ድለ

2019.03.15 ሥርዓተ አመጋግባን ምንጪ መግቢ ዝኾኑ ዘራእትን 2019.03.15 ሥርዓተ አመጋግባን ምንጪ መግቢ ዝኾኑ ዘራእትን 

ሓለንጊ ጥሜት ንዓለምና እንክሕምስ ዕንቅፋትን ዓመጽን ተጻይ መሰል ደቂሰባትን እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቀንዲ ቤትጽሕፈቱ ኣብ ሮማ ዝገበረ ብፋኦ ዝፍለጥ ክፍሊ ዓለምለኸ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ውድብ መግቢ ንኩነታት መግቢ ዓለምና ብዝምልከት መሰናደዊ ጉባኤ ትማሊ ኣብ ሮማ ከፊቱ። ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እውን ብጸሓፊ ርክብ መንግሥታት ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ኣብቲ ጉባኤ ዝተነበ መልእኽቲ ሰዲዶም። ቀንዲ ትሕዝቶ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ከኣ ንዓለምና ዓብሊሉ ካብ ዘሎ ጥሜት ንክንወጽእን ካብ ከቢቡና ዘሎ ምጒዳል ፍትሒ ንምውጻእን ተባዕ ፖሎቲካዊ ስጉምታት የድሊ ዝብል እዩ።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ኩነታት ዓለምና ኣሕጽር ኣቢሎም ንምግላጽ ዘሎ ግድላት ዕንቅፋታት ዓመጻት ምጒዳል ፍትሒ ብዝብላ ቃላት እንክትንትንዎ ምናዳ ኸኣ ኣብዚ ንኩሉ ጅሆ ሒዙ ዘሎ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ዝረኤ ጥሜትን ዓጸቦን ዝገደደ ከኣ ውሕስነት መግቢ ኣብ ዘጠራጥር ኩነታት ምህላው ብጣዕሚ ከተሓሳስበና ከምዘለዎ ኣዘኻኺሮም።

እዚ መሰናደዊ ጉባኤ ካብ ዕለት 26 ሓምለ ክሳብ 28 ዝካየድ ኰይኑ ብዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝምእከል ስለዝኾነ መልእኽቲ ቅዱስነቶም እውን ናብ ዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረስ ዘቅነዔት ነበረት። እቲ ዝግበር ምስንዳው ከኣ ብዛዕባ ውሕስነት መግቢ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝመጽእ ወርሒ መስከረም ኣብ ቀንዲ ቤትጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ከካይዶ መደብ ሒዙሉ ንዘሎ እዩ።

ቅዱስነቶም ኣድላይነት ናይዚ መሰናደዊ ጉባኤ ይገልጹ እሞ ብቀንዱ ነቲ ዝነበረ ጸገማት ምጒዳል ፍትሒ ለበዳ ኮቪድ 19 ተወሲኽዎ ኣብ ሥድራቤት ዘመደ ኣዳም ክህልዎ ንዝነበሮ ሓድነትን ውህደትን ሓደጋ የንጸላልዎ ስለዘሎ ነዚ ንምፍዋስ ዓቢ እጃም ኣለዎ። ካብቲ ብዙሕ ፍትሒ ዝጐደሎም ኣገባባት ከኣ ድኽነትን ኣብዛ ናይ ሓባር ገዛና ዝኾነት ዓለምና ዝረኤ መጒዳእቲ ክሊማን ተፈጥሮን ይርከብዎ። እዚ ከኣ ነቲ እግዚአብሔር ክንሕልዎን ክንጥቀመሉን ዝለገሰልና ሓላፍነት ብዝጐደሎ መንገዲ ምጥቃሙን ቅጥዒ ዘይብሉ ምዝመዛ ብምዝውታርን እዩ። ካብዚ ግድላት እዚ ንምውጻእ ሱር ነቀል ዝኾነ ለውጢ የድሊ ኢሎም።

ሱር ነቀል ለውጢ የድሊ ኣሎ!  

