ር.ሊ.ጳ. ምስ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ዓለም ብሓባር ይጽልዩ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ክሱት መልእክቲ ኸኣ እቲ ለብዒ ክብዳህን ውግእ ደው ክብልን ናብ ጐይታ ልመናኦም ክብ ብምባል፡ ነቲ ናይ ጐይታ ምጽንናዕን ህያው ህላወን ፈጺሙ ዘይጐድሎ ሓጐስን ጸገማትን ዝበራረዮ እውን እንተኾነ ነቲ ነዊሕ ዕድመ ስለ ዝባርኾ ምስጋናኦም የቕርቡ

ብመሰረት እታ ሰንበት ዕለት 25 ሓምለ ቀዳመይቲ መዓልቲ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣረጋውያንን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስቶም ካብ መላእ ክፍለ ዓለማት ዝተዋጽኡ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ብሓባር ነቲ ለብዕን ውግእን መወዳእታ ክግበረሎም ከምኡ እውን ስለ እቲ ብሓጐስን ጸገማትን ዝበራረዮ ግን ከኣ ካብ ኣምላኽ ምጽንናዕ ዘይጐደሎ ነዊሕ ዕድመ ብክሱት መልእኽቶም ኣቢሎም የመስግኑ። ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፊዚከላ ዕለት 25 ሓምለ ዝበዓል ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣረጋውያንን ምኽንያት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ከሰርዑ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓደ ድምጺ ኣብ ብዙሓት ውጅህታት፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዝርከቡ ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ቀንደይና ተዋሰእቲ ዝኾኑላ ዕለት ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን እተፈላለየ መበቈልን ሕብርን ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን ሰብ ሓዳር ብኣካላዊ መዳይ ዝተረሓሓቑ እኳ እንተ ኾኑ  እምነትን ጸሎትን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኮነ ምስ መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ከም ዚቐራርቡ ይገብሮም። ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ክሱት መልእክቲ ኸኣ እቲ ለብዒ ክብዳህን ውግእ ደው ክብልን ናብ ጐይታ ልመናኦም ክብ ብምባል፡ ነቲ ናይ ጐይታ ምጽንናዕን ህያው ህላወን ፈጺሙ ዘይጐድሎ ሓጐስን ጸገማትን ዝበራረዮ እውን እንተኾነ ነቲ ነዊሕ ዕድመ ስለ ዝባርኾ ምስጋናኦም የቕርቡ። ኣብቲ ብዝተፈላለየ ድምጽታት ኣረጋውያን ኣብ ዝቐርብ ጸሎት ናይቶም ኣብ ዓለም ካብ ዝርከቡ ብጹዓን ጳጳሳት ብዕድመ ዝደፍኡ 101 ዝዕድመኦም ብጹዕ ኣቡን ላውረንት ኖኤል ይሓብሩ።

መዓልቲ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስን መላእ ሰበኻታትን

ናይታ ር.ሊ.ጳ. ብፍቓዶም ዕለት 25 ሓምለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣረጋውያንን ዝበዓለሉ ዕለት ክኸውን ናይ ዝወስንዋ መዓልቲ ጸሎት ምኽንያት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዓርግ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ካብ ሰበኻ ሮማን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንማእከላይ ዕድመ ናይ ዝዋስኣ ማሕበራት ዝውክሉን ብጠቕላላ ክልተ ሺሕ ዝግመቱ ምእመናን ክሳተፉ ምዃኖም ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዕለት 24 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ፥ ኣብ ምዝዛም መስዋዕተ ቅዳሴ መንእሰያት ብምኽንያት ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣረጋውያንን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.  “መዓልቲ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ”ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዋ መልእኽትን ዕንበባን ንኣረጋውያን ገጸ በረኸት ከቕርቡ ምዃኖም የመላኽት።

