ብዛዕባ ሮማዊ ጥንታዊ ስርዓተ ቅዳሴ ሓድሽ መዐቀንታትን ንኣቡናት ዝያዳ ሓላፍነት ዝብል ውሳነ ብዛዕባ ሮማዊ ጥንታዊ ስርዓተ ቅዳሴ ሓድሽ መዐቀንታትን ንኣቡናት ዝያዳ ሓላፍነት ዝብል ውሳነ 

ብዛዕባ ሮማዊ ጥንታዊ ስርዓተ ቅዳሴ ሓድሽ መዐቀንታትን ንኣቡናት ዝያዳ ሓላፍነት ዝብል ውሳነ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣቡናት ድሕሪ ዘካየድዎ ምምኽኻር ነቲ ናይ 1962 ዓ.ም. ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ይገብር በቶም ቅድሚኦም ብዝነበሩ በነዲክቶስ መበል 16 “ፍልይ ዝበለ ሮማዊ መጽሓፈ ቅዳሴ” ብዝብል ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣብ ኣጠቓቕማኡ ናጻ ክኸውን ንዝገበርዎ ሮማዊ ጥንታዊ መጽሓፍ ቅዳሴ ኣጠቓእማኡ ንምምሕያሽ ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ስልጣን መሰረት ሓድሽ ናይ ውሳነ ሰነድ ደንጊጐም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ቅድመ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝነበረ መጽሓፍ ስርዓተ ቅዳሴ ብኸመይ ኣጠቓቕማኡ ዝመርሕ ብዘለዎም ናይ ተኸታሉ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን መሰረት ዝደንገግዎ ሓድሽ ናይ ውሳነ ሰነድ ዕለት 16 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ብወግዒ ከምዝቐረበን እዚ ሓድሽ ናይ መምርሒ ሰነድ እዚ እውን ውሳነታት ናብቶም ናይ ሰበኻታት ጓሶት ከም ዝምለስ ዝገብር እዩ። እቶም ምስ ጥንታውያን ስርዓተ ቅዳሴ እተተሓሓዙ ጒጅለታት ንሕጋውነት ስርዓተ ተሓድሶ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ከወግድዎ የብሎምን ዝብል ንጹር ትእዛዝ ዝተነብሮ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣቡናት ድሕሪ ዘካየድዎ ምምኽኻር ነቲ ናይ 1962 ዓ.ም. ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ይገብር በቶም ቅድሚኦም ብዝነበሩ በነዲክቶስ መበል 16 “ፍልይ ዝበለ ሮማዊ መጽሓፈ ቅዳሴ” ብዝብል ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣብ ኣጠቓቕማኡ ናጻ ክኸውን ንዝገበርዎ ሮማዊ ጥንታዊ መጽሓፍ ቅዳሴ ኣጠቓእማኡ ንምምሕያሽ ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ስልጣን መሰረት ሓድሽ ናይ ውሳነ ሰነድ ደንጊጐም።

እዚ Traditionis custodes - ሓለውቲ ባህሊ (ልምዲ) ብዝብል እርእስቲ ዝደንገግዎን ሎሚ ዕለት 16 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝኾነ ናይ ውሳኔ ሰነድ ነቲ ቅድሚ 1970 ዓ.ም. ሮማዊ ናይ ቅዳሴ ስነ ስርዓት (ናይ ሊጡርጊያ መጽሓፍ) ከመይ ኣጠቓቕማኡ ዝገለጽን ከምኡ እውን ስለምንታይ እቲ ሓድሽ መምርሒ ከምዘድለየን ዘብርህን ኮይኑ፥ “ንመምርሕታት ሓዋርያዊት መንበር ብምስዓብ ነቲ ናይ 1962 ዓ.ም. ሮማዊ ስርዓተ ቅዳሴ (ናይ ሊጡርጊያ መጽሓፍ) ኣብ ሰበኻታት ናይ ምጥቃሙ ውሳነ ናይ ሰበኻታት ኣቡናት ውሳኔ ይኸውን” እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ናይ ሰበኻታት ሊጡርጊያዊ ሕይወት ሸምጋሊ ናይ ሰበኻታት ጳጳስ ምዃኖም የነጽሩ። እዚ ከብሃል እንከሎ ግን፥ ኣቡናት ይብሉ ነቶም በቲ ጥንታዊ ሮማዊ ናይ ቅዳሴ መጽሓፍ ስርዓተ ቅዳሴ ዝከታተሉን ዘዕርጉን ጒጅለታት “ንሓቅነትን ሕጋውነትን እቲ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ዝተገብረ ሕዳሴ ከምኡ እውን ነቲ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ስልጣናዊ ትምህርቲ ከም ዘይነጽግዎ” ኼረጋግጹ ኣለዎም” ይብሉ።

