ድለ

US-AFGHAN-REFUGEES-ARRIVE-TO-BE-PROCESSED-AT-DULLES-EXPO-CENTER US-AFGHAN-REFUGEES-ARRIVE-TO-BE-PROCESSED-AT-DULLES-EXPO-CENTER 

ንሰላም ሃገረ ኣፍጋኒስታን ትብዓት ሰላምን ውድቀት ውግእን ምፍላጥ ከድሊ’ዩ!

ኩነታት ኣፍጋኒስታን ድሕሪት ምልስ ኢልና እንተጠመትና ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት በብግዜኡ እንኮ ፍታሕ ጐዳና ሰላም ምኽታል ምዃኑ ከምዝገለጹ ሎሚ እውን እንተኾነ መንገዲ ሰላም ወትሩ ተኽእሎ ከምፈጥር ብምእማን ትብዓት ሰላም ከምዝዕወት ውግእ ግን ወትሩ ኣብ ዓወት ሰላም ከምዘየብጽሕ ተርእዩ።

ዜና ቫቲካን!

ናይ ሎሚ ሓሙሽተ ዓመት ይገብር ዓለም ምሉእ ብዛዕባ ግጭትን ሁከትን ሃገረ ኣፍጋኒስታን ዝተፈላለየ ትንታነታት እንክህብ ላ ክርዋ ማለት መስቀል ዝብል ናይ ሃገረ ፈረንሳይ ካቶሊካዊ ጋዜጣ ንር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ስፍሕ ዝበለ ቃለ መሕተት ኣካዪዱ ነበረ። ኣብ ርጉእ ኩነታት ገሊአን ሃገራት ምዕራባውያን ደሞክራሲ ናቶም ብሓይሊ ከተኣታትው ኣብ ዝጸዓረሉ ክንደይ ዘይምርግጋእን ቈጺርካ ዘይውዳእ ቅልውላዋት ክሳብ ሃገራት ነበረ ያ ነበረ ዝኾናሉ ፍጻሜታት ብምረት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም ነበሩ።

እስኪ ነቲ ክኸውን ይከኣል ተባሂሉ ዝተወስደ ስጉምታት ምልስ ኢልና ነስተውዕለሉ፣ ንኣብነት ብጣዕሚ ምዕራባዊ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ደመክራሲ ኣብታ ድልዱል መንግሥቲ ዝነበራ ሃገረ ኢራቅ ንምትእትታው ዝተገብረ ፈተነ። ከምኡ እውን ኣብታ ቀቢላዊ ስሙር ኣመሓድራ ዝነበራ ሃገረ ሊብያ ዘጋጠመ ንመልከት። ከምዚ ኢልካ ንቅድሚ ክስጐም ፈጺምካ ኣይከኣልን። ኣቀዲምካ ናይ ነፍሲወከፍ ሃገርን ሕዝብን ባህሊ ምጽናዕ የድሊ። ከምዚ ዘይምግባር ኣብዘን ዝሓለፋ ዕለታት ኣብ ሃገረ ኣፍጋኒስታን ብዙሕ ተስፋ ዝተገብረሉ ፈተነ ኣመሪካን ምዕራባውያንን ፈሺሉ። ኣብዚ ክንሓቶ ዘሎና ሕቶ ኣብዘን ሃገራት እዚአን ብሓይሊ ኣጽዋር ውግእ ደሞክራሲ ክነተኣታቱ ይከኣልዶ! እንተዘይኮነ እቲ ሓንሳእ ምስ ጀመርካዮ ንድሕሪት መምልሲ እትስእነሉ ውግእ ምዃኑ ክስቈረና የድሊ። ህልው ኩነታት ኣፍጋኒስታን ሎሚ ከም ሎሚ እንዕዘቦ ጉዳይ እዩ። ከምኡ እውን ኣብ ሃገረ ኢራቅ ዝወረደ ዕንወት ንመልከት። ሥልጣናዊ ትምህርቲ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ምልስ ኢልካ ምምልካት የድሊ። ካብ ውግእ ንክትገብር ሰላም ንምምጻእ ትብዓት የድሊ።  ንክትዛተ ርክብ ፍጠር ንዝብል ኣምር እሺ ሕራይ ንጽልእን ቅርሕትን ዝዕድም ነገራት ኣይፋል ንክትብል ትብዓት የድሊ። ንዘተ ሓራይ ንዓመጽ እምቢ፣ ንምርድዳእ ሓራይ ንጽልእን ቅርሕትን ኣይፋል! ንዝተኣትው ውዕላት ንምሕላው ሓራይ ንምትዂታዂ ሓድሕድ ኣይፋል፣ ንቅንዕና ሓራይ ክልተ ክልተ ንምርኣይ ኣይፋል ንክትብል ትብዓት የድሊ። ነዚ ኩሉ ንክትገብር ትብዓት የድሊ። ትብዓት ዓቢይ ሓይሊ ኣተሓሳስባ እዩ ኢሎም ነሮም።  

