ንዓመታ ኣብቲ ሮማ ምስ ምሉእ ዓለም ሓቢራ እተካየዶ ርክብ ስድራቤታት ኩሉ ክሳተፎ ይኽእል! ር.ሊ.ጳ

ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 ሓደ ዓመት ንድሕሪ ዝተጐተ ርክብ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታት ብደሓን የጽንሓና ንዝመጽእ ዓመት ካብ ሰነ 22 ክሳብ 26 2022 ዓም ከምቲ ኣቀዲሙ ዝተመደቦ ኣብ ከተማ ሮማ ክካየድ ትጽቢት ይግበር። ነዚ አመልኪቶም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ርእየት ‘ነፍሲወከፍ ሰባኻ ናይ ምእመናና ማእከል ርክብ ስድራቤታት ክትከውን ትኽእል’ እንክብሉ ብዓለም ለኸ ደረጃ ካብ ዝፍጸመሉ ከተማ ሮማ ጀሚርካ ኩለን ሰበኻታት ክሰናደዋሉ ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

ቅድሚ አርባዓ ዓመታት ብ1981 ዓም ብበዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ንሥድራቤታት መላእ ዓለም ንከራኽብ ዝተመስረተ ዓለምለኸ ርክብ ስድራቤታት ኣብ ሰሰለስተ ዓመት ኣብ ዝተፈላለየ ኲርናዓት ዓለምና ብዝለዓለ መሪሕነት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝሥራዕን ዝምራሕን ዝካየድን ኰይኑ ቅድሚ ሠለስተ ዓመት ኣብ ሃገረ ኣየርላንድ ኣብ ዝተፈጸመሉ ንሎምዘመን ኣብ ሃገረ ጣልያን ከተማ ሮማ ኪካየድ ተወሲኑ ነሩ። እንተኾነ ኩነታት ለበዳ ኮቪድ 19 ስለዘሥግኤ ንዓመታስ ይመሰለልና ይኸውን ብማለት ዓመት ንድሕሪት ተጐቲቱ ብደሓነ ሰላም የጽንሓና ካብ ዕለት 22 ሰነ ክሳብ 26 ሰነ 2022 ዓም ክካየድ ተወሲኑ።

ንምዝኽኻር ዚኣክል ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ንሥድራቤት ፍሉይ ፍቅርን ሓልዮትን ስለዝነበሮም ናይ ሎሚ ኣርባዓ ዓመት ይገብር ብፍላይ ንሥድራቤት ዝምልከት ላዕለዋይ ጳጳሳዊ ቤትምኽሪ ብ1981 ዓም ኣቊሞም ብዓለም ለኸ ርክብ ስድራቤታት ዝካየድ ኣብ ሰሰለስተ ዓመት ዝካየድ ሳምንቲ ርክብ ሥድራቤታት ብምስንዳው ዝተፈላለዩ ጸሎታትን ንጥፈታትን ዘተን ምልውዋጥ ተመኲሮን ካብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ዝመጹ ሥድራቤታት ብምክያድ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ንኣርባዕተ ግዜ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ንሰለስተ ግዜ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከኣ ቅድሚ ሕጂ ንክልተ ግዜ ከምዝመርሕዎ ይዝከር። እተን ዝተገብረለን ሃገራት ድማ ካብ 8-9 ጥቅምቲ 1994 ኣብ ሮማ ‘ስድራቤት ልቢ ምዕባሌ ፍቅሪ’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 4-5 ጥቅምቲ 1997 ኣብ ርዮ ደ ጃነይሮ ሃገረ ብራዚል ‘ስድራቤት ትዕድልትን መንዘትን ተስፋ ሰብኣውነት’ ብዝብል ካብ 11-15 ጥቅምቲ 2000 እንደገና ኣብ ሮማ ‘ውሉድ ጸደይ ስድራቤትን ማሕበረሰብን’ ብዝብል ካብ 22-26 ጥሪ 2003 ኣብ ማኒላ ሃገረ ፊሊፒን ‘ስድራቤት ክርስትያን ጥዑም ብሥራት ንመበል ሰላሳ ክፍለዘመን’ ዝብል ካብ 1-9 ሓምለ 2006 ኣብ ቫለንስያ ሃገረ እስፐይን ‘ምትሕልላፍ እምነት ኣብ ስድራቤት’ ብዝብል ካብ 13-18 ጥሪ 2009 ኣብ ከተማ መክሲኮ ሃገረ መክሲኮ ‘ስድራቤት ሃናጺት ውርሽታት ደቂሰባትን ክርስትናን’ ብዝብል ካብ 30 ግንቦት ክሳብ 3 ሰነ 2012 ኣብ ሚላኖ ሃገረ ጣልያን ‘ስድራቤት ውርሻ ሃብትን በዓልን’ ብዝብል ካብ 22-27 መስከረም 2015 ኣብ ፊላደልፍያ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ‘ኣብታ ብምልኣት ሕያው ዝኾነት ስድራቤት ተልእኮና ፍቅሪ እዩ’ ብዝብል ካብ 21-26 ነሓሰ 2018 ኣብ ዳብሊን ሃገረ ኣየርላንድ ‘ወንጌል ስድራቤት ንዓለምና ደስታ እዩ’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዓቢይ ዓወት ን9 ግዜ ተገሩስ ናይ ሎምዘመን ንዓሥራይ ግዜኡ ተባሂሉ ዝነበረ እሞ ብጸገም ለበዳ ኮቪድ 19 ንዝመጽእ ዓመት ዝተሰጋገረ ኣብ ሮማ ሃገረ ጣልያን ‘ፍቅሪ ስድራቤት ጸዋዕታን መንገዲ ቅድስናን’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኪካየድ ትጽቢት ይግበር።

