ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ፥ ኣብ ስሩዕ ምክትታል ኵነታት ጥዕናኦም ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ፥ ኣብ ስሩዕ ምክትታል ኵነታት ጥዕናኦም 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ፥ ኣብ ስሩዕ ምክትታል ኵነታት ጥዕናኦም

ቅዱስነቶም ድሕሪ እቲ ዝተገብረሎም መጥባሕቲ ኵነታት ጥዕናኦም እናተመሓየሸን ይኸይድ ከምዘሎን ዕረፍቲ ገይሮምን ኣብ ጸሎትን ዕለታዊ ጋዜጣታት ኣብ ምንባብን ብእግሮም እውን ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉን

ዕለት 4 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ቐትሪ ዝነበሮም ሕማም ናይ ቐጸላታት ስርዓተ መትኒ መዓናጡ ንምውጋድ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ሰለስተ ሰዓት ዝወሰደ ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ከምእተገበረሎም ዝዝከር ኮይኑ፡ ብመሰረት ውሳኔ እውን ቅዱስነቶም ኵነታት ጥዕናኦም ድሕሪ ናይ ሕክምና መጥባሕቲ ኣብቲ ቤት ሕክምና ኮይኖም ይከታተሉ ከምዘለዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ድሕሪ ዝተገብረሎም ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ኵነታት ጥዕናኦም ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዘሎን ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 4 ሓምለ ኣትሒዞም እውን ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ከምዘለዉን ዕለት 6 ሓምለ ምሸት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፥ ቅዱስነቶም ድሕሪ እቲ ዝተገብረሎም መጥባሕቲ ኵነታት ጥዕናኦም እናተመሓየሸን ይኸይድ ከምዘሎን ዕረፍቲ ገይሮምን ኣብ ጸሎትን ዕለታዊ ጋዜጣታት ኣብ ምንባብን ብእግሮም እውን ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉን፥ ድሕሪ ናይ መጥባሕቲ ሕክምና መዓልታዊ ልሙድን ስሩዕን መርመራታት እውን ይከታተሉ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም።

08 July 2021, 17:31