ድለ

መዓልቲ ኣንጻር ንግድ ሰብ፥ ካብ እስያ ኽሳዕ ኣመሪካ ቃላሲ ንውሕስነት ሰብኣዊ ክብረት መዓልቲ ኣንጻር ንግድ ሰብ፥ ካብ እስያ ኽሳዕ ኣመሪካ ቃላሲ ንውሕስነት ሰብኣዊ ክብረት 

መዓልቲ ኣንጻር ንግድ ሰብ፥ ካብ እስያ ኽሳዕ ኣመሪካ ቃላሲ ንውሕስነት ሰብኣዊ ክብረት

ንግድ ደቂ ሰብ ጥጡሕ ባይታ ዝረክብ ኣብቲ ብዘይ ቀጥዕን ስነ ምግባርን ማሕበራውን ማሓድሮኣውን ደረታት ዘየግድሶ መኽሰብ ጥራሕ ዝብል እዋናዊ ናጻዊ ርእሰ ማልነት ብጸቕጢ ኣብ ዘቑሞ ዕዳጋ እዩ

ዕለት 30 ሓምለ እታ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ውሳኔ መሰረት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸረ ንግድ ሰብ፡ እቲ ልዕሊ 3 ሺሕ ካቶሊካውያን ደናግል ዝሓቘፈ ዓለም ለኻዊ ጸረ ንግድ መርበብ ታሊታ ኵም እተሰምየ ማሕበር ኣብ መላእ ኵርናዕ ዓለም እተፈላለየ ተበግስቶታት ከምዘካየደ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ዝኣመተ ግብረ ሰናይ ንምድንፋዕ እቲ ሰብ ከም ውዳቕ ዝሓስብ ጓሓፋይ ባህሊ ንምቅላስ ከምኡ እውን ንሰብኣዊ መሰላት ምክልኻልን ሰብኣዊ ክብረት ውሕስ ንምግባር ዘኽእል መደብ ክነቓቓሕ ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ሕቶ እዩ። ዕላማ እቲ ኣብ 2013 ዓ.ም. ብሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ውሳኔ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዕለት 30 ሓምለ ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸረ ንግድ ሰብ፡ ብዛዕባ እቲ ንብዙሓት ዜጋታት ዓለም ዝትንክፍ ናይ ስቓይ ጭቡጥ ኵነት ብምትኳር ምዝመዛ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ከብቅዕ ጻውዒት ዝቐርበሉን ዝተፈላለዩ መደባት ዝነቓቕሓሉን ዕለት እዩ።

ሓልዮትን ኣኽብሮትን

ንጐረቤትካ ምክንኻን። ነቶም ግዳያት ንግድ ሰባትን በዚ ኢሰብኣዊ ተግባር እዚ ንዝቖሰሉ ምሕዋይ። እታ ኣህጉራዊ ጸረ ንግድ ሰብ መርበባዊት ማሕበር ታሊታ ኵም፡ ነዚ ኽንክን እዚ መዓልታዊ መደብ ኣገልግሎቱ ገይሩ ዝቐሳቐስ እዩ። ነዚ ድማ ነቲ ቕድሚ ሓደ ሰሙን እተጀመረ እሞ ንግድ ሰባት ንምቅላስ ኣብ እንገብሮ ኵሉ ጉዕዞ ማለት ነቶም ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ምክንኻን ነቶም ግዳያት ምሕዋይ ከምኡ እውን ነቶም ብህይወት ዝተረፉ ምክንኻን ለውጢ ኼምጽእ ከም ዝኽእል፡ እዚ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር እዚ ካብ ሱሩ ክመሓው ዘተባብዕ “ብጸረ ንግድ ሰብ ዝሳቐዩ ምክንኻን” ብዝብል ጭርሖ ወፈራ ከምዘበገሰ ዝዝከር ኮይኑ፡ እዚ ወፈራ እዚ ልክዕ ከም ሓንቲ ኣብ ውቅያኖስ ኣትርከብ ንጣብ ማይ ኣብ ኵሉ ዅርናዓት ዓለም ማለት ካብ ሃገራት እስያ ክሳዕ ኣመሪካ ካብ ሰሜን ክሳዕ ደቡብ ካብ ምብራቕ ክሳዕ ምዕራብ ተበግሶታቱ ክስስን ይርአይ ኣሎ።