በቲ ሓድሽ መምርሒ መሰረት ድሕሪ ደጊም እቲ ጥንታዊ ሮማዊ መጽሓፈ ቅዳሴ መሰረት ቅዳሴ ኣብ ቁምስናታት ክዓርግ ፍቑድ ኣይኮነን ዝብል ኮይኑ፡ ናይ ሰበኻ ኣቡን ኣበየነይቲ ቤተ ክርስቲያንን መዓስን ሰዓት ክንደይን ይፍጸምን ብመን ካህን ዝቐርብ ይውስን ይብል። እዚ እውን እቲ ስርዓተ ቅዳሴ ብኤጲስ ቆጶሳውያን ጉባኤ ብዝጸደቐ ትርጒም ገርካ “ብቛንቋ ህዝቢ (በቲ ህዝቢ ዚጥቀመሉ ቋንቋ) ዚቐርብ ስርዓተ ሊጡርጊያ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚህ በቲ ጥንታዊ ሮማዊ መጽሓፈ ቅዳሴ መሰረት መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሰርዕ ካህን ብኣቡን እዩ ዝውሰን። እቲ ካብ ኣቡን ሓላፍነት ዝተቐበለ ካህን ነቲ ብጥንታዊ ሮማዊ መጽሓፈ ቅዳሴ ዝዓርግ ስርዓተ ቅዳሴ ምዕቃብ ወይ ዘይምዕቃብ ኣብ ዝልብ ጉዳያት ዘተኵር ዘይኮነ “ንመንፈሳዊ ዕቤት ውጽኢታዊ ምዃኑ” እዩ ከተኵር ዘለዎ። ስለዚ እቲ ብኣቡኑ ሓላፍነት ዝተወሃቦ ካህን እቲ ልባዊ ግዳሴ ክገብረሉ ዘለዎ ናይቲ ስርዓተ ቅዳሴ ማዕርግ ዘይኮነ ንምእመናን ጒስነትን መንፈሳዊ ክንክንን እዩ ክሓስብ ዘለዎ። ኣቡን በቲ ጥንታዊ ሮማዊ ስርዓተ ቅዳሴ ዝኽተሉ ሓደስቲ ጒጅለታት ንምቛም ፍቓድ ከይህብ” ዝብል ሓሳብ እውን ዝተነብሮ ናይ ውሳኔ ሰነድ እዩ።