ሰላም ዝምረጸሉ ምኽንያታት!

ዓለም ብዓለም ኣብ ቅልውላው ኣብ ዝነበረትሉ ብ1963 ዓም ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ፓቸም ኢን ተሪስ ወሰላም በምድር እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቲ ናብ አመንትን ኩሎም ሰብ ጽቡቅ ድላይን ብምጽሓፍ ከምታ ኣብ ልደት መላእኽቲ ስብሓት ለእግዚአብሔር ወሰላም በምድር ክብሉ ዝዘምርዋ ዓይነት መዝሙር ኰይና ዓቢ ምርጋግእ ፈጠረት። ከምዝዝከር ኣብቲ ዘመን እቲ ዝሑል ኲናትን ካልእ ነገራት ሎሚ ነዚ ኣብ መንጎ ሃገራት እንርእዮ ቅልውላውን ምስሕሓብን ብዓለምለኸ ደረጃ ኰይኑ ውድድር ኣዕናዊ ኣጽዋር ኲናት እውን ተሓዊስዎ ብርቱዕ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ከይለዓል ስግኣት ዝነበረሉ ግዜ ነበረ።

ንጸባጸብ እስኪ ዝብሉ ክመስሉ በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ስለምንታይ ሰላም ከምዝምረጽ ነቲ ምኽንያታት በብሓደ ምስ ኣቅረቡ ‘ብዝኾነ መለክዒ እንተጸብጸብና ልዕሊ ዝኾነ ፍሉይ ጥቅምታትን ኣብ ኣጽዋር እነንብሮ ምትእምማንን ምኽንያታት ሰላም ዝሓየሉ እዮም’ እንክብሉ ኩሉ ንሰላም ክመርጽ ጸዊዖም። ኣብ ትሕዝቶን እዋናውነትን ናይታ መልእኽቶ እንተተመልከትና ከምዛ ኣብ ዘመንና ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ፍራተሊ ቱቲ ኩልና ኣሕዋት ኢና እንክብሉ በብኩናዑ ገለን መሲልዎ ገለን ተታሊሉ ነንሕድሕዱ ዝባላዕ ዘሎ ዘመደ ኣዳም ዘቅረብዎ ጻውዒት ይመሳሰላ እየን።

ሎሚ እውን እንተኾነ ቅልውላው ሃገረ ኣፍጋኒስታን ብሓዲስ ናብ ካልእ ግጭት ንከይእቶ ብርቱዕ ጥንቃቀ የድሊ። ርግጽ እዩ ወረን ወረ ውግእን ብኩሉ መዳይ ይናፈስ ኣሎ። እንተኾነ ቤተክርስትያን ከም ወትሩ ሰላማዊ መጻኢ ንምህናጽ እንኮ ጉዳና ዘተን ጐዳና ሰላምን እዩ።

