ንር.ሊ.ጳ. ካብ መላእ ዓለም ናይ ጽቡቕ ትምኒትን ቅሉጡፍ ሕውየትን መልእኽትታት ንር.ሊ.ጳ. ካብ መላእ ዓለም ናይ ጽቡቕ ትምኒትን ቅሉጡፍ ሕውየትን መልእኽትታት 

ንር.ሊ.ጳ. ካብ መላእ ዓለም ናይ ጽቡቕ ትምኒትን ቅሉጡፍ ሕውየትን መልእኽትታት

ካብ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ንቕዱስነቶም ቅርበትን ጸሎትን ዘረጋገጽ መልእኽቲ ከምእተመሓላለፈን “ብሓባር ክርስቶስ ንዝጸወዓና ንናይ ተልእኾ ኣገልግሎት ሓድነት ብሓባር ንኽንዓዪ ቅልጡፍ ሕውየት እምነይ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 04 ሓምለ ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ድሕሪ ዝተገበረሎም ናይ ሕክምና መጥባሕቲ ካብ ሕማም ብቕልጡፍን ምሉእ ብምሉእ ሓውዮም ናብ ዕለታዊ ሕይወቶም ንኽምለሱ ካብ መላእ ዓለም ቅርትን ፍቕርን ዝገልጽ ናይ ጽቡቕ ትምንቲን ቅልጡፍ ሕይወትን መልእኽትታት ይበጽሖም ከምዘሎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሆስፒታል ከም ዝኣተዉ ዝገልጽ ሓበሬታ ምስ ተሰምዐ ኣብ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሓንን መርበብ ሓበሬታን ንቕዱስነቶም ቅርበትን ፍቕርን ዝግለጽ ምሉእ ብምሉእ ክሓውዩ ናይ ሰናይ ምንዮት መግለጺ መልእኽትታት ከምዝወሓዘን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቅርበትን  ጸሎትን ካብ ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ

ካብ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ንቕዱስነቶም ቅርበትን ጸሎትን ዘረጋገጽ መልእኽቲ ከምእተመሓላለፈን “ብሓባር ክርስቶስ ንዝጸወዓና ንናይ ተልእኾ ኣገልግሎት ሓድነት ብሓባር ንኽንዓዪ ቅልጡፍ ሕውየት እምነይ ‘ካብ ሰብ ከኣ ድኻም ኣምላኽ ይብርትዕ’ (1ቆ. 1,25) ቢሎም “ምስጢር እቲ ሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ እውን በቲ ምውዳቕናን መከራናን ተተንኪፉ ወንጌል ኣባና ምእንቲ ኽነብር ኣብ ድኻምነት ተፈጥሮና ይቕጽል” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር ዒማም፥ “ንፍቝር ሓው” ሰናይ ምንዮተይ እገልጽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሕክምና ከምዘለዉ ዝሰምዑ ኣብ ምስሪ ናይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ ሱናዊ መምህር ኣሕማድ ኣል ታየብ “ፍቑር ሓው ብቝልጡፍ ናብቲ ኣገልግሎትን ንፍጥረት ሰብ ተልእኾኦም ብቕልጡፍ ክትምለሱ ሰናይ ትምኒተይ እገልጽ” ዝብል መልእኽቲ በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ከምዝፈነዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ሮማ ናይ ዝርከብ ኣብ ናይ ኣንግሊካውያን ማሕበረሰብ ማእከል ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ እውን፥ “ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ልቢ ኣንግሊካዊ ማሕበረሰብ” ከምዝኾኑ እንከረጋግጽ፥ ናይ ሮማ ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ዓቢይ መምህር ሪካኣርዶ ዲ ሰኚ እውን በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ ንቅዱስነቶም ቅርበቶም ኣረጋጊጾም ቅልጡፍ ሕውየት እውን ከምእተመነዩን፡ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ እውን ብወገኑ ብፍላይ ኣብዚ እዋን ንቅዱስነቶም ዘለዎ ጽኑዕ ቅርበት ኣረጋጊጹ ኣብታ ምህሙማን ዝተወፈየት ጸሎተ ዘሰርክ፥ “ከም ኣቦን ጓሳን መጠን ኣገልግሎቶም ምሉእ ብምሉእ ከሳልጡ ዘኽእሎም ጥዕናን ሓይልን ተዓዲሎም ብቕልጡፍ ሓውዮም ናብ ኣገልግሎቶም ክምለሱ ጸሎት ልመና ዑቕባ እግዚኣብሔርን ንምህለል” እንክብል ከምዝዘከሮምን ምእንቲ ቅዱስነቶም ከምእተጸለየን ኣፍሊጡ።

