ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ዒራቕ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ዒራቕ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ዒራቕ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ

“እቲ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ነቶም ዝሞቱ ምሕረት ነፍሳት ክህቦም ጸሎቶም ምዃኑ ኣረጋጊጾም፡ ዝኾነ ይኹን ዓመጽ ንጻዕርታት እቶም ኣብ ዒራቕ ዕርቅን ሰላምን ክሰፍሕ ብትዓት ዝዓዩ ንዘለዉ ተስፋ ከቐርጾም ዘይኮነ ዕርቅን ሰላምን ዘለዎ ልዑል ኣገዳስነት ኣጽኒዖም ወትሩ ክዓዪ ዝድርክ ክኸውን ሓደራ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ዕለት 19 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ባቕዳድ ብዝተፈጸመ ለኪምካ ናይ ምጥፋእ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ናይ ሞት ሓደጋ ንዘጋጠሞምን ንዝቖሰሉን ንኣባይቲ ስድራ ምዉታትን ቅርበቶምን ጸሎትም ይገልጹ። ቅዱስነቶም ኣብ ዘማሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ፥ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕርቅን ሰላምን ዝብል ባህጊ ከይዕወት ከምዝጽልዩ ከረጋግጹ እንከለዉ፡ ኣብ ዒራቕ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ራፋኤል ሳኮ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ዝኾነ ይዅን ዓመጽ ምኽንያታዊ ክኸውን ኣይኽእልን፥ እቲ ዘድሊ ሰብኣውነትን ሓባራዊ ዕዮ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ዜጋታትን ሃገርን እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ብይብጻሕ ኣብ ዒራቅ ንናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሚትጃ ለስኮቫር ናብ ዒራቕ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ፥ ኣብ ባቕዳድ ዕዳጋ ዓል-ዋሃይላት ብለኪምካ ምጥፋእ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ምስ ሰምዑ ንኣባይቲ ስድራ ምዉታት ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ተማሕጺኖም፥ እቲ መጥቓዕቲ ዘሕደረሎም ብርቱዕ ጓሂ ገሊጾም፡ ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ፡ ነቶም ማህሰይቲ ዝወረዶምን ቅልጡፍ ምሕዋይ ተመንዮም፡ ንህዝቢ ዒራቕን ስለ እታ ሃገርን ጸሎቶም ኣረጋጊጾም፡ “እቲ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ነቶም ዝሞቱ ምሕረት ነፍሳት ክህቦም ጸሎቶም ምዃኑ ኣረጋጊጾም፡ ዝኾነ ይኹን ዓመጽ ንጻዕርታት እቶም ኣብ ዒራቕ ዕርቅን ሰላምን ክሰፍሕ ብትዓት ዝዓዩ ንዘለዉ ተስፋ ከቐርጾም ዘይኮነ ዕርቅን ሰላምን ዘለዎ ልዑል ኣገዳስነት ኣጽኒዖም ወትሩ ክዓዪ ዝድርክ ክኸውን ሓደራ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሳኮ፥ ተስፋ ዘቝርጽ ዓመጽ ኣይዕወትን

“ኣብ ዒራቅ ድሕንነትን ርግኣትን ከምዘየሎ እዚ ሓድሽ መጥቓዕቲ የረጋግጸልና። ብልሽውናን ብላዕን ቅትለት ንጹሓን ዜጋታት ዘይስነ ምግባራዊ ተግባር ምዃኑ ገሊጾም፥ እቲ እንርእዮ ዘሎና ኵለ መዳያዊ ጸገም ስነ ምግባራዊ ጸገም እዩ” ነዚ ዝበሉ ኣብ ዒራቕ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ባቢሎን ፓትሪያርክ ብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ራፋኤል ሳኮ ብምኽንያት እቲ ዳዒሽ - እስላማዊ መንግስቲ ጉጅለ ኣሸበርቲ ዕለት 19 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ብዝፈጸሞ ሽበራዊ መጥቓዕቲ፡ ካብቲ ካብ ዕለት 19 – 24 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ኵርድስታን ከተማ ኤርቢል ብሓባር ምስ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካህናት ኣብ ዒራቕ ንሱባኤ ካብ ዝርከብሉ ምስ ዜና ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቓዕቲ 35 ሰባት ክእምእተቐትሉን ካልኦት ልዕሊ 60 ዝግመቱ ከምዝቖሰሉን፥ ተስፋ ዘቑርጽ እውን እተመሰለ ዓመጽ ፈጺሙ ኣይክዕወትን እዩ” ኢሎም።

ብምኽንያት በዓል ዒድ ኣል - ኣድሓ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ

ዕለት 20 ሓምለ ብጹዕ ካርዲናል ሳኮ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ናብቶም ነቲ ሰላምን ርግኣትን ንምርካብ መስዋዕቲ ዒድ ኣል - ኣድሓ ንዘብዕሉ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ንጸልይ ከምዝበሉን ኣብ መባእታ ወርሒ መጋቢት 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዒራቕ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ እንታይ ፍረ ኣፍሪዩ ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ “እቲ ምብጻሕ ንናይ ብዙሓት ሰባት ኣተሓሳስባ ቀይርዎ እዩ - ሎሚ ብዙሓነት ዓሌትን ሃይማኖትን ክኽበር ትርኢ፡ ዒራቓውያን ብዘይ ዝኾነ ይዅን ኣፋላላይ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ክራኸቡን ክዘራረቡን በዚ መሰረት እውን ጸገማቶም ንኽብድሁ ብሓባር ክዓዩ ይገብር ኣሎ።” ንዒራቕ “ንናይ ሕዝብን ሃገርን ብሓፈሻ ናይ ሓባር ጥቕሚ መርገጺ ገይሩ ዝዓዪ ናይ ፖለቲካ ደርቢ የድልዮ” ኢሎም።