ኣደ ናይ ዘመንና ግጭታትን ሕንፍሽፍሽን ክንብላ እንኽእል ወረራ ኢራቅ ምስ ተኸስተ ዳርጋ በይኖም ድምጾም ዓው ኣቢሎም ኣይፋል ዝበሉ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ‘ብሓይሊ ቦምብ መጻኢ ሓንቲ ሃገር ክህነጽ ዝከኣል ኣይመስልን’ እንክብሉ ንሃገራቶም ወኪሎም ኣብ ቅድስት መንበር ኣካላት ዲፕሎማሲ ኰይኖም ንዝተቀበልዎም ብ1992 ዓም ገሊጾም ነበሩ። ተመሳሳሊ መልእኽቲ እውን ቅድሚ ሓደ ዓመት ብ1991 ዓመ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ዩጎዝላቭያ ሃገራት ኤውሮጳ ብናቶ ተመሪሐን ብደብዳብ ነፈርትን ቦምብታትን ዓቢ ዕንወት ምስ ኣስዓባ ተደጊሙ ነበረ።

እሞኸ ደኣ! ምኽንያታት ሰላም ብኸመይ ነደንፍዕ!

ወትሩ ድሕሪ ፍጻሜ ዝልብም ዝመስል ዓለምና ሎሚ ከም ሎሚ ኩነታት ሃገረ ኣፍጋኒስታን ብመስኰት መራኸቢ ብዙሓን እንክዕዘብ ተስፋ ቊርጸት ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ሕጻናትን ናይቶም ካብ ካቡል ርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን ነዛ ርሖም ሒዞም ክወጹ ፍጻሜ ዓለም ዝመስል ድራማ ኣቦታትን ኣደታትን ደቆም ብርእሲ መከላኸሊ መንደቅ ናብ ኢድ ወተሃደራት ኣመሪካን ኤውሮጳን ክውርውሩ ክትርኢ ከምዚስ ክድገም የብሉን ዝብል ሓሳብ ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ይቅጀል።

ርግጽ ዓለምና ካብዚ ዝገደደ ፍጻሜታት እውን ርእያ ትኸውን! እንተኾነ ክንዮዚ ስግር ኢልና ክንሓስቦ ዘሎና ጉዳይ ኣብ ከምዚ ዝበለ ድቅድቅ ጸልማት ገለ ምልክት ጩራ ሰላምዶ ክረከብ ይከኣል ዝብል እዩ። ዘዝሓለፈ ደኣ ንርስዖ ኰና እምበር ብ2013 ዓም ኣመሪካ ምስ መሻርኽታ ብሓይሊ ቦምባታት ኣብ ሶርያ ሰላም ከንግሥ እዩ። ኣብ ቅድመይ ዝጸንሐ ወይልኡ ምስ በለት። ዓለም ብዓለም ብኣርምሞ ሱቊ ኣብ ዝበለትሉ ግዜ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣይፍሉን ኣብዚ ድቅድቅ ጸልማት መንገዲ ሰላም ተረኺቡ ካብ ስቃይን ሞትን ሕዝቢ ክንድሕን ካልእ መንገዲ ኣሎ ስለ ሶርያ ጾምን ጸሎትን ንግበር ኢሎም ኣወጁ። ነዚ ጻውዒት መብዛሕትኦም መራሕቲ ካልእ እምነታት ምናዳ ብኣብዝሓ ኣብቲ ዞና ዝርከቡ ኣስላም ሃንጐፋይ ኢሎም ተቀቢሎሞስ ዓለም ብዓለም በዚ ሓሳብ እዚ ጾመትን ጸለየትን እግዚአብሔር ይመስገን እቲ ካብ ባሕርን ካብ ሰማይን ኣብ ልዕሊ ሶርያ ክዘንብ ተሓሲቡ በብዓይነቱ ኣሽማት ዝወሃቦ ቦምባታት ኣብ ማዕከኑ ተረፈ። ናይቲ ሽዑ ሓያል ጻውዒት ቅዱስነቶም ነፍሲወከፍ ኣብ ሕልናኡ ተመሊሱ ጽጹይ መርመራ ሕልና ክግበር ሓወይ ኣበይ ኣሎ ክብል እብል ዳርጋ ነቲ ድሕሮም ከም ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኩልና ኣሕዋት ኢና ኢሎም ዝጸሓፍዋ ዝመሳሰል ሓያል መልእኽቲ ኣመሓላለፉ።

