ድለ

ፍራንቸስኮ ኣብ ሃንጋርን ስሎቫኪያን ናይ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ መርሓ ግብሪ ፍራንቸስኮ ኣብ ሃንጋርን ስሎቫኪያን ናይ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ መርሓ ግብሪ 

ፍራንቸስኮ ኣብ ሃንጋርን ስሎቫኪያን ናይ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ መርሓ ግብሪ

ንዅሎም እቶም ነዚ ጉዕዞ እዚ ዜዳልዉ ዘለዉ ኣዝየ አመስግን ምእንታኦም ድማ እጽሊ። ምእንቲ እዚ ጉዕዞ እዝን ምእንቲ እቶም ንኸዳልዉ ዝተወደቡ ሰባት ኵላትና ንጸሊ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 12 ክሳብ ዕለት 15 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብ ሃንጋርን ስልቫኪያን ናይ ዘካይድዎ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ መረሓ ግብሪ ብወግዒ ተገሊጹ። ቅዱስነቶም ኣብ ቡዳፐስት ዝኻየድ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን መዛዘሚ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑን ከተማ ኮሺይቸን ፕሮሾቭን ሻሽቲንን ክበጽሑን ምስ መንእሰያትን ጳጳሳትን ምስ ዓሌት ሮም ክራኸቡን ብቢዛንታዊ ስርዓት ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ከሰርዑን መደብ ከምዘለዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

 “ኣምላኽ እንተ ፈቒዱ ካብ ዕለት 12 ክሳዕ ዕለት 15 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብ ሃንጋርን ስሎቫኪያን ሓዋርዊ መገሻ ከካይድ እየ . . .።”  እንክብሉ ዕለት 12 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብ ቡዳፐስት ንዝካየድ ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን መዛዘሚ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ባዕሎም፥

ንዅሎም እቶም ነዚ ጉዕዞ እዚ ዜዳልዉ ዘለዉ ኣዝየ አመስግን ምእንታኦም ድማ እጽሊ። ምእንቲ እዚ ጉዕዞ እዝን ምእንቲ እቶም ንኸዳልዉ ዝተወደቡ ሰባት ኵላትና ንጸሊ።

ብዝብላ ቃላት ኣቢሎም ዕለት 4 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ሓቢሮም ከምዝነበሩ ክዝከር እንከሎ፡ ዕለት 21 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ናይዚ ሓርያዊ መገሻ ዝርዝር መርሓ ግብሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ወግዓዊ ከምዝገበሮ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ቡዳፐስት፥ ምስ ናይ መንግስትን ናይ ፖለቲካን ኤቅለስያውያን ኣካላት ክራኸቡ እዮም

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ሃንጋሪ ዝካየድ ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ቅዱስ ቍርባን መዕጸዊ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑ ዕለት 12 መስከረም ኣብ ሃንጋሪ ክርከቡ እዮም። ቅድሚ እዚ ኣብ ቡዳፐስት ኣደባባይ ጀጋኑ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ቅዱስነቶም ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት 06.00 ንጐሆ ሮማ ካብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ፊውሚቺኖ ናብ ሃንጋሪ ክነቕሉን ሰዓት 07.45 ደቓይቕ ቡዳፐስት ክኣትውን ወግዓዊ ኣቀባብላ ምስ ተገብረሎም ኣብ ቤተ መዘክር ስነ ጥበብ ምስ ናይ ሃንጋሪ ርእሰ ብሔር ያጆስ ኣደርን ምስ መራሔ መንግስቲ ቪክቶር ኦርባን ክራኸቡ እዮም። ቀጺሎም እውን ኣብኡ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ክራኸቡን መደረ ከስምዑን ሰዓት 11.30 ናብ ኣደባባይ ጀጋኑ ነቒሎም ኣብኡ ነቲ ኣብ ሃንጋሪ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን መዕጸዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑን ካብኡ ናብ ሃንጋሪ ክሰናበቱ እዮም።

ኣብ ስሎቫኪያ

ቅዱስነቶም ሰዓት 14.40 ናብ ስሎቫኪያ ክነቕሉን ኣብ ብራቲስላቫ ድሕሪ ሓጺር ዕረፍቲ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ክራኸቡን መደረ ከስምዑን እዮም። ሰዓት17.30 ኣብኡ ኣብ ስሎቫኪያ ምስ ዘገልግሉ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ክራኸቡ እዮም፡

