ር.ሊ.ጳ. ጽቡቕ ከምዘለዉን ዕለታዊ ዕዮኦም በብቝሩብ ይጅምሩ ር.ሊ.ጳ. ጽቡቕ ከምዘለዉን ዕለታዊ ዕዮኦም በብቝሩብ ይጅምሩ 

ር.ሊ.ጳ. ጽቡቕ ከምዘለዉን ዕለታዊ ዕዮኦም በብቝሩብ ይጅምሩ

ኵነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዘሎን ክሳብ ሕጂ ዝገበርዎ መርመራ ደም ኮነ ካልእ ኵሉ ዝተፈላለየ መርመራትታት ዘዕግብ ከምዝኾነን

ዕለት 4 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ቐትሪ ዝነበሮም ናይ ቐጸላታት ስርዓተ መትኒ መዓናጡ ሕማም ንምፍዋስ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ከምእተገበረሎም ዝዝከሮ ኮይኑ ድሕሪ ዝተገበረሎም ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ጥዕናኦም እውን ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ከምዘሎን ህክምንድህረ መጥባሕቲ ኣብቲ ጀመሊ ንሸውዓተ መዓልቲ ሕክምና ክከታተሉ ሓኻይሞም ከምዝወሰኑን ጥዕናኦም ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝርከብን ቀስ ብቐስ እውን ዕዮኦም ይጅምሩ ከምዘለዉ ብሩኒ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዕለት 10 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ኵነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዘሎን ክሳብ ሕጂ ዝገበርዎ መርመራ ደም ኮነ ካልእ ኵሉ ዝተፈላለየ መርመራትታት ዘዕግብ ከምዝኾነን ዝተኣዘዘሎም ሕክምና እውን ብጽቡቕ ይሳልጥ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

ቅስ ብቐስ እውን ዕለታዊ ዕዮኦም ካብ ዝርከቡሉ ቤት ሕክምና ኮይኖም ይቕጽሉ ከምዘለዉን ብእግሮም እውን ይንቀሳቐሱን ድሕሪ ቐትሪ እውን ኣብቲ ኣብ ጀመሊ ቤት ሕክምና ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ብግሎም ጸሎት ይገብሩን እቶም ብቀረባ ዝከታተልዎም ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ እውን ከምዘዕርጉ ይሕብሩ።

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ህሙማን ብፍላይ ነቶም ተነቐፍቲ ምእላይ ዕለታዊ ዕዮኦም ገይሮም ዝነብሩን ንዝሳቐዩ ብርህራሀ ቀረባ ንምዃን ዝመረጹ ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ብፍሉይ ይሓስብዎምን ምእታኦም እውን ይጸልዩ እንክብሉ ብሩኒ ሓቢሮም ሰንበት ዕለት 11 ሓምለ ቅዱስነቶም ፍርቂ መዓልቲ ካብቲ ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ካብ ዝርከብሉ ዓስራይ ደርቢ ኮይኖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከዕርጉ መደብ ከምዘለዎም ኣዘካኺሮም ዝሃብዎ መግለጺ ዛዚሞም።

10 July 2021, 18:39