ፍራንቸስኮ፥ ስለቲ ብዙሕ መልእኽትታትን ጸሎትን አመስግን! ፍራንቸስኮ፥ ስለቲ ብዙሕ መልእኽትታትን ጸሎትን አመስግን! 

ፍራንቸስኮ፥ ስለቲ ብዙሕ መልእኽትታትን ጸሎትን አመስግን!

ስለቲ ብዙሕ ካብ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ሃይማኖታትን ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕትን ካብ ኣርእስተ ብሔራትን ካብ መራሕቲ መንግስታትን ምእመናንን ኣባይቲ ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳትን ዝተመሓላለፈሎም ናይ ሰናይ ምንዮትን ቅሉጡፍ ሕውየትን መልእኽትታት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ሓምለ 2021 ዓ.ም. በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ካብቲ ንሕክምና ካብ ዝርከብሉ ሮማ - ቤት ሕክምና ጀመሊ፥ ስለቲ ብዙሕ ካብ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ሃይማኖታትን ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕትን ካብ ኣርእስተ ብሔራትን ካብ መራሕቲ መንግስታትን ምእመናንን ኣባይቲ ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳትን ዝተመሓላለፈሎም ናይ ሰናይ ምንዮትን ቅሉጡፍ ሕውየትን መልእኽትታት ቅርበትን ጸሎትን አምስግን ከምዝበሉን ዜና ቫቲኣክን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ሓምለ 2021 ዓ.ም. በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ @Pontifex ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቦሎም “በቲ ኣብዚ ኣብ ሕክምና ኣብ ዝርከበሉ ግዜ ዝበጽሓኒ መልእኽትታትን ፍቕርን ጸሎትን ልበይ ብሓቂ ከምዝተንከፈንን ስለቲ ዝገለጽኵምለይ ቅርበትን ጸሎትን ንዅላትኩም እመስግን።” ዝብል መልእኽቲ ከምዝፈነዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፥ ንናይ መላእ ኣርመናውያን ካቶሊኮስ ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ካረኪን ዳግማዊ “ብኽርስቶስ ፍቝር ሓው” ብዝብል ቃል ሓሳቦም ኣበጊሶም “ሰማያዊ ጐይታ ብምሕረቱ ክዕቅበኩምን ክሕልወኩምን ፍርያም ር.ሊ.ጳጳሳዊ ኣገልግሎትኵምን ነዊሕ ዕምርን ክጽግወኵም ንጽሊ”  እንክብሉ ቅርበቶምን ጸሎቶምን ዘረጋገጽሎምን ካልኦት ብዙሕ መልእኽትታት ከምዝበጸሖምን ይበጽሖም እውን ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ናይ ብዙሓት ሃገራት ኣርእስተ ብሔራትን ናይ መንግስቲ መራሕትን ንቕዱስነቶም ቅርበትን ናይ ቅሉጡፍ ሕውየትን ምንዮት መግለጺ መልእኽታት ከምዝበጸሖምን ንኣብነት ካብ ናይ ታይዋን ረፓብሊካዊት ቻይና ርእሰ ብሔር ትሳይ ኢንግ ወን ዕለት 5 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ናይ ሰናይን ቅሉጥፍ ሕውየትን ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ ከምዝበጸሖምን ካብ ናይ ፍልስጥኤም ርእሰ ብሔር ናይ ፍልስጥኤም ናይ ናጽነት ውድብ ፈጻኑ ሽማግለ ኣቦ መንበርን ማህሙድ ኣባስ ካብ ራማልሕ፥ “ኣብ መንጐ ህዝብታት ሰላምን ፍቕርን ንምርግጋጽ እተግብርዎ ቆራጽን ህርኵትን ጻዕሪ ምእንቲ ክቕጽልን ኵላትና ብሓባር ልዑል ፈጣሪ ምሉእ ጥዕና ክጽግወኵም ንጽሊ” ዝብል መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉሎም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ዕለት 6 ሓምለ ካብ ናይ ረፓብሊካዊት ቱርኪ ርእሰ ብሔር ረስፕ ታይፕ ኤርዶጋን፥ ብስሞምን ብስም ሃገሮምን ህዝቦምን ኣብ ዘመሓላለፍዎ “ናይ ቅልጡፍ ሕውየት ምንዮት” መግለጺ መልእኽቲ “ንቕዱስነትኵምን ንመላእ ካቶሊካዊ ዓለምን ሰናይ ምንዮተይ እናገለጽኵ ብቕልጡፍ ንኽትጥዕዩ ሰናይ ምንዮተይ አመሓላልፍ” ከምዝበሉን ናይ ረፓብሊካዊት ቄጵሮስ ርእሰ ብሔር ኒኮስ ኣናስታሲኣይደስ እውን