መንእሰይ ወለዶ ንናይ ጸረ ንግድ ሰብ ተግባር ልኡካን

ናይቲ ኣብ ዓለም ንጸረ ንግድ ሰብ ዝዓይን ግዳያት ናይዚ ጸረ ንግድ ሰብ ዝኾኑ ዝከናኸን ብናይ መላእ ደናግል ማሕበር ዝቖመ ዓለም ሓቆፍ መርበባዊ ማሕበር ታሊታ ኵም ኣህጉራዊ ኣወሃሃዲት እናቴ ጋብርኤላ ቦታኒ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ እስያ ዝተወለደ እሞ ኣብ ተምክሮ እቶም ካብቲ ናይቶም ናይዚ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ዝሰገርዎ ሰባት ተመርኵሱ ዘርኢ ተስፋ ዝዘርእ ምዃኑ ገሊጸን፥ ምቅዋን ምቅላስን ወትሩ ኣብ መወዳእታ እቲ ጉሕጓሕ - ገለርያ ጩራ ብርሃን ምድላይ።

ዕለት 30 ሓምለ ነቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ክፍታሕ ዘለዎ ጸገም ኣትኵሮ እንገብረላ ኣገዳሲት ዕለት እያ፡ እቲ በገሶታትክን ድሮ ፍረ ኣፍርዩ እዩ፡ ብፍላይ ኣብ ክፍለ ዓለም እስያ እቶም ቀንዲ ናይዚ ተግባር እዚ መንእሰያት ማለት ኣንጻር ንግድ ሰብ ናይ ዝግበር ቃልሲ ልኡካን እዮም። እወ እቲ እስያዊ መርበብ ብፍላይ ከኣ ኣብ ደቡብን ደቡብ ምብራቕ ሃገራት እስያ ዝተዘርገሔን እዚ በቶም ነቲ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ንምብዳህ ዝዓዩ መንእሰያት ናይ ጸረ ንግድ ሰብ ኣገልግሎት ልኡካን ዝኾነ ብብርቱዕ ተሳትፎ ዝሳለጥ እዩ። ኣብ ከባቢኦም ምስቲ ዘሎ ህልው ኵነታት ንግድ ሰብ ናይ ምቅዋምን ምቅላስን ባህሊ ዘስፍሑ ፍቕያ እያቶም። ነዚ ተበግሶ እዚ ንምፍጻም ሓንቲ ካብቶም ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ታሊታ ኵም ዝኾና ነዚ መደብ እዚ ኣብ ከባብኤን ዘሰንያ ጆይ ኤዘኪየል ዝተባህላ መንእሰይ ተዋፊረን የገልግላ ኣለዋ። ካብ ንግድ ሰብ ዝደሓናሉ ብሕታዊ ተመክሮኤን ኣብ ጸረ ንግድ ሰብ ቃልሲ ኣገዳሲ ሃብቲ እዩ ኢለን።

