ጽን ኢሎም ይሰምዑዎ። እንተኾነ እቲ ኩነታት ከምኡ ኣይነበረን።

 ሓዋርያ ጳውሎስ ግን ኣብ ከምዚ ዝበለ ወሳኒ ግራት ምንም ዓይነት ዋጋ ዕዳጋ ክግበር ኣይፈቀደን። ወንጌል ሓደ ጥራይ ከምዝኾነ ንሱ ኸኣ እቲ ንሱ ዝሰብኮ ስለዝኾነ ካልእ ወንጌል ክህሉ ኣይክእልን። ኣብዚ ክነስተውዕለሉ ዘሎና ቅዱስ ጳውሎስ እቲ ንሱ ዝሰብኮ ወንጌል ሓቀኛ ዝኾነሉ ምኽንያት ንሱ ስለዝሰብኮ ኣይኮነን ዝብል ዘሎ። ነዚ ኣይብሎን። ከምዚ እንተዝኸውን ትዕቢት ዓሻ ድፍረት ምኾነ። እዚ ወንጌል እዚ እቶም ካልኦት ሓዋርያት እውን ዝሰብክዎ ወንጌል ምዃኑን ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምዃኑ ከኣ ቅኑዕን ሓቀኛን ወንጌል ምዃኑ ኣብ ገላ 1,11 ‘እምብኣርስ ኣሕዋተይ፡ ኣነ ድማ ብምግላጽ ኢየሱስ ክርስቶስ እየ እምበር፡ ካብ ሰብ ኣይተቐበልክዎን ኣይተመሃርክዎንውን እሞ፡ እቲ ብኣይ እተሰብከ ወንጌል ከም ቅዲ ሰብ ዘይምዃኑ ኤፍልጠኩም አሎኹ’ እንክብል የረጋግጽ። በዚ ከምዚኸስ ጳውሎስ ስለምንታይ ተረርቲ ቃላት ይጥቀም ብሩህ ይኸውን። ንክልተ ግዜ ዝኸውን ‘ውጉዝ ይኹን’ ዝብል ቃል ይጥቀም። እዚ ማለት ከኣ ንመሠረት እታ ማሕበረ ክርስትያን ኣብ ሓደጋ ስለዘውድቅ ካብ ማሕበር ከርሕቅዎ ግዲ ምዃኑ የመልክት። እቲ በቶም ሓደስቲ ሰበኽቲ ወንጌል ዝቀርብ ዝነበረ ሓዲስ ወንጌል ከኣ ንመሠረት እታ ማሕበረ ክርስትያን ሓደጋ ነበረ። ጥቅልል ብዝበለ መንገዲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብዚ ነጥቢ እዚ ምንም ዓይነት ዘተን ዋጋ ዕዳጋን ኣይፈቅድን። ነዚ ብዝምልከት ክትዛተ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክትወርድ ፈጺምካ ኣይከኣልን። ንሓቂ ወንጌል ሒዝካ ክትወዓዓል ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ወሪድካ ንሰማማዕ ክትብል ኣይከኣልን። ወይ ነቲ ወንጌል ከምቲ ዝተበሰረካ ገርካ ተቀበል ወይውን ካልእ ዝኾነ ነገር ተቀበል። ምስ ወንጌል ምውዕዓል የለን። ኣብ ውዕልን ስምምዕን ክውረድ ኣይከኣልን። ኣብ ኢየሱስ ዘሎና እምነት ኣብ ዋጋ ዕዳጋን ስምምዕን ውዕልን እነውርዶ ናይ ሸቀጥ ጉዳይ ኣይኮነን። ድሕነት እዩ! ምስ ኢየሱስ ምርኻብ እዩ! ዕዳጋ ረኺበ ኢልካ ዝሽየጥ ዝልወጥ ኣይኮነን።        