ድሕሪ እዚ ሓድሽ ዝተደንገገ ናይ ውሳነ ሰነድ ማዕርገ ክህነት ዝቕበሉ ጥንታዊ ሮማዊ መጽሓፈ ሊጡርጊያ መሰረት መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ንኣቡናቶም ፍቓድ ክሓትቱ ግድን እዩ። እቶም ኣቡናት እውን ምስ ሓዋርያዊ መንበር ክመኽሩ ትሑዛት እያቶም። ቅድሚ እዚ ሓድሽ ሕጊ እዚ በቲ ጥንታዊ ሮማዊ መጽሓፈ ሊጡርጊያ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘዕርጉ ዝነበሩ ኣብ ምጥቃሙ ክቕጽልሉ ንኣቡናቶም ፍቓድ ክሓቱ ግድን እዩ። እተን ብድርገት Ecclesia Dei - ድርገት ኤቅለሲያ እግዚኣብሔር ዝቖማ ዝተፈላለያ ናይ ዘይገዳማውያን ማሕበረሰብ ውፉያትን ናይ መናንያን ውፉያን ማሕበራትን እቲ ጥንታዊ ሮማዊ መጽሓፈ ቅዳሴ ናይ ምጥቃምን ዘይምቓምን ጉዳይ ናይ ምውሳን ሓላፍነት ናይቲ ዘይገዳማውያን ማሕበረሰብ ውፉያትን ናይ መናንያን ውፉያን ማሕበራት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ይኸውን፡ እቲ ሓድሽ መምርሒ ኣብ ናይ ዘይገዳማውያን ማሕበረሰብ ውፉያትን ናይ መናንያን ውፉያን ማሕበራት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኣተግባብራ ናይ ምክትታል ሓላፍነት ናይቲ ናይ ዘይገዳማውያን ማሕበረሰብ ውፉያትን ናይ መናንያን ውፉያን ማሕብራት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበርን ናይ ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበርን ይኸውን እንክብል እቲ ሓድሽ ናይ ውሳኔ ሰነድ የመላኽት።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ቅድመ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝነበረ መጽሓፍ ስርዓተ ቅዳሴ ብኸመይ ኣጠቓቕማኡ ዝመርሕ ብዘለዎም ናይ ተኸታሉ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን መሰረት ዝደንገግዎ ሓድሽ ናይ ውሳነ ሰነድ ዕለት 16 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ብወግዒ ከምዝቐረበ ክዝከር እንከሎ፡ እዚ ሓድሽ ናይ መምርሒ ሰነድ እዚ ውሳነታት ናብቶም ናይ ሰበኻታት ጓሶት ከም ዝምለስ ዝገብር ኮይኑ፡ እቶም ምስ ጥንታውያን ስርዓተ ቅዳሴ እተተሓሓዙ ጒጅለታት ንሕጋውነት ስርዓተ ተሓድሶ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ከወግድዎ የብሎምን ዝብል ንጹር ትእዛዝ ዝተነብሮ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ዝደንገግዎ ሓድሽ ናይ መምርሒ ሰነድ ዘሰንይ ዘቕረብዎ ሰነድ፡ እቶም ቅድመኦም ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ጥንታዊ ሮማዊ ናይ ቅዳሴ መጽሓፍ ንምጥቃም ዝገበርዎ ሕድገታት ሎሚ ኵሉ “ነቲ ብብጹዕ ኣቡነ ለፈቭረ ዝምራሕ ምስ ዝነበረ ማሕበረሰብ ዝተፈጥረ ምግምማዕ ንምውጋድን እቲ ዝነበረ ሓድነት ንኽምለስ ንዝብል ድላይ ዓቢይ ግምት ብምሃብ፡ እቲ ነቲ ጥንታዊ ሮማዊ ናይ ስርዓተ ቅዳሴ ብጽቡቕ ኣስተንፍሶ ተለዓዒሎም ክጥቀምሉ ንዝሓቱ ዝነበሩ ማሕበረ ምእመናን ሕቶኦም ብልግሲ ክቕበልዎ ዝቐረበ ሕቶ፡ ንናይ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ዝጠቅም እንተድኣ ኮይኑ ሕራይ ብምባል ዝሃብዎ መልሲ እዩ።” እዚ ግን ይብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሰነድ፥ “ብዙሓት ነቲ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ይኹንታ ነቲ ብጳውሎስ ሓምሻይ ጥንታዊ ሮማዊ ናይ ስርዓተ ቅዳሴ መጽሓፍ ብናጻ ኪጥቀምሉ ከም ዝኽእሉ ዝብል ገይሮም ተርጒሞምዎ እዮም፡ እዚ ኸኣ ምስቲ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝደንገግዎ ሮማዊ ናይ ስርዓት ቅዳሴ መጽሓፍ ማዕረ ማዕረ ዝኸይድ ተገይሩ ክሕሰብ ደሪዅ እዩ።”