ንህልው ኩነታት ዓለምናን ጸገማትን ድሕሪ ምትንታንን ፍታሕ ይኸውን ንዝበልዎ ሓሳብን ኣቅሪቦም። ብቀንዱ ሱር ነቀል ዝኾነ ለውጢ ከምዘድሊ ዝተማሕጸኑ ቅዱስነቶም እቲ ምህርቲ ንምብዛሕ ብተክኖሎጅን ካልእ ኣገባብን ተሓጊዝካ ዝግበር ጻዕሪ ሽሕ’ኳ ፍታሕ ዘምጽእ እንተመሰለና በቲ ካልእ ጐድኑ ጐዳኢ ዝኾነ ሳዕቤን ከምጽእ ከምዝኽእል ምግንዛብ እኳ ደኣ ብዝገደደ ነታ ፈራዪት ዝኾነት ተፈጥሮናን መሬትናን ከምክን ከምዝኽእል ዝገደደ ከኣ ምድረበዳነት ከምዝስዕርር ዝገብር እዚ ምድረበዳነት እዚ ከኣ ብደገ ዝረኤ ደርቂ ጥራይ ዘይኮነ ውሳጣዊ ምድረበዳነት መንፈሳዊ ምድረበዳነትን ደርቅን ከምዘስዕብ ምግንዛብ የድሊ። ንኩሉ ዚኣክል መግቢ ንምፍራይ ብዝብል መደባት ዝግበር ጻዕርታት ዝዘንግዖ ጉዳይ እንተልዩ ዚኣክል ምህርቲ ጥራይ ምፍራይ በይኑ እኹል ኣይኮነን። ገለ ቊርባት ክፍሊ ሕብረተሰብና ዘሎ ተክኖሎጅን ብልሓትን ተጠቂሞም ዕጽፍን ድርብን ከፍርዩ እንተኸኣሉ ዝበዝሐ ክፋል ማሕበረሰብ ዓለምና ግን ይትረፍዶ ኣብዚሑ ከፍሪ ነታ ናይ ዕለት እንጌራ እኳ ስኢኑ ብሓለንጊ ጥሜት ይግረፍ ኣሎ። ምፍራይን ምብዛሕ ምህርትን በይኑ እኹል ኣይኮነን ከመይ እቲ ዝረኤ ዘይምዕሩይ ናብራን ምጒዳል ፍትሕን ነቲ ኩሎም ደቂሰባት ክህልዎም ንዘለዎም መሠረታዊ መሰላትን ክብርታትን ደቂሰባት ስለ ዝዕምጹ ጭቡጥ ብዝኾነ ኣገባብን ሠናይ ተግባርን ተባዕ ክልላውን ዓለምለኻውን ፖሎቲካን ገርካ መሰል ናይ ኩሎም ከምዝሕሎ ምግባር የድሊ። እንተዘየሎ እቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ ግጉይ ኣገባብ ፍትሒ ብምጒዳሉ ዕንቅፋት ኰይኑ መሠረታዊ መሰል ደቂሰባት ዝግህስ ዓመጽ እዩ። ስለዚ ንመግቢ ዓለምና ዝምልከቱ ኣገባባት ምስ ተፈጥሮ ዘይጣረሱን ክብሪ ዝሕልውን ክኾኑ ኣለዎም ኢሎም።

ሥርዓተ ኣመጋግባና ምስ ከባቢ ዝሰማማዕን ክብሩ ዝሕሉን ይኹን!

