ር.ሊ.ጳ. “ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ሃንጋርን ስሎቫኪያን ስለ ዘካይዶ መገሻ ጸልዩ”

ር.ሊ.ጳ. እቲ ኣብ ስሎቫኪያ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጽሕ፥ “ነቶም ኣብ ስቓይን ሕድጋትን ዘለዉ ድኻታትን ኣብ ወሰናስን ህልውናን ከተማታትን ንዝርከቡን ናይ ርህራሀን ሓልዮትን መልእኽቲ እዩ” ነዚ ዝበሉ ናይ ስሎቫኪያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ስታኒስላው ዝቮለንስኪ ምስ ዜና ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከለዉ፥

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዒራቕ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዛዚሞም ኣብ ምምላሶም ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ካብ ዕለት 12 ክሳብ ዕለት 15 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ሃንጋርን ስሎቫኪያን ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ መደብ ከምዘለዎም ኣቐዲሞም ሓቢሮም ከምዝነበሩ እንክዝከር፥ ዕለት 12 መስከረም ኣብ ሃንጋሪ ናይ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን መዕጸዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዕርጉን ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ዕለት 15 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብ ብራቲስላቫን ፕረሾቭን ኮሺቸን ሻሽቲን ሓዋርያዊ ምብጽሕ ካካይዱ ምዃኖምን፥ ድሕሪ 21 ዓመት ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ብርሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተመሪሑ ክካየድ እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ንፈለማ ግዜ ከምዝኸውን ብጹዕ ካርዲናል ኤርዶ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ “ካብ ዕለት 12  ክሳዕ ዕለት 15 መስከረም 2021 ዓ.ም. ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ሃንጋርን ስሎቫኪያን ሓዋርዊ መገሻ ከካይድ እየ . . .።”  ዕለት 12 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብ ቡዳፐስት ንዝካየድ ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን መዛዘሚ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ባዕሎም ሓቢሮም፡

ንዅሎም እቶም ነዚ ጉዕዞ እዚ ዜዳልዉ ዘለዉ ኣዝየ አመስግን ምእንታኦም ድማ እጽሊ። ምእንቲ እዚ ጉዕዞ እዝን ምእንቲ እቶም ንኸዳልዉ ዝተወደቡ ሰባት ኵላትና ንጸሊ።

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ኣብ ባቕዳድ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መግሻ ዛዚሞም ኣብ ምምላሶም ነቲ ኣብ ሃንጋሪ ርእሰ ከተማ ቡዳፐስት ዝካየድ መበል 52 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን መዕጸዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ናብ ቡዳፐስ ክኸዱ መደብ ከምዘለዎም በዚ ኣጋጣሚ እዚ እውን ኣብ ናይ ስሎቫኣኪያ ርእሰ ከተማ ብራቲስላቫ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ሓቢሮም ከምዝነበሩ ኣዘኻኺሩ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኒ ኣብ ስሎቫኪያ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ብራቲስላቫን ፕረሾቭን ኮሺቸን ሻሽቲንን ዘጠቓልል ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዝሃብዎ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ናይ ስሎቫኪያ ቤት ምክሪ ብጹዓን ጳጳሳት ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ዝቮለንስኪ

ር.ሊ.ጳ. እቲ ኣብ ስሎቫኪያ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጽሕ፥ “ነቶም ኣብ ስቓይን ሕድጋትን ዘለዉ ድኻታትን ኣብ ወሰናስን ህልውናን ከተማታትን ንዝርከቡን ናይ ርህራሀን ሓልዮትን መልእኽቲ እዩ” ነዚ ዝበሉ ናይ ስሎቫኪያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ስታኒስላው ዝቮለንስኪ ምስ ዜና ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከለዉ፥ “እቲ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ክንብሰር ዓቢይ ሓጐስ ይስምዓናን ብፍላይ ከኣ ኣብ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ቀርሎስን መጠዲዮስን ብምዃኑ ፍልዩ ምብጻሕ ይኾነልና፥ እዞም ክልተ ዓበይቲ ቅዱሳን እዚኣቶም ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሎሚ ዘሎና ኣኽብሮት ኣብነትን መምሃራንናን መሰኻኽርን እያቶም፡ ስለዚ ነቶም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ከነእግድ ዓቢይ ሓጐስ እዩ ዝስምዓና፡ መላእ ህዝቢ ስሎቫኪያን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስሎቫኪያን ቅዱስነቶም ንኽቕበልን ከአንግድን ዓቢይ ምድላዋት የሳልጥ ኣሎ፥ እቲ ምብጻሕ ብፍላይ ንኣባይቲ ስድራን ንመንእሰያትን ዓቢይ መልእኽእቲ እዩ” ኢሎም፣

ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ካብ ዕለት 5 መስከረም ክሳዕ ዕለት 12 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኵሉ ምንጭታተይ ኣባኻ እዩ (መዝ። 8,7) ብዝብል ቃል መዝሙረ ዳዊት ተመሪሑ ዝካየድ መበል 52 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ዕለት 12 መስከረም 2019 ዓ.ም. ብዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዛዘም እዩ። ባዕሎም ቅዱስነቶም ዕለት 15 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብቲ እዋን ካብ ዕለት 13 መስከረም ክሳዕ ዕለት 20 መስከረም 2020 ዓ.ም. ክካየድ ተወሲኑ ዝነበረ ድሓር በቲ ዝተኸስተ ለብዒ ምኽንያት ናብ 2021 ዓ.ም. ዝተሰጋገረ፥ “እቲ ኣብ ቡዳፐስት ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ክርስቲያናዊ ማሕበረሰባት መስርሕ ሕዳሴ ዘተባብዕ ክኸውን ንጸሊ” ቢሎም ከምዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኤርዶ፥ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ 25 ዓመት ኣብ ሃንጋሪ

“ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሃንጋሪ ክርከቡ ሓጐስን ፍቕርን ይፈጥረልና” ነዚ ዝበሉ ናይ ኤስተርጐምን ቡዳፐስትን ሊቀ ጳጳሳት ሜጥሮጶሊታ ናይ ሃንጋሪ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ቡዳፐስት ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ምስ ተሓበሩ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ክኸውን እንከሎ፥ “እቲ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ትእምርቲ ተስፋ ክኸውን ኵነታት ለብዒ ብምምሕያድሹ ድማ ሓድሽ ጅማሮ ዘርህዎ ክኸውን ንጽሊ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ቅዱስ ኣቦና እቲ ኣብ ፊሊፒንስ ከተማ ሰቡ ዝተኻየደ መበል 51 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ኣብ መዛዘሚ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ እቲ ቀጻሊ መበል 52 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ቡዳፐስት ክካየድ እዩ እንክብሉ ኣበሲሮም ከምዝነበረ ኣዘኻኺሩ፥ እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ቡዳፐስት ዘካየድዎ ምብጻሕ ድሕሪ 25 ዓመት ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

05 July 2021, 21:36