ድሕሪ ደጊም ንኲናት ኣይፋል!

ሎሚ ከም ሎሚ ኣብ ቦታ ሕዝቢ ኣፍጋኒስታን ኰና ዘሕልፍዎ ጭንቅን ወሪድዎም ዘሎ ኣደራዕን እንክንምልከት ውህደትን ሰላምን ቅሳነትን ክረኽቡ እንተኾይኖም ኩልና ነታ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ 6ይ ብ1965 ኣብ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ደጋጊሞም ዝጨርሕዋ ማለት ‘ድሕሪ ደጊም ኣይፋል ንውግእ! ድሕሪ ደጊም ኣይፋል ንኲናት! ሰላም ጥራይ! ሰላም ጥራይ እዩ ዕጫ ሕዝብን መላእ ዘመደ ኣዳምን ክመርሕ ዘልዎ’ ምድጋም ከድልየና እዩ። ኣጽዋር ውግእን ኲናትን ፍታሕ ኣምጺኦም ኣይፈልጡን። ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ብ1991 ናብ ፕረሲደንት ሃገረ ኢራቅ ዝነብሩ ሳዳም ሑሰን ‘ማንም ዓለምለኸ ጸገም ብኣጽዋር ውግእ ኣድማዕን ቅኑዕን ብዝኾነ መንገዲ ክፍታሕ ኣይከኣልን’ ኢሎም ምስ ጸሓፉ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ንፕረሲደንት ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ዝነበሩ ጆርጅ ቡሽ ‘ንድሕሪት ክትመልሶ ዘይትኽእል ውሳኔ ካብ ምውሳድ ምቊጣብ የድሊ’ ኢሎም ጽሒፎም ነበሩ። ኮይኑ ቃላት ቅዱስነቶም ኣይተሰምዑን እቲ ሳዕቤን ከኣ ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመት ካብ ዝሓሰመ ናብ ዝሓሰመ ይሰጋገር ኣሎ።

ብሰላም ምንባር!

ሕዝቢ ኣፍጋኒስታን ብዘይካ ሓቀኛ ሰላም ንቅድሚ ክስጒም ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ። እዚ ከኣ ከምቲ ኣቀዲሞም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ብ213 ዓም ከምዝበልዎ ‘ሰላም ውህበት እግዚአብሔር ኰይኑ ብደቂ ሰባት ይስራሕ። ንሰላም ክተግህድ እንተተደልዩ መጀመርያ ናይ እግዚአብሔር ምዃንካን ኣብ እግዚአብሔር ከምዘሎኻን ኩልና ሓንቲ ሥድራቤት ዘመደ ኣዳም ምዃንካን ምርግጋጽ የድሊ’። ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እውን ደጋጊሞ ስለ ሃገረ ኣፍጋኒስታን እንክጽልዩን ንጸሎት እንክዕድሙን ‘ኣጽዋር ደው ይበል ሰላምን ዘተን ይንገሥ’ ዝብል ጻውዒት ኣቅሪቦም እዮም። እንኮ መንገዲ ሕዝቢ ኣፍጋኒስታን ጐዳና ሰላምን ጐዳና ሕውነትን ክኽተለሉ ዝኽእል ከኣ እዚ መንገዲ እዚ እዩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
26 Aug 2021, 18:53