እሞኸ ደኣ እንታይ ንግበር! ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ቅዱስነቶም ሓደ ክልተ ነጥቢ የቅርቡ። ብቀዳምነት ሥርዓተ ኣመጋግባና ብደቂቁ ክጽናዕን ክእረምን ኣለዎ እዚ ከኣ ምስ ከባቢናን ክሊማን ዝደጋገፍ ክኸውን ከምኡ እውን ኣበየ ቦታኡ ምስ ዝርከብ ባህሊ ዘይጣረስ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ከኣ ቀንዲ ዕላማ ንኩሉ ምምዕባል እኳ እንተኾነ ዋና ኣተኲሮ ነናይ ከባቢኡ ሥርዓተ ቊጠባ ከምዝምዕብልን ከምዝሕይልን ምግባር በዚ ከኣ ሥርዓተ ኣመጋግባ ከምዝምዕብል ገርካ ነቲ ከም ልማድ ኰይኑ ዘሎ ምጒሓፍ መግቢ ኣሊኻ ንኩሎም ዝኸውን ጥዑይ ኣመጋግባ ምፍጣር የድሊ። እንተኾነ እቲ ለውጢ ካብ ውሽጢ እዩ ክብገስ ዘለዎ። እቲ ንጥሜት ጨሪሽካ ኣብ ዜሮ ምውራድ ማለት ምውጋድ ዝብል ኣምር ብብዝሒ ናይ ዘፍረኻ ኣይኮነን ሓዲስ ኣተሓሳስባ የድሊ ብምልኣት ንኩሉ ምሕሳብን ምሕላይን የድሊ ዝግበር መደባት ሥርዓተ ኣመጋግባ ንመሬት ዝሕሉን ዝከናኸንን ልዕሊ ኩሉ ከኣ ንክብሪ ወዲሰብ ማእከል ዝገበረ ክኸውን ኣለዎ። ነቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክመሓላለፍ ዝጸንሐ ክፍሊ ሕርሻ ምናዳ ኸኣ ናብራ ሃገረሰብ ኣብ ግምት ኪኣቱ ኣለዎ ኢሎም።

ሕርሻን ናብራ ሃገረሰብን እንደገና ኣብ ማእከል ኪኾኑ የድሊ!

ቅዱስነቶም ዓለምና ኣብ ሥርዓተ ኣመጋግባ ክኽተሎ ዘሎ ቅርዑይ መንገዲ ምስ ሓበሩ ከም ካልኣይቲ ፍታሕ ዝበልዋ ከኣ ውሕስነት መግቢ ንኩሉ ብዘይ ሌላን ጉሌላን ክኸውን እዚ ከኣ ብዓለም ለኸ ደረጃ እኳ እንተተባህለ ነዚ ዘውሕስ ግን ኣብ ነፍሲወከፍ ክልል ክሳብ እታ ኣብ ሃገረሰብ እትርከብ ቁሸት ክኸውን ከምዘለዎ ኣመልኪቶም። ምስዚ ኣተሓሒዞም ከኣ ንመጻኢ ወለዶ ኣብ ግምት ዘእተው ሥርዓትን ልምድን ክነጥሪ ምናዳ ንመጻኢ ወለዶ ኣጥሚኻ ሎሚ ክትበልዕ ሃነፍነፍ ምባል ሓላፍነት ዝጐደሎ ኣገባብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ መሰል ናይቶም ዝስዕቡ ወለዶታት ከኣ ክሕሎ ስለዘለዎ ሎሚ እትጸግበሉ ንመጻኢ ወለዶ ከይረሳዕካ ምዃኑ ገሊጾም። ምስዚ ኣተሓሒዞም ከኣ ውሕስነት መግቢ ወትሩ ሓረስታይ ስለዝኾነ ናብራ ሕርሻ ምስቲ ዘሰንዮ ናብራ ሃገረሰብ ብሓዲስ ክረኤን ክድንፍዕን ከመይ እዚ ኣብ ርእሲ ውሕስነት መግቢ ምዕቃብ ተፈጥሮ እውን ብባህሪኡ ኣመዛዚኑ ስለዝኸይድ ሕርሻን ናብራ ሃገረሰብን ዳግመ ግምት ተገሩሎም ማእከል መነባብሮ ክኾኑ ምጽዓር የድሊ። ነዚ ብዝግባእ ኣጽኒዕካ ብቅርዑይ መንገዲ ኣብ ግብሪ ንምውዓን ከኣ ወሳኒ ዝኾነ ከይዲ ፖሎቲካን ቊጠባን የድሊ። ምናዳ ኣብዚ ካብ ሳዕበን ለበዳ ኮቪድ 19 እንወጸሉ ዘሎና ግዜ ንኣሽቱ ሕርሻታትን ኣብ ጒስነትን ሕርሻን ዝነጥፉ ስድራቤታትን ክድገፉን ክተባብዑን ኣለዎም። ከምዚ ብምግባር ከኣ ቀንድን ኣድላይን ዝኾነ ጉዳያት ሕይወት ክንርዳእ ንኽእል። ከመይ ሥድራቤት ቀንዲ ኣቋሚት ሥርዓተ ኣመጋግባ እያ ኢሎም።

ሥድራቤት መሠረት ሥርዓተ አመጋግባ!