ልኡካን ፍቅያ ተባሂሎም ዝግለጹ መንእሰያት ኣብዚ ውግእ እዚ ግንባር ቀደም ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ምስክርነት እቶም ካብቲ ጸረ ንግድ ሰብ ዝደሓኑን ካብቲ ዝወደቕሉ ክብሪ ሰብ ዝሓክኽ ኵነት ምልቓቕ ዘይከኣል ኰይኑ ንዘይስምዖን ኣገዳሲ እዩ፡ እወንታዊ ዛንታታት ነቶም ምልቓቕ ኣይከኣል ቢሎም ንዝሓስቡ ምፍላጥ ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳስነቱ? እዚ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ማሕበራው መራኸቢ ብዙሓንን መርበብ ሓበሬታን እሞ ሕስብ ነብል። መንእሰያት ነዚ ምስክርነት እዚ ኪሰምዕዎ ብሓቂ ካብቲ ጸገም ንኽላቐቑ ንዝብል ድላዮም መተባብዒ እዩ። እቲ እወታዊ ተመክሮ ኣጸጋምን ዓመጻ ዝመልኦን ዘሳቕን ክውንነት ጥራይ ዘይኮነስ ተስፋ ዝመልኦ እውን እዩ። ካብቲ ንግድ ሰብ ዘሳልጡ ዝጥቀምሉ ሕልምታት ኣክንድኡስ ሕልሚ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ጽቡቕ ምዃኑ ዝምስክር እዩ። ስለዚ ካብቲ ጸገም ዝተናገፈ ምስና ሓቢሩ ኣብ ጸረ ንግድ ሰብ መዳይ ክንቀሳቐስ ኣብ ክውንነት ረጊጽና ምንባርን ብርእስን ልብን ሰናይ ትምኒት ንምኽዋን ኣሚትካ ምንባር ንዝግር ጻዕሪ መሰረታዊ እዩ ኢለን። ስለዚ ኣብ ቃልሲ ጸረ ንግድ ሰብ ተመክሮ ናይቶም ካብቲ ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ ክብረት ዝሓክሕ ጸያፍ ተግባር ዝተናገፉ ልዑል ኣገዳስነት ኣለዎ ኢለን። . . .

እቲ ር.ሊ.ጳ. ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት እተዛረብዎ ነቶም መዓልታዊ ጸረ ንግድ ሰብ ዕላማ እተቃለሱ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ኣገዳሲ? እዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብመልክዕ ምስልን ኣምላኽ እተፈጥረ ክብረት ሰባት ብዅሉ ስፍሓቱ የጒልሑ። ባዕሎም ከምዝበልዎ፡ ንግድ ሰብ ብሰንኪ ማእከልነት ኢጐነትን ማእከል ውልቀ ሰብነትን ከምኡ እውን ብሰንኪ ግጉይ ናይ ምጥቃም ባህሪ እዩ ዝፍጠር። ር.ሊ.ጳ. ንግድ ሰብ ክንቃለሶን ነቶም ኣደዳ ዝኾኑ ቀረባ ክንክውንን ነዚ በሰላ እዚ መዓልታዊ ንምሕዋይ ክንሰርሕ የተባብዑና። ነቲ ኣብ መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ማሕበር ታሊታ ኵም ንእተሳተፉ ሰባት ዘስምዕዎ መደረ ኣጸቢቐ ኢየ ዝዝክሮ። ኣብ ዓለም ኣብ ዝርከብ ኵሉ ቦታታት ምእንቲ ክንበጽሕ ነዚ ተልእኾ እዚ ኣገልግሎት ብሕታዊ ሃብትታትናን ገዛእ ርእስናን ከነወፍን ኣውያት ናይቶም ኣብ መጻወዲያ ንግድ ሰብ ወዲቖም ናይ ዝሳቐይ ህዝቢ ክንሰምዕ ሓቲቶምና እዮም ኢለን።

ቃላት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ብምኽንያት ሻብዓይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎትን ኣስተንትኖ ጸረ ንግድ ሰብ “ኣልቦ ምዝመዛን መኽሰብ ጥራይ ዘይብል ንሰብ ዝሓልይ ቍጠባ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላልፍዎ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ብእዋናዊ ናይ ጊልያነት ኣግባብ ዘይተጸልወ ኤኮኖሚ ረባሕታ እንከመላኽቱ፥”ቍጠባ ሕጋዊ መኽሰብን ናይ ሰራሕ ዕድል ምዕባይን ቅኑዕ ናይ ስራሕ ኵነታት ምንቕቓሕን ዘጣመረ ክኸውን ምግባር ትብዓት ይሓትት” እንክብሉ ንሰባትን ንተፈጥሮን ከም ዚከናኽን “ናይ ሓድነት ቍጠባ እዩ” ቢሎም፥  “ንግድ ሰብ ዘይብሉ ቍጠባ በቲ “ፍሉይ ተገዳስነት ንውልቃዊ ረብሓ ዘይኮነስ ፍትሒ ዘተባብዕ ሕግታት ዕዳጋ” እዩ ክምራሕ ዘለዎ” ቢሎም፥