ብወገኖም፥ “ኣብዛ ከባድ ዝኾነት ሰዓት እዚኣ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣኹም ንቕዱስነኵም ሕውየትን ምሉእ ሓይልን ክጽግወኵም ኣምነ መንግስተይን መላእ ህዝቢ ቄጵሮስን ቀልጢፍኵም ንኽትሓውዩ ይምነ” ዝብል መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉሎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ረፓብሊካዊት ኵባ ርእሰ ብሔር ሚገል ድያዝ ካነል በርሙደዝ ብስሞምን ብስም መንግስቶምን ህዝቢ ኵባን “ድሕሪ እቲ ዝተገበረልኵም መጥባሕቲ ምሉእ ጥዕናን ሓይልን ክትረኽቡ እምነ” ከምዝበሉን ሰንበት ዕለት 4 ሓምለ ናይ ረፓብሊካዊት ኵባ ነበር ርእሰ ብሔር ራውል ካስትሮ ሩዝ እውን “ህዝብታት ሎሚ ካብ ቀደም ብዝያዳ ጥበብኵምን ስነ ምግባራዊ ስልጣንኵምን የድልዮም እዩ” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ናይ ቅልጡፍ ሕውየት ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎምሎም ከምዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ናይ ረፓብሊካዊት ፖላንድ ርእሰ ብሔር ኣንድረይ ዱዳ፥ “ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ቅድስቲ መንበርን ናብ ምምራሕ ኣገልግሎትኵም ምሉእ ብምሉእ ሓዊዅም ንኽትምለሱ ንምነይ፥ ከምኡ እውን እቲ ኣብዚ ጽንኩር እዋን መንፈሳዊ ምጽንናዕ ዘድልዮ ማሕበረሰብ ዓለም ብፍቕርን ተስፋን ክጸንዕን ክድገፍን ስለ ዘድልዮ ቅልጡፍ ሕውየት ንምነየልኵም” ዝብል መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉሎም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ጳጳሳትን ኣባይቲ ምኽሪ ጳጳሳትን እውን ጸሎቶምን ቅርበቶምን ፍቕሮምን የረጋግጹሎም ከምዘለዉን፥ ንኣብነት ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሀክቶር ሚገል ካብረኾስ ቪዳርተ፥ “ድሕሪ ዝተገበረልኵም ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ትሓውዩ ከምዘለዅም ዝተወሃበ ሓበሬታ ዓሚቝ ሓጐስ ከምዘሕደረልና እናረጋገጸና እዚ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ጉባኤን መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን መላእ መእመናንን ቅድሚ ናይ ሕክምና መጥባሕትን ደህረ መጥባሕትውን እግዚኣብሔር ምሉእ ጥዕናን ሓይልን ክጽግወኵም ናብ ልዑል ፈጣሪ ጸሎትና ብምቕራብ ውሉዳዊ ፍቕርናን ቅርበትናን እናረጋገጽና ምእንታዅም ብቐጻሊ ንጽሊ ኣብ ጸሎትናን ፍቕርናን ትውከሉ” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዜና ቫቲካን ይጠቅስ።

ናይ ኒውዚላንድ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ወሊንግቶን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ጆን ኣትቸርለይ ደው፥ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጸሎት ካቶሊክ ምእመን ኒውዚላንድ ህልው ኢዅም፥ ቅድሚ መጥባሕቲ ምእንታኹም ከምዝጸለየን ድሕሪ መጥባሕቲ እውን ጥዕናዅም ናብቲ ንቡር ይምለስ ምህላዉ ዝገልጽ ሓበሬታ ምስ ተሰምዔ ሓጐሱ ይገልጽን ኣብርቲዑ እውን ይጽልይ።” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ መወዳእታ ኣቦ መንበርን መስራትን ማሕበር “ንቕሓተ ሕልና” ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ራባይ ኣርቱር ሽናይደር እውን ብወገኖም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ቅዱስነትኩም ንዅሎም ደቅሰብ ብቐጻሊ ከምቲ ወትሩ ብፍቕርን ሓልዮትን እተሰንይዎ እዚ ስንዮት እዚ ብሓድሽ ብርታዐ ክትፍጽምዎ ቅልጡፍ ሕውየት እምነየልኵም” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

08 July 2021, 18:05