ር.ሊ.ጳ. ከምዝገልጽዎ እቲ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2007 ዓ.ም. ብዝነበሮም ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ፍሉይ ስልጣን መሰረት Summorum Pontificum - ልዑላን ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብዝብል ኣርእስቲ ነቲ ናይ ውሳነ ሰነድ ክድንግጉ እንከለዉ “ንሓደ ካብቲ ኣገዳሲ ውሳኔታትን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ክሳብ ስልጣን ንምንጻግ ዘብጽሕ ዝምባለ ወይ ውሳነ ክህሉ ዝብል እምነት ኣይነበሮምን”። ር.ሊ.ጳ. ራትዚንገር ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ይገብር ኣብ ማሕበረሰብ ምእመናን ምክፍፋል ዚብል ፍርሂ መሰረት ዘይብሉ ምዃኑ ይገልጹ፡ ከመይሲ “እቲ ኽልተ ዓይነት ሮማዊ ስርዓተ ሊጡርጊያ ንሓድሕዶም ኪደጋገፉ ይኽእሉ እዮም” እንክብሉ ኣብቲ ሰነድ የመላኽቱ። እንተዀ ግን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ መንጐ ኣቡናት እቲ ናይ ሰረተ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ካብ ዘካየዶ ጭቡጥ ጸባጽብ ናይ ምእካብ መደብን እዚ ጸብጻብ ዘቕረቦ መጽናዕቲ መሰረት “እቲ ሓድነት ንምርካብ ዘሎኒ ባህጊ” ኣዚዩ ዕሽሽ ተባሂሉ ከምዘሎ ዘመላኽት ኰይኑ ረኺበዮን”፡ እዚ “ዘሳቕን ዘሻቕልን  ዘጨንቐን ኵነታት” ከምኡ እውን እቲ “ካሳብ ሕጂ ዝተገብሩ ሕድገታት ምርሕሓቕን ፍልልያትን ኣብ ምስፋሕ ጥቕሚ ውዒሉን ፍልልያት ከጽንዕን ከስፍሕን ንቤተ ክርስቲያን ዘቑስልን ናይ ሓባር ጉዕዞ ዘሰናኽልን ንምግምማዕ ሓደጋ ዘቓልዕ ኮይኑ ስለ ዝርእዮ ዘለዅ፡ ነዚ ናይ መምርሒ ናይ ውሳኔ ሰነድ ከቕርብ ሓላፍነት ይስምዓኒ” ይብሉ።

ቅዱሰቶም ኣስዒቦም ኣብ ልዕሊ ስርዓተ ቅዳሴ ዝፍጸም ዓመጽ ጓሂ ከምዝፈጠረሎም ገሊጾም፥ እንተኾነ ግን “ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ 1962 ዓ.ም. ጥንታዊ ሮማዊ ስርዓተ ቅዳሴ ዝፍጸም ምዝመዛ ከምዘጒሃዮምን እዚ ኸኣ ነቲ ናይ ስነ ስርዓታት ተሓድሶ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ንልምድታት ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓቂ ከም ዝጠለመ ዝገልጽ መሰረት ዘይብሉን ዘየቋርጽን ተቐባልነት ዘይብሉ ዝርአይ ክትዕ እናወሰኸ ክኸይድ ከምዝገበረን ኣብ ልዕሊ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምጥርጣር ክህሉ ዝድርኽን ነቲ ናይ ብጹዓን ኣበው ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ኣብ ትሕቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሕቡራት ዝኾኑ ሓዋርያዊ ስልጣን ዘለዎም ኣብ ሕቶ ዘእትውን ኣብ መወዳእታ እውን ኣብ ልዕሊ እቲ ንቤተ ክርስቲያን ዝመርሕ መንፈስ ቅዱስ ምጥርጣር ክህሉ ዝገብር እዩ፡ ስለዚ እዚ ዅሉ እቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ የረጋግጸለይ ኢሎም።

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን እተገብረ ሕድገታት ንምቕያር ናይ ውሳኔ ሰነድ ከምዘድሊ ካልእ ናይ መወዳእታ ምኽንያት ገይሮም እንክሕብሩ፥ “ኣብ መንጐ እቲ ቅድሚ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብመሰረት ናይ ስነ ቅዳሴ መጻሕፍቲ ዝግበር ምርጫ ከምኡ እውን ኣብ መንጐ እቲ ቤተ ክርስቲያንን ተቛዋማታን ብስም እቲ ባዕሎም ‘ሓቂ ቤተ ክርስቲያን’ ቢሎም ብዝገልጽዎ መምዘንታት ዝፈርድዎ ምንጻግን ዘሎ ጥብቂ ርክብ ኣብ ቃላትን ኣረኣእያን ብዙሓት እናነጸረ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። እዚ ንሱታፌ ዝጋራጮን ናብ ምክፍፋል ዝመርሕ ባህርይ እዩ። ሓዋርያዊ ጳውሎስ ኣጽኒዑ “ንሓድነት ኣካል ክርስቶስ ንምጥባቅ ኢለ እየ ነቲ በቶም ቅድመይ ዝነበሩ እተዋሀበኒ ትምህርቲ ኽስርዞ ዝግደድ ዘለዅ ይብሉ።

17 July 2021, 02:31