ካብ መላእ ሃገራትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን

ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ንወግዓዊ ምብጽሓ ናብ ፈረንሳ ኣብ ዝነቐሉላ ዕለት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሕክምና ከምዘለዉ ምስ ተሓበሮም፥ ብስሞምን ብመላእ ሕዝቢ ኢጣሊያን ንቕዱስነቶም ቁልጡፍ ሕውየት ከምእተመነዩን ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ማርዮ ድራጊ እውን ብወገኖም፥ ኣብቲ ናይ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ መልእኽቲ ሓቢሮም ንቕዱስነቶም ሰናይ ትምኒቶም ገሊጾም ቕልጡፍ ሕይወት እምነይ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ፥ “ቅዱስ ኣቦና ንሕክምና ሆስፒታ ከምዝኣተዅም ምስ ሰማዕና ጥዕናዅም ንእግዚኣብሔር ኣቦ ሕድሪ ሂብና” ከምቲ ናይ ዕለት 4 ሓምለ ሊጡርጊያ ዝብሎ “የዕንትና ናብ ጐይታ እያተን” ቢልና ብዝደግምናዮ ጸሎት ክንምራሕ ፍቕዲናን ንዓዅም ቅዱስ ኣቦናን ንዅሎም ህሙማንን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ንልዑል ፈጣሪ ሕድሪ ንህብ፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ እውን ንመከራ ብኸመይ ክንጻወሮ ከምእንኽእል ትምህሩና፥ ኣብነት እውን ትኾኑናን፡ ብቝልጡፍ ሓዊኹም ናብ ሓዋርያዊ መደባትኵምን ኣገልግሎትኵምን ክትምለሱን እናተመነና፡ ኣብቲ ብርቱዕ ጻዕሪ እንገብረሉ ሰዓታት ከይተረፈ ተስፋ ኣይንቘርጽን፡ ቅዱስ ኣቦና ነመስግነኵምን ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ብኣዅም ተመሪሕና ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከነዕርግን ሓዋርያዊ ቡራኬኹም ንኽንቅበል ንጽበየኵም”  ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ጓልቲየሮ ባሰቲ ክታም ዝተነብሮ መልእኽቲ ናብ ቅዱስነቶም ከምዘመሓላለፈ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ተመሳሳሊ ፍቕርን ቅርበትን እውን ንቕዱስነቶም ካብ ሰበኻኦም ሮማ ከምእተመሓላለፈሎን ብፍላይ ኣብዚ ኣብ ሕክምና ኣብ ዝርከብሉ እዋን መላእ ቅዱስ ሕዝቢ ኣምላኽ ሮማን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ኵሉ ውሉዳዊ ተወፋይነት ዝተነብሮ ፍቕሩን ጸሎቱን የረጋግጽ። ቅዱስ ኣቦና ናይ ሮማ ኣቡን እግዚኣብሔር ብጸጋኡ ክድግፎምን ከጽንዖምን ንጽሊ” ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ መልእኽቲ ካብ ሓዋርያዊ መንበር ሰበኻ ሮማ ከምእተመሓላለፈ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካብ መላእ ዓለም፥ ጸሎትን ቅርበትን ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ካብ ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ንቕዱስነቶም ናይ ቅልጡፍ ሕውየት ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ ይመሓላለፍ ከምዘሎን፥ ናይ እስራኤል ርእሰ ብሔር ሪቭሊን ብስሞምን በመላእ ስም ህዝቢ እስራኤል ጸሎቶም ኣረጋገጺኦም ቅልጡፍ ሕይወት ንምነይ እንክብሉ ናይ ናይጀሪያ ራሰ ብሔር ሙሓማዱ ቡሓሪ መላእ ህዝቢ ሃገሮም ምእንቲ ፍቝር ሓውና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ ኣብ ጸሎት ክሓብር ጻውዒት ኣቕሪቦም ንቕዱስነቶም ቅልጡፍ ምሕይዋት ንምነይ ከምዝበሉን ናይ ማልታ ርእሰ ብሔር ጆርጅ ዊሊያም ቨላን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን ናይ ቨንዝወላ ርእሰ ብሔር ኒኮላስ ማዱሮን ብስሞምን ብስም መላእ ሕዝቢ ሃገሮም “ቅዱስ ኣቦና ነቶም ዕለት 30 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ኣብ ካራካስ ብውሳኔ ቅዱስነትም ብጽዕና ዝተኣወጀሎም ናይ ድኻታት ሓኪም ብዝብል መጸውዕ ስም ዝፍለጡ ብጹዕ ዶክተር ኾሰ ግረጎሪዮ ሀርናንደዝ ሲኖሮስ ኣማላድነት ነወክፍ” ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ መልእክቲ ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

08 July 2021, 09:10