ነዚ ንመበል 10ይ ግዜኡ ኣብ ሮማ ንክካየድ ተመዲቡ ንዘሎ እዩ እምበር ቅዱስነቶም ‘ሮማ ቀንዲ ማእከላይ መንበር ኰይና ማዕረ ማዕረኡ ድማ ነፍሲወከፍ ሰበኻ አአብ ዘላቶ ሥድራቤታትን ማሕበራቶምን ዝራኸቡሉ ሃዋሁ ክትፈጥር እሞ ብመንፈሳዊ ሕብረት እውን ኪካየድ። በዚ ከኣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ስድራቤት ብነፍስወከፍ ክሳተፉ ዋላ እቶም ንሮማ ክመጽ ዘይክእሉ’ እንክብሉ ደጋጊሞም ኩሎም ክሳተፉ ይኽእሉ ነፍስወከፍ ስድራ ክትሳተፍ ትኽእል ብማለት ምሕጽንታኦምን ሠናይ ምንዮቶምን ገሊጾም።

ኣብ ዝከኣለሉ ዘበለ ንማሕበራት ሰበኻ ዘቅርቦ ዕድመኸስ እዚ እዩ። ካብቲ ዓለምለኸ ርክብ ሥድራቤታት ዘሰናደዎ ምልክታትን መደባትን ጀሚሮም በብመንገዶም ዝተፈላለየ ተበግሶ መደባት ክገብሩ እዩ። ነዚ ፍጻሜ ምስ ስድራቤታት ኰንኩም ክተሰናድውዎ እንክላቦ ህያውን ብልሓት ዝመልኦን ፈጠራታት ዝተሓወሶን መደባት ምስቲ ናይ ሮማ ብምቅናይ ክትግብርዎ ሓደራ። እዚ ፍጻሜ እዚ ንመንፈሳዊ ጒስነት ስድራቤታት መርዑትን ጓሶትን ብሓባር ብዓቢ ተወፋይነት ንክንሰርሕ ዕድል ዝኸፍት እዩ። ኣጆኹም! ዝኸበርኩም ጓሶትን ስድራቤታትን ነንሕድሕድኩም ብምትሕግጋዝ ኣብ ሰበኻታትኩም ኣብ ቊምስናታትኩም ኩልኹም ብሓጐስ ከም እተብዕልዎ ይኹን። ሠናይ ጒዕዞ ናብ ዓለምለኸ ርክብ ስድራቤታት ኢሎም።

ፍቅሪ ስድራቤት!

እዚ ቅድሚ ሠለስተ ዓመት ኣብ ሮማ ንሎምዘመን ኪካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ከም መሪሕ ሓሳብ ኣብ ፍቅሪ ስድራቤት ዝተኣሳሰረ ነሩ ‘ፍቅሪ ስድራቤት ከም ጸዋዕታን መንገዲ ቅድስናን’ ዝብል ኣርእስቲ ከኣ ተዋሂብዎ።  ነዚ እትሰርዕን እትከታተልን ከኣ እታ ብ1981 ዓም ብበዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ከም ጳጳሳዊ ምኽሪ ንሥድራቤት ቈይማ ዝነበረ ብ2016 ዓም ምስ ካልኦት ላዕለዎት ቤትጽሕፈታት ቅድስት መንበር ብምትሕቊቋፍ ‘ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምእመናን ሥድራቤትን ሕይወትን ብዝብል ዝተተከኤት ምስ ሰበኻ ሮማ ብሓባር ኰይና እያ። ከም ዝዝከር እዚ ዓመት እዚ ሻድሻይ ዓመት ናይታ ንሲኖዶስ ስድራቤት ስዒባ ዝወጸት ኣሞሪስ ለቲስየ ሓሴት ፍቅሪ እትብል ሓዋርያዊት ቃለ ምዕዳንን ራብዓይ ዓመት ጋውደተ ኤት ኤክሱልታተ ተሓጐሱ ደስ እውን ይበልኩም እትብል ቅድስና ንኩሉ ዝተዋህበ ጸዋዕታ ምዃኑ እትገልጽ ሓዋርያዊት ቃለ ምዕዳንን ስለዝኾነ ቀንዲ ትሕዝቶ ናይቲ ዝካየድ ኣስተምህሮታትን ኣስተንትኖን በዘን ክልተ ዓበይቲ ጽሑፋት ር.ሊ.ጳ ከምዝህብትማ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ። በዚከምዚኸስ ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ዓሥራይ ዓለምለኸ ስድራቤታት ንሓሴት ፍቅሪ እትብል ብመንጽን ተሕጐሱ ደስ እውን ይበልኩም እትብል ንቅድስና እትጽውዕ ሓዋርያዊት ቃለ ምዕዳን እንደገና ብምንባብን ምስትንታንን ካብ ፍቅሪ መርዑትን ሥድራቤትን ነቂልካ ነቲ ዝዓበየ ትዕድልቲ ጸጋ ሓቢርካ ምንባር ህላዌ እግዚአብሔር ኣብ ስድራቤት ዘረጋግጽን ምስቲ ዘለዎ ኩሉ ዘሐጒስን ዘሕዝንን ቃልስን ናብራን ናብ ቅድስና ክብጻሕ ከምዝከኣል ዘመልክት ክኸውን እዩ። ምስዚ ተታሓሒዙ እውን ምስጋና ንእግዚአብሔር ንምቅራብን ስለ ስድራቤታት ዝቀርብ ጸሎትን እውን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ተዘርጊሑ ኣሎ።

ብድምጺ ንምክትታል!
03 July 2021, 13:55