እዚ ኣብ ምጅማር መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ ዝተገልጸ ጉዳይ ቁሩብ ስግንጢራዊ ይመስል። ምኽንያቱ ከኣ ኩሎም ተዋሳእቲ ብብቁዕ ምኽንያት ዝዋስኡ ይመስሉ። ነቶም ሓደስቲ ሰበኽቲ ወንጌል ጽን ኢሎም ዝሰምዑ ሰብ ገላትያ ብግዝረት ፍቃድ እግዚአብሔር ዝፍጽሙን ብጳውሎስ ከኣ ብዝበለጸ ተቀባልነት ዝረኽቡ ይመስሎም። እቶም ጸላእቲ ጳውሎስ ዝኾኑ ሓደስቲ ሰበክቲ ወንጌል ከኣ ነቲ ብልማድ ኣቦታት ዝተዋህቦም ባህሊ እሙናት ንምዃን ዝተለዓዓሉን ቅንዕቲ እምነት ከኣ ንሕጊ ሙሴ ብምሕላው ከምትግለጽ ኣሚኖም ይማጐቱ። ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ምኽንያታዊ ተኣማንነት ክሳብ ንጳውሎስ ክሓምዩን ክጥርጥሩን ንባህሊ ኣቦታት ብዝምልከት እውን እምብዛ ጽኑዕ ከምዘይኮነ ይገልጹ። እንተ ጳውሎስ ግን እታ ተልእኮኡ መለኮታዊት ማለት ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገልጸቶ ምዃና የረጋግጽ እሞ ነታ ዝተቀበላ ሓዳስ ወንጌል ብምሉእ ተመስጦ ይሰብካ። እዛ ንሱ ዝተቀበላ ወንጌል ሱርነቀል ኰይኑ ቀጥ ኢልካ ትኽተሎ እምበር ወለቅ ዘለቅ እናበልካ ንግዜኡ ትኽተሎ ከምዘይኰኑ ይገልጽ። እዚ ወንጌል እዚ ወትሩ ሓዲስ እዩ። ኣብ ጒስነታዊ ተልእኮኡ ዘሎዎ ሻቅሎት ከኣ ተሪር ከምዝኸውን ይገብሮ፣ ምኽንያቱ ከኣ ኣብ መንእሰያት ክርስትያን ዘይተርፍ ሓደጋ ስለዝተዓዘበ እዩ። ብሓጺሩ ኣብ ቅድሚ እዚ ብሠናይ ሓሳባት ብዙሕ ዝተጠናነገ ፍጻሜ ፍልይ ክትብል እሞ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስን ብስብከቱን ብግልጸት ፍቅሪ እግዚአብሔር ኣቦን ዝቀርብ ልዑል ሓቂ ንምቅባል ምስንዳው የድሊ። እዚ ብሓቂ ኣድላዪ እዩ። ናይ ምልላይ  መንፈስ ተላቢስካ ንነገራት ኣለሊኻን ፈሊኻን ኣድላዪ እዩ። ኣብ ታሪኽ ብዙሕ ከምዝተዓዘብናዮ ሎሚ እውን እንተኾነ ከም እንዕዘቦ ንወንጌል ብዝመስሎም ዝሰብኩ ገለ ገለ ምንቅሳቃሳት ሓንሳእ ሓንሳእ ብሓቀኛ ግላዊ ውህበታት ተሰንዮም ዝጐዓዙ ግን ጽንሕ ኢሎም ንኩሉ ብምግናን ንወንጌል ኣብቲ ምንቅስቃስ ዝጥቅልልዎ ንዕዘብ። እዚ ወንጌል እዚ ወንጌል ክርስቶስ ኣይኮነን። ወንጌል ናይቲ መሥራቲ እቲ ምንቅስቃስ እዩ ክንብሎ ንደፍር። ርግጽ እዩ ከምዚ ዓይነት ምንቅስቃሳት ኣብ መጀመርያ ክሕግዝ ይክእል ኣብ መወዳእታ ግን ድልዱል ሠራውር ዘለዎ ፍረ ኣይህብን። ስለዝኾነ ከኣ እዩ እታ ወሳኒትን ንጽርትን ቃል ቅዱስ ጳውሎስ ከምቲ ንሰብ ገላትያ ዝፈወሰት ንዓና እውን ክትፍውሰና እያ። ወንጌል ትዕድልቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ኰይኑ ንሱ እዩ ዝገልጸልና። ንሱ እቲ ሕይወት ዝሕበና ጐይታ እዩ። እግዚአብሔር ይሃበለይ።

ብድምጺ ንምክትታል!
04 August 2021, 16:07
ንኩሉ ኣንብብ >