ኣብ ብራቲስላቫ ናይ ዘካይድዎ ሓርያዊ መገሻ መደባት

ሰኑይ ዕለት 13 መስከረም ሰዓት 09.15 ናይ ንጐሆ ኣብ ናይ ስሎቫኪያ ቤተ መግንስቲ ወግዓዊ ኣቀባብላ ክግበረሎምን ምስ ርእሰ ብሔር ሱዛና ካፑቶቫ ግላዊ ርክብ ምስ ኣካየዱ፥ ኣብ ስሎቫኪያ ምስ ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መግንስታትን ምስ ናይ ስሎቫኪያ ናይ መንግስትን በርገሳውያን ማሕበራት ላዕለዎት ኣካላትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕትን ክራኸቡን መደረ ከስምዑን እዮም። ካብኡ ተሰናቢቶም ምስ ካህናትን ገዳምውያንን ገዳማውያንት ተመሃሮ ዘርኣ ክህንትን ጳጳሳትን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን ኣብ ካቴድራል ቅዱስ ማርቲኖ ክራኸቡን ቃለ ምዕዳን ክልግሱ እዮም። ሰዓት 16.00 ብራቲስላቫ ናብ ዝርከብ “ማእከል ቤተ ልሔም” ግላዊ ምብጻሕ ከካይዱ እዮም። ኣስዒቦም ምስ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ክራኸቡን ኣብቲ ብስርዓት ናዚ ኣደዳ ዝኾኑ ኣይሁዳውያን መካነ መዘክር ምብጻሕ ከካይዱን ምሸት ሰዓት 18.00 ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ምስ ናይ ስሎቫኪያ ሕዝባዊ ባይቶ ኣቦ መንበር ቦሪስ ኮላርን ምስ መራሔ መግንስቲ ኤድዋርድ ሀገርን ክራኸቡ እዮም።

ኣብ ኮሺቸን ፕረሾቭን፥ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ምስ ዓሌት ሮም ክራኸቡን

ኣብ ከተማ ፕረሾቭ ንጐሆ ሰዓት 10.30 ኣብ መዝካ ናይ ስፖርት ሜዳ ብቢዛንታዊ ስርዓት መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት 16.00 ምስ ማሕበረሰብ ሮም ክራኸቡን ሰዓት 17.00 ኣብ ሎኮሞቲቫ ናይ ስፖርት ሜዳ ምስ መላእ መንእሰያት ስሎቫኪያ ክራኸቡን ቃለ ምዕዳን ክልግሱን እዮም።

ኣብ ከተማ ሻሽቲን

ዕለት 15 መስከረም ቅዱስነቶም ኣብ ሻሽቲን ምብጻሕ ከካይዱን ሰዓት 09.10 ኣብ ቤተ መቕደስ ቅድስተ ማርያም ሸውዓተ ሕማማት ምስ ኣቡናት ስሎቫኪያ ኣብ ጸሎት ክሓብሩን ሰዓት 10.00 ናይቲ ሓዋርያው መገሻኦም መዛዘሚ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ሰዓት 15.30 ሮማ ንኽኣትዉ ሰዓት 13.30 ካብ ስሎቫኪያ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ወግዓዊ ስነ ስርዓት ስንብታ ክግበረሎም እዩ።

ናይዚ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ምርሕ ቃል

ናይዚ ናይ ቅዱስንቶም መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃል፥ “ናብ ኢየሱስ ኣብ ጉዕዞ ብሓባር ምስ ማርያምን ዮሴፍን” ዝብል ከምዝኾነን ናይቲ መርሕ ቃል ትርጒም ከኣ፥ እቲ ዘካይድዎ ምብጻሕ ኣብ ኣሰር እቲ “ኬገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ክሕልፍን እምበር፡ ኸገልግልዎ፦ ኢሉ ኣብ ዘይመጸ ጐይታ” (ማቴ. 20,28) ብእምነት ንምጽናዕ ምዃኑ ዝሓብረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ህዝቢ ስሎቫኪያ ኣብ ቅድስተ ማርያም ዘለዎ ዓሚቝ ተወፋይነት ዘመላኽትን ናብ ኣቦነት ቅዱስ ዮሴፍ ከብልን ዝዕድም መርሕ ቃል ምዃኑ የመላኽት።

ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻ መለለዪ-ትእምርቲ

ናብቲ ናይ ፍጹም ፍቕሪ መግለጺ ዝኾነ መስቀል ዝመርሕ መገድን ንኢየሱስን ቅዱስ ዮሴፍን ቅድስተ ማርያምን ዘሎና ፍቕሪ ዝገለጽን ቅድስተ ማርያም ሓላዊት ቅድስቲ ስሎቫኪያን ህዝቢ ስሎቫኪያ ንማርያም ዘለዎ ተወፋይነት ዘዘኻኽርን እቲ ሸውዓተ ኾዋኽብቲ ነቲ ሸውዓተ ሕማማት ማርያም ዝሕብርን እቲ ጻዕዳን ሰማያውን ቀይሕን ሕብሪ ናይ ስሎቫኪያን እቲ ብጫ ናይ ቅድስቲ መንበር ሰንደቕ ዕላማ ዝውክል ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

21 July 2021, 21:21