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ሰበኻታት እውን ብዝተፈላለየ መንፈሳውን ባህላውን መዳያት ክበዓል ምዃኑ ኣመላኺቱ፡ ኣስዒቡ ብውሳኔ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 25 ሓምለ ምስ እተብዕሎ ዓመታዊ ክብረ በዓል ወለዲ ማርያም ቅዱስ ኢያቄምን ቅድስቲ ሃናን - ኣቦሓጎን ኣደሓጎን ኢየሱስ - ተተሓሒዙ ከምዝበዓልን፥ ነዚ እውን እቲ ጳጳሳዊ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፡ በቲ ብኣኡ ዝምራሕ ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንኣረጋውያን ኣቢሉ ምስንዳዋት ከምዝገበረን ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣብ ማእከል ማሕበረሰብ ምግባር ዝድግፍ ዓቢይ ኣጋጣሚ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ። ኣብ ኵለን ሰበኻታትን ቍምስናታትን መንፈሳውያን ማሕበራትን ገዳማትን ኣረጋውያን ዝበዓልሉን መንእሰያት ምስ ኣረጋዊ ክፍሊ ሕብረተሰብ ክራኸቡ ምትብባዕ ዝግበረሉን ነዚ ኸኣ ኣብ ዙሪያ መንበረ ታቦት ብምብዓል ኣረጋውያን ጸጋ ምዃኖም ዝምስከረላ ዕለት ከምዝኾነትን ምስ እዛ ዕለት እዚኣ ብምትሕሓዝ ጳጳሳዊ ቤተ ኑዛዜ እውን፡ ዕለት 25 ሓምለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎአታትን ብኣካል ድዩ ብምናባዊ ኣገባባት ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ኣሕዋትና ኣሓትናን ኣረጋውያን ከምኡ እውን ንህሙማንን ዝተጠንጠኑን ጒድዓትን ኣረጋውያን” ቀረባ ንምዃን ግዚኡ ዝስውእ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ክጽገው ከምዃኑ ቅድም ክብል ኣብ ዘውጸኦ ሰነድ ከምዝሓበረ ኣዘኻኺሩ፥ ብምኽንያት ነቶም ኣብ መዓልቲ ዓለም ሓቆፍ ኣቦሓጎን ኣደሓጎን ኣረጋውያንን ዝፍጸም መንፍሳዊ ስነ ስርዓት ብቐጥታ ክሳተፍ ዘይኽእሉ፡ ብመራኸቢ ብዙሓን ዝሳተፉን ዝከታተሉን እውን ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ክጽገዉ ምዃኖም የመላኽት። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እታ ዕለት 25 ሓምለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን እነቕርቦ ጸሎት፥

ዎ ጐይታ አመስግነካ

ብህላወኻ ስለ እተጸናንዕ፡

ኣብ በይናውነት ንስኻ ተስፋይን ትውክልተይን ስለ ዝኾንካ አመስግነካ!

ካብ ንእስነተይ ኣትሒዝካ ሓይለይን ዕርደይን ንስኻ ኢኻ፡

ስድራ ቤትን ነዊሕ ዕድመን ስለ ዝሃብካኒ አመስግነካ፡

ኣብ ሓጐስን ጸገምን ህሞት አመስግነካ፡

እቲ ሕልምታት ኮነ ገና እቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ ኵሉ ክፍጸም እዩ፡

ስለ እቲ ናብቲ ዝጸዋዕካኒ ንሕዱስ ፍርያም ህሞት አመስግነካ!

ዎ ጐይታ እምነተይ ኣዕብያ፡

ናይ ሰላምካ መጋበርያ ግበረኒ፡

ነቲ ካባይ ንላዕሊ ኣብ ስቓይ ዝርከብ ከእንግድን ምሕላም ከየቋርጽን

ዘደንቕ ነገራትካ ድማ ንሓድሽ ወለዶታት ከዘንትው መሃረኒ!

ብርሃን ወንጌል ኣብ ጫፍ ምድሪ መታን ክበጽሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቤተ ክርስቲያንን ምርሓዮምን ዓቅቦምን፡

ዓለም ምእንቲ ከተሐድሳን ህቦብላ ለብዒ ምእንቲ ክሃድእን ድኻታት ክጸናንዑን ወግእ ኩሉ ከብቕዕን

መንፈስካ ልኣኽ፡

ኣብ ድኻምነተይ ደገፍ ኩነኒ፡

ወትሩ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳይ ከም ዝዀንካ ርግጸይና ብምዃን ኣትጽግወኒ ነፍሲ ወከፍ ህሞት ብምልኣት መታን ክነብሮ ደግፈኒ፡

ኣሜን!

ዝብል ምዃኑ የመላኽት።

ር.ሊ.ጳ. ዝበሃግዎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣረጋውያንን

ከምቲ ነቢይ ዮኤል ዝብሎ፥ “ ኣቦ ሓጐታት ኣብ ቅድሚ ደቂ ደቆም ይሓልሙ፡ መንእሰያት ከኣ ካብ ኣቦ ሓጐታቶም ሓይሊ ይረኽቡ”፥ ኣብ ወርሒ ሓምለ ራብዐይቲ ሰንበት 2021 ዓ.ም. ብላቲን ስርዓተ ኣምልኾ ዓመታዊ ክብረ በዓል ወለዲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቅዱስ ኢያቄምን ሃናን ምስ ዝበዓለሉ ዕለት ተተሓሒዙ ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣቦ ሓጐታትን ኣደ ሓጐታትን ኣረጋውያንን ተዘኪሩ ክውዕል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 31 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ዕለተ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ፥ ናይ ብዕድመ ምድፋእ ናይ እርግና ጸጋን ቅድመናን ንኣናን ሕይወትን እምነት ዝዓቀቡን ዘመሓላለፉን እነብዕለሉ ዕለት እዩ እንክብሉ ከምዝገለጹን ንናይ 2021 ዓ.ም. ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣረጋውያንን ዘመሓላለፍዎን መልእኽቲ ዕለት 22 ሰነ 2021 ዓ.ም. ወግዓዊ ከምዝኾነ ይዝከር።

24 July 2021, 11:12