ብጹዕነትኩም ኣብ ባቕዳድ እንታይ እዩ ዘጋጥም ዘሎ? ኣብታ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ኣብላጺ ዝኾነላ ሃገር ሞት ዝዘርእ ዓመጽ ኣየቋረጸን? እቲ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ንበዓለ ዒድ ኣል ኣድሓ ኣብ ዘዳልው ዋዜማ እዩ ተፈጺሙ፡ ከምዚ ዓይነት መጥቓዒት እውን ክፍጸም ንፈለማ ግዜ ኣይኮነን፡ ካርባላ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና እውን ከይተረፈ መጥቓዕቲ ተፈጺሙ እዩ፡ ኣብ ዒራቕ ርግኣትን ድሕንነት የሎን፡ እቲ ዘሎ ሕንፍሽፍሽ እዩ። እዚ ኸኣ ፖለቲካዊ ጸገም ጥራሕ ዘይኮነ ስነ ምግባራዊ ጸገም ከምዘሎ የመላኽት፡ ናብ ስነ ምግባራዊ ስርዓታትን ሰብኣውነትን ምምላስ እዩ ዘድሊ። እቲ ኣብ መንጐ ሺዓውያንን ሱናውያንን ዝረአይ ምስሕሓብ ድዩ ግጭት ናይ ስልጣን ሕቶ እዩ፡ እዚ ኸኣ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ዕሽሽ ምባል ዘስዕቦ እዩ ኢሎም።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዒራቕ ምብጻሕ ካብ ዘካይዱ ድሮ ሓሙሽተ ወርሒ ሓሊፉ እዩ፥ ኣብ ማሕበረ ክርስቲያን ሕይወትን ኣብ ሕይወት በርገሳዊ ዒራቕ ዝሓደጎ እወታዊ ጽልዋ እንታይ እዩ? ኣቐዲመ ከምዝበልክዎ ፍልልያት ዘኽብር ልምዲ የስርጽ ኣሎ፡ ገዛርእ ርስኻ ምኽባር ካልእ ብምኽባር እዩ ዝጅመር፡ ዒራቓዊ ከም እስላምን ክርስቲያንን ዘይኮነ ከም ሓደ ዜጋን ከም ሓደ ሕዝቢ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን እዩ ዝዘራረብ። እዚ እቲ ናይ ቅዱስነቶም ምብጻሕ ዘዕሰሎ ጸጋ እዩ። ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ እውን ሃይማኖታዊ ዘይኮነ በርገሳዊ ስርዓተ መንግስትን ስልጣንን ክህሉ ዝብል ኣረኣእያ ፈጢሩ ኣሎ ኢሎም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ከም ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዒራቕ ንዓመታዊ መንፈሳዊ ሱባኤ ተኣኪብኵም ኣለዅም፡ ካብዚ ሱባኤ እዚ ንሕዝቢ ዒራቕ እተመሓላልፍዎ መልእኽቲ? ብርግጽ ኣብ ፍጻሜ እቲ ሱባኤ እነመሓላልፎ ናይ ሓባር መልእኽቲ ክህልወና እዩ፡ ኣብዚ ሱባኤ ብዙሓት ክሳተፉ እዩ ዝነበሮም፥ ኮይኑ ግን ብሰንኪ ለብዒ ኮቪድ - 19 ብዙሓት ክመጹ ኣይከኣሉን። . . . ምስ ሕዝቢ ዝተረፉ ካህናት ኣለዉ፥ ኣብዚ ጽንኵር እዋን እዚ ሕዝቢ ንበይኑ ብዘይ ጓሳ ክትሓድጐ ኣይግባእን፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዒራቕ ምስ መላእ ካህናትን ምእመናን ድልድል እምበር ዕንቅፋት ኣይኰነትን፡ ወንጌል ንዅሉ ክፉት እዩ፡ ንሕና እውን ከም እተመባጽዑ ሰባት መጠን ንክርስቲያን ጥራሕ ዘይኮነስ ንዅሎም ኢና እነገልግል። ብምኽንያት በዓለ ዒድ ኣል ኣድሓ እውን ናብ መላእ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና መልእኽቲ ኣመሓላሊፈ እየ ኢሎም።

ናይቲ ዘመሓላለፍኩምዎ መልእኽቲ ሕመረት እንታይ እዩ? ሕውነትን ስነ ምግባራውነትን ክህሉ ዝብል ለበዋ እዩ፥ ሰብኣውነትን ስነ ምግባርን እንተዘየሎ ሕንፍሽፍሽ እዩ ዝነገስ፡ ዓመጽን ናይ ሞት ባህልን ክውገድን ብሕታዊ ጥቕምና መስዋዕቲ ክንገብርን እዚ ኸኣ ውልቃዊ ስስዔ ንምውጋድ ጥራሕ ዘይኮነ ስስዔ ኣብ ምውጋድ ዝጸንዔ ናይ ሓባር ጥቕሚ ምቕዳምን ንናይ ሓባር ጥቕሚ ምዕያይ ንሰላምዊ ሓባራዊ ናብራ ኣገዳሲ ዝብል እዩ፡ ብሓጺሩ ናይቲ መልእኽቲ ቅዉም ነገር ነዚ ይመስል እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

21 July 2021, 21:02