ር.ሊ.ጳ. ኣብ ልዕሊ ርእሰ ብሔር ሃይቲ ዝተፈጸመ ቅትለት “ሰዝካሕክሕ ቅትለት” እንክብሉ ኮኒኖም ር.ሊ.ጳ. ኣብ ልዕሊ ርእሰ ብሔር ሃይቲ ዝተፈጸመ ቅትለት “ሰዝካሕክሕ ቅትለት” እንክብሉ ኮኒኖም 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ልዕሊ ርእሰ ብሔር ሃይቲ ዝተፈጸመ ቅትለት “ሰዝካሕክሕ ቅትለት” እንክብሉ ኮኒኖም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት መቕተልቲ ርእሰ ብሔር ሃይቲ ጆቨነል ሞይዘ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ብይብጻሕ ናብቶም ኣብ ሃይቲ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፍራንሲስኮ ኤስካላንተ ሞሊና ኣቢሎም ንሃገረ ሃይቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ በቶ ኣብ ሃይቲ ብዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓርያዊ ልኡኽ ኣቢሎም ናብ ሃገረ ሃይቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ፥ እቲ ካብ ዕለት 6 ሓምለ ናብ ዕለት 7 ሓምለ ዘሰጋግር ለይቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ሃይቲ ርእሰ ብሄር ዝተፈጸመ ቅትለት ዘስካሕክሕ ቅትለት እንክብሉ ኮኒኖም፡ ምእንቲ እተን ዝቖሰላን ኣብ ሚያሚ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ኣብ ጽኑዕ ሕክምና ዝርከባ ቀዳማዊት በዓልቲ ቤት ርእሰ ብሔር ሃይቲ ጸሎቶም ከምዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት መቕተልቲ ርእሰ ብሔር ሃይቲ ጆቨነል ሞይዘ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ብይብጻሕ ናብቶም ኣብ ሃይቲ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፍራንሲስኮ ኤስካላንተ ሞሊና ኣቢሎም ንሃገረ ሃይቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፥ “ዓመጽ ንጸገማትን ግጭታትን ዝፍትሓሉ መገዲ ገይርካ ምቕባሉ ጌጋ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ግጭት ዓመጽን ጽልእን ዘብእስ እዩ” ቢሎም ነቲ ዝተፈጸመ መቕትለቲ “ዜስካሕክሕ ቅትለት” እንክብሉ ገሊጾም፡ “ንዅሉ ዓይነት ዓመጻ ንጸገማትን ግጭታትን ብዓመጽ ንምፍታሕ ዝግበር ጻዕርን ኮኒኖም፡ ሰላም ብመጋበርያ ሰላም ጥራሕ እዩ ዝዕወት” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምእንቲ እተን ከቢድ መጒዳእት ዝወረደን ቀዳማዊት ማራቲነ ሞይዘ ጸሎቶም ካብቲ ንሕክምና ካብ ዝርከብሉ ቤት ሕክምና ጀመሊ ኮይኖም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ከምዘረጋገጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዕለት 8 ሓምለ ቀዳማዊት ማርቲነ ሞይዘ ዓሪፈን ዝብል ዜና ተመሓላሊፉ ከምዝነበረን ኣብ ረፓብሊካዊት ዶመኒካን ናይ ሃይቲ ልኡከ መንግስቲ ነዚ ዜና ሓሶት እዪ ቢሎም፡ ማርቲነ ሞይዘ ብነፋሪት  ናብ ማያሚ ተወሲደን ኣብ ቤት ሕክምና ዝኽሪ ጃክሶን ኣብ ጽኑዕ ሕክምና ኣለዋ እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ጠቒሱ፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሕክምና ንዝርከባ ቀዳማዊት ማርቲን ሞይዘ ንዑቕባ ምሕረት ኣምላኽ ኣወኪፎም፥ ነቶም ዝተቐትሉ በዓል ቤተን ርእሰ ብሔር ጆቨነል ሞይዘ እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎም እጽልይ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ንሃይቲ ስኒት ዝዓሰሎ መጻኢ ይምነዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ኣብ 2010 ዓ.ም. ዘጋጠመ ዕንወት ዝመልእ ርእደ መሬት በቲ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቍጠባውን ዘስዓበ ዓመጽን ወራራትን ዕልዋታትን ጭቈናን ዘይምርግጋእ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ የብል ምህላዉን ካብዚ ሓሊፉ እውን ዝርአይ ዘሎ ምፍሳስ ደም ዘሕድረሎም ጓሂ ገሊጾም፡ ነቲ ፍቝር ሕዝቢ ሃይቲ ናይ ሓባር ስኒትን ሓድነትን ብልጽግናን ተመንዮም፥ እግዚኣብሔር ንመላእ ሃገረ ሃይትን ሕዝባን ፍድፋድ መለኮታዊ በረኸት ከውርድ ጸሎተይ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ቅዱስነቶም ዕለት 1 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ንሮማን መላእ ዓለም ሓዋርያዊ ቡራኬ ኣብ ዝሃብሉ እዋን

2021 ዓ.ም. ሓድሽ ዓመት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ንከተማ ሮማን መላእ ዓለምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ኣብ ዝሃብሉ እዋን ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ካብተን ዝዘከርወን ኣብ ጽንኩር ማሕበራውን ፖለቲካውን ቍጠባውን ቅልውላው ዝርከባ ሃገራት ሃይቲ ሓንቲ ምዃን ክዝከር እንከሎ፥ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብታ ሃገር ኣብ 1983 ዓ.ም. ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ትስፍውቲ ሃገር ክትከውን፥ “ፍቝር ህዝቢ ሃይቲ ብጸገማት ክዕብለል ዘይኮነስ ንመጻኢ ብምትእምማንን ብተስፋን ከማዕድው” ዘቕረብዎ ለበዋ ዘኪሮ፡ ሓሳበይ ናባኹም ሃይታውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን እገብር፡ ገድልታትኵም ኩሉ ክፍታሕ ዘየቋርጽ ጸሎተይ እዩ፡ ምእንቲ እዚ ብሓባር ንጸሊ” እንክብሉ ኵሉ ኣብዚ ጸሎት እዚ ክሓብር ጻውዒት ኣቕርቢም ከምዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

09 July 2021, 16:40