ቅዱስነቶም ነቲ ኩሉ ዝመኽርዎ ህያው ኣብነት እትኸውን ባእታ ማሕበረሰብ ዝኾነት ሥድራቤት ምዃና ምናዳ ከኣ ኣብ ሥርዓት ኣመጋግባ ንኩሉ ኣመዛዚና ብዘይ ወጽዓን ዓመጽን ንኩሎም ኣባላታ እትምግብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ምስ ተፈጥሮ እውን ዝተመዛዘነ ርክብ ሃልዩ ብዘይ ምንም ምዝመዛን ዕንወትን እተናብር ምዃና ይገልጹ። ሥድራቤት ካብ እተበርክቶ ብዙሕ ነገራት ሓደ ሰባት ከመይ ገቢሮም ናይ ግሊ ሕይወቶም ናብራን ሠናይን ምስ ናይ ሓባራዊ ናብራን ሠናይ ነገርን ከም እተመዛዝን ንወዲሰብ እትምህርን እትሃንጽን ባእታ ስለዝኾነት ይገልጹ። ነዚ ቀንዲ ኣብነት ዝኾኑና ከኣ እቶም ኣብ ሕርሻን ናብራ ሃገረሰብን ዝነጥፉ ስድራቤታት ኰይኖም ካብቲ ዘለውዎ ናብራ ድኽነትን ንክወጹ ዝሕግዞም ፖሎቲካን ቁጠባን እንተተረኺቡ ንኩሉ ምናዳ ከኣ ንሥርዓተ ኣመጋግባ መሠረት ክኾኑ ከምዝኽእሉ በዚ ከኣ ካብ ባእታ ሥድራቤት ነቂልካ ንፍትሕን ሰላምን ሓድነትን ሥድራቤት መላእ ዘመደ ኣዳም ከረጋግጽ ዝኽእል ሓላፍነታዊ ሥርዓተ ኣመጋግባ ንሓባራዊ ሠናይ ነገርን ደገፍን ባህሊ ርክብን ከውሕስ ይኽእል። ኣብዚ ጒዕዞ እዚ ማንም ተጐስዪ ድሕሪት ከይተርፍ ሓደራ እንክብሉ ምንዮቶም ገሊጾም።

ሕልሚ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ፣ - ማንም ተጐስዪ ድሕሪት ከይተርፍ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም መልእኽቶም ከምቲ ኩሎም ዝምነይዎን ዝሓልምዎን ንሶም እውን ማንም ድሕሪት ከይተረፈ ኩሉ ብማዕርነት ዕለታዊ እንጌራን ማይን መድሃኒትን ዝረኽበሉ ምናዳ ከኣ ነቶም ዝደኸዩ ክፍሊ ማሕረሰብ ዘቀድም ሥርዓት ከምዝሓልሙ ይገልጹ። እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓት ከኣ ቅድስት መንበርን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ሓይለንን ድላየንን ጥበብ ዝመልኦ ውሳኔታትን ተግባራትን ንክተበርክት ስንድውቲ ምዃና ብምግላጽ ነፍሲወከፍ ሰብ መሠረታው ግድነታቱ ክማላኣሉ ማንም ከይሕደግ በዚ ከኣ ሰላማውን ምዕቡልን ማሕበረሰብ ብሓቂ ሕውነት ዝዓብለሎ ክንምስርት ንኽእል እንክብሉ መልእኽቶም ዛዘሙ። 

ብድምጺ ንምክትታል!
27 July 2021, 12:38