ር.ሊ.ጳ. ነቶም ኣብ ዒራቕ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ግዳያት ይጽልዩ ር.ሊ.ጳ. ነቶም ኣብ ዒራቕ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ግዳያት ይጽልዩ 

ር.ሊ.ጳ. ነቶም ኣብ ዒራቕ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ግዳያት ይጽልዩ

ቅዱስነቶም በቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ብዝተነብሮ ብይብጻሕ ኣብ ዒራቕ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ፥ “ንዅሎም እቶም በቲ ዘሕዝን ሓደጋ ባርዕ ሓዊ እተጐድኡ መንፈሳውን ሰብኣውን ቅርብተይ እረጋግጽ” ቢሎም፥ “ብፍላይ ምእንቲ እቶም ዝሞቱ ከምኡ እውን ምእንቲ እቶም ስድራ ቤት ምዉታትን ፈተውቶምን እጽሊ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በይብጻሕ ኣብ ዒራቕ ዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ፥ ዕለት 13 ሓምለ ኣብ ደቡባዊ ከተማ ናሲሪያ ዝርከብ ክፍሊ ቤት ሕክምና ኾሮና ተህዋስ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ እተጐድኡ ሰባት ዝፈጠረሎም ብርቱዕ ሓዘን ገሊጾም፡ “ሰብኣውን መንፈሳውን ቅርበተይ አረጋግጽ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ በቲ ኣብቲ ቤት ሕክምና ንህሙማን ኾሮና ተህዋስ ዘገልግል ናይ መተንፈሲ መሳርዕ ሕክምና ተተኵይሱ ብዝተኸስተ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ካብቶም ኣብቲ ቤት ሕክምና ዝርከቡ ብውሑዱ 92 ሰባት ግዳያት ከምዝኾኑ ካብ ዒራቕ ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቲ ዘሕዝን ፍጻሜ ግዳያት ንዝኾኑ ቅርበቶም ገሊጾም እቲ ዘጓነፈ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብቲ ቤት ሕክማ ክፍሊ ለብዒ ኾሮና - ተህዋስ ብምዃኑ ብቐሊሉ ነቲ ዞባ ከም ብሓድሽ ንብርቱዕ ጸገም ዘቃልዕ እዩ ከምዝበሉን፥ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ብሰንኪ ምንቷግ ኣብቲ ቤት ሕክምና ዘሎ ንህሙማን ኾሮና ተህዋስ ዝጠቕም ናይ መተንፈሲ መሳርዕ ክኸውን ከምዝኽእልን በቲ ኣብ ናሲሪያ ኣል ሁሴን ቤት ሕክምና ኣብ ዝርከብ ክፍሊ ኾሮና ተህዋስ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ 92 ሰባት ናይ ሞት ሓደጋን ካልኦት ሚእቲ ዝግመቱ እውን ማይሰይቲ ከምዘጋጠሞም ክንገር እንከሎ፡ ቅዱስነቶም በቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ብዝተነብሮ ብይብጻሕ ኣብ ዒራቕ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ፥ “ንዅሎም እቶም በቲ ዘሕዝን ሓደጋ ባርዕ ሓዊ እተጐድኡ መንፈሳውን ሰብኣውን ቅርብተይ እረጋግጽ” ቢሎም፥ “ብፍላይ ምእንቲ እቶም ዝሞቱ ከምኡ እውን ምእንቲ እቶም ስድራ ቤት ምዉታትን ፈተውቶምን እጽሊ፡ ኣብ ዕሊ ኵሎም ሕሙማንን ሰራሕተይናታት እቲ ቤት ሕክምናን ኣለይቲ ሕይሙማን መጸናንዕን ሓይልን ሰላምን ዝኾነ ቡራኬ እግዚኣብሔር እምሕጸን” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ርእሰ ብሔር ሳሊሕ ዘቕርብዎ ክስታት

“ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ብልሽው ምሕደራን።” ብመሰረት ርእሰ ብሔር ዒራቕ ባራም ሳሊሕ እዚ ሓድሽ ዘሕዝን ፍጻሜ እዚ ዘጋጠመሉ ምኽንያት እዩ። እቲ ዘሕዝን ፍጻሜ “ብሰንኪ እቲ ንህይወት ዒራቓውያን ኣትሒቱ ዚርእዮን ንመንግስታዊ መዋቕራት ሕዳሴ ዚዓግት ዘየቋርጽ ብልሽውናን ብላዕን ዘይእሩምን ግጉይን ምሕድራ ዘጋጠመ እዩ” እንክብሉ በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም፥ “እቶም በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ክሕተቱ ዝግብኦም ዘይግዱሳት ብዛዕባ እቲ ዝጋጠመ ሓደጋ ክሕተቱ መታን ጽኑዕ መርመራ ክካየድ” ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብ ናሲሪያ ከም ባቕዳድ

ርእሰ ብሔር ዒራቕ ንዕዮ ትካላት ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ምምሕዳር ክፍሊ ጥዕና ዚዓዩ ናይ ምሕደራን ኪደት ዕዮን ሕዳሴ ክገብሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ኣብ ባቕዳድ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና 82 ሰባት ንሞት ካልኦት 110 ድማ ንማህሰይቲ ዘቃልዔ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ዘኪሮም፡ በቲ ኣብ ባቕዳድ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ምኽንያት እውን ሚኒስተር ጥዕና ዝነበሩ ሓሰን ኣል - ታሚሚ ካብ ስልጣኖም ክስጐጒ ከምዝገበሩ ዘኪሮም፡ ጠንቂ እቲ ኣብ ናሲርያ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ብቕልጡፍ ተጻሪዮ ተጻርዩ ተሓተቲ ንግብኡ ፍርዲ ክቐርቡ መርመራ ክካይድ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ገና ዘይተረጋገጸ ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ

ድሕሪ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ብዙሓት ብዛዕባ ኣብቲ ቤት ሕክምና ዝእለዩ ዝነበሩ ኣባላት ስድራ ቤቶምን ኣዝማዶምን ሀለዋት ንኽሓቱ ናብቲ ቤት ሕክምና ከምዚኸዱን መራሔ መንግስቲ ሙስታፋ ኣል ካድሒሚ ናይ ዞባ ድሒ ቃር ሓላፊ ጉዳያት ጥዕናን ናይቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ዘጋጠሞ ቤት ሕክምና ኣመሓዳርን ናይ ምክልኻል ሓደጋ ኣዛዝን ካብ ስልጣኖም ከምዝሰጐጒዎም ዜና ቫቲካን ይሕብር።

14 July 2021, 20:25