ንግድ ደቂ ሰብ ጥጡሕ ባይታ ዝረክብ ኣብቲ ብዘይ ቀጥዕን ስነ ምግባርን ማሕበራውን ማሓድሮኣውን ደረታት ዘየግድሶ መኽሰብ ጥራሕ ዝብል እዋናዊ ናጻዊ ርእሰ ማልነት ብጸቕጢ ኣብ ዘቑሞ ዕዳጋ እዩ፡ ነዚ ምስዓብ፥ ጥቕሚ ጥራሕ ዝብል ምርጫታት ኣብ መምዘንታት ስነ ምግባር ዘይተመርኮዘ ይዀኑን በዚ ድላይ’ዚ መሰረት ከኣ ብዙሕ ግዜ ሰብኣውን ማሓድሮኣውን ዘኽብር ብዝመስል ኪደት ውልቃዊ ረብሓ ክዕብልል ይርአይ፡ እዚ ኸኣ ምርጫታት ንሰብ ከም ሰብ ብምርኣይ ዘይኮነ ከም ቁጽርን ተመዝማዝን ገርካ ካብ ምምልካት ዝነቕል እዩ።

ከምዝበሉን መልእኽቶም እንከጠቓልሉ፥ “ንግድ ሰብ ዘይብሉ ቍጠባ በቲ “ፍሉይ ተገዳስነት ንውልቃዊ ረብሓ ዘይኮነስ ፍትሒ ብዘተባብዕ ሕግታት ዕዳጋ” እዩ ክምራሕ ዘለዎ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ጸረ ንግድ ደቂ ሰብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2015 ዓ.ም. ዘቖምዎ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ኸኣ ካብ ምዝመዛ ናጻ ዝኾነ ሓድሽ ናይ ኤኮኖሚ ተመክሮ ንምንቕቓሕ ኣሚቶም ከምዝኾነ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎትን ኣስተንትኖ ጸረ ንግድ ሰብ ዕለት 8 ለካቲት ንኽበዓል ዝደለየሉ ምኽንያት እታ ኣብ ሕይወትን ኣደዳ ምዝመዛን ጊልያነትን ተመክሮ ዝነበረት ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸረ ጊልያነት ኵላዊ ትእምርቲ ዝኾነት ጓል ቤተ ክርስቲያን ቅዱስቲ ባኪታ ኣብ እትዝከረሉ ዕለት ብምዃኑ ዓቢይ ግምት ብምሃብ ኮይኑ፡ እቲ ታሊታ ኵም ፡  ዝብል ብናይ መላእ ማሕበራት ደናግል ላዕለዎት ኣሕሉቕ ዝሓቁፍ ጉባኤ ዝቖመ በቢ ዓመቱ ብዘሰናድዎ መደብ ዝበዓል ኮይኑ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ 2013 ዓ.ም. ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዕለት 30 ሓምለ ብዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸረ ንግድ ሰብ ዝዝከረሉ ዕለት ክኸውን ከምዝወሰነን ዕላማ ናይዚ ተበግሶ እዚ ኣብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብዛዕባ ኵነታት እቶም ግዳያት ንግድ ሰብ መጠቐቕታ ንምሃብን መሰላቶም ንምጥባቕን እዚ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር እዚ ካብ ዓለም ክጠፍእን ዝብል ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

31 July 2021, 08:46