ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ር.ሊ.ጳ. ካብ ጀመሊ ቤት ሕክምና

ኣብዚ ቤት ሕክምና ኣብ ዝኣተኹሉ እዋን ከምቲ ኣብ ኢጣሊያን ኣብ ካልኦት ሃገራትን ዝርአ ጽቡቕ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንዅሎም ሰባት ኪበጽሖም ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ እንደገና ተመኪረዮ እየ

ዕለት 11 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሕክምና ካብ ዝርከቡሉ ሮማ ካብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ካብቲ ዝዓረፍሉ ዓስራይ ደርቢ ካብ ዘሎ ሰገነት በቶም ብቐረባ ዝከታተልዎም ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ብኽልተ ኣብቲ ቤት ሕክምና ብዝእለዩ ቘልዑ ተሰንዮም ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ለጊሶም ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከምዘዕረጉን፡ “ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ምስ መእመናን ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዘዕርጉሉ መደብ ክፍጽሙ ብምኽኣሎም ዝተሰምዖም ሓጐስ ገሊጾም፥ ሓሳቦም ናብ ህሙማን ገይሮም፥ ኩሉ ሰብ ግብእን ጽቡቕን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ክረክብን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንዅሉን ናይ ኩሉን ክቡር ውህበት እዩ እሞ ሓደራ እዚ ውህበት እዚ ንዓቅቦ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ዕለት 11 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስነቶም ከምቲ ልሙድ ካብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘይኮነ ካብቲ ንሕክምና ካብ ዝርከቡሉ ቤት ሕክምና ጀመሊ ኰይኖም፡ ካብቲ ኣብ ሕክምና ዝርከቡሉ ዓስራይ ደርቢ ካብ ዘሎ ሰገነት ብጀካ እቶም ጥዕናኦም ዝከታተሉ ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ብኽልተ ኣብቲ ሕክምና ዝርከቡ ቘልዑ ተሰንዮም ኣብ ናይ ሰንበት ዕለት 11 ሓምለ ካብ ወንጌል ማርቆስ ምዕ. 6 ካብ ፍቕዲ 7-13 ዘተወስደ ምንባብ ኣማእኪሎም፥

ጽን ቢልካ ምስማዕን ቀረባ ምዃንን ሓልዮት እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቤት ሕክምና ጀመሊ ንዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን “ኣብዚ ንሕክምና ኣብ ዝርክበሉ እዋን ብሓቂ ምእንታይ ስለ እትጽልዩን ስለ እትገብሩለይ ድጋፍን ቅርበትኵምን ስለ ኣቲ ናይ ሰናይ ምንዮት መግለጺ መልእኽትታትኵምን ብልቢ አመስግን” ቢሎም “ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ንሕሙማን ክፍውሱ ለኣዀም፡ ብቅብኣ ዘይቲ ክፍውሱ ክልእኾም እንከሎ ንህሙማን ቀረባ ክኾኑን ጽን ክብሉን ሓልዮትን ርህራሄን ክምስክሩን እውን እዩ፥”

ኵላትና ውዒልና ሓዲርና ናይ ሓልዮትን ርህራሀን ቅብኣት የድልየና እዩ፡ ስለዚ እውን ነቶም ሓገዝና ዘድልዮም ብምብጻሕ ስልኪ ብምድዋል ኢድና ክንዝርግሓሎም ዝከኣለና እዩ። እዚ ብመሰረት እቲ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ሓደ ኻብቲ እንሕተተሎም ‘ምስ ህሙማን ጥብቂ ርክብ’ ክህልወና ዝብል እዩ፡ ስለዚ ጥብቂ ርክብ ንግበር ሓደራ! 

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣገዳስነት ኵሉ ክረኽቦ ዝግብኦ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና

ኣብዚ እዋን እዚ ከምዝሓመሙ ዝገልጽ ዝነብርዎ ዘለዉ ተመክሮ ምጥቃስ ዘይተርፍ እዩ፥

ኣብዚ ቤት ሕክምና ኣብ ዝኣተኹሉ እዋን ከምቲ ኣብ ኢጣሊያን ኣብ ካልኦት ሃገራትን ዝርአ ጽቡቕ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንዅሎም ሰባት ኪበጽሖም ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ እንደገና ተመኪረዮ እየ፡ ዅሉ ሰብ ጽቡቕን ናጻ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኪረክብ ኣለዎ። እዚ ዓይነት ኣገልግሎት’ዚ ኪዕቀብ ኣለዎ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ንዅሉ ስለ ዜገልግል ወፈያ ኩሉ ስለ ዚሓትትን ንዅሉ ኪውፈ ኣለዎ። ሓድሓደ ግዜ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከይተረፈ ግሊኡ ናይ ክንክን ጥዕና ትካላት ብጉድለት ጽቡቕ ምሕደራ ናይ ኤኮኖሚ ጸገም ከጋጥሞ ይረአይ እሞ ነዚ ሽግር እዚ ንምፍታሕ ከኣ ነቲ ቤት ሕክምና ንናይ ግሊ ትካላት ምሻጥ ዝብል ውሳኔ ክመሓላለፍ ይስማዕ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣባይቲ ሕክምና ጸዋዕታኣ እምበር መኽሰብ ኣይኮነን፥ ስለዚ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንዅሉ ብናጻን እዩ ኪቐርብ ዘለዎ፡ ምእንቲ እዚ እተን ናይ ናጻ ኣገልግሎት ትካላት ምድሓን የድሊ!

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ሓሳቦም ናብ ኵሎም ሰብ ሙያ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና

ቅዱስነቶም ሓሳቦም ናብ ኵሎም ሰብ ሞያ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ሓኻይምን ኣብ ካልኦትን ኣብ ጀመሊን ኣባይቲ ሕክምና ዘገልግልግሉ ንዘለዉ ኵላቶምን ኵሎም ህሙማንን ንማርያም ረዳኢተ ህሙማን ሕድሪ እንክብሉ፥

ኣብዚ ቤት ሕክምና ዝእለዩ ገለ ካብቶም ዝሓመሙ ኣብዚ ምሳይ ኣለዉ። ሕጻናት ስለምንታይ እያቶም ዝሳቐዩ? ልባትና ዝትንክፍ ሕቶ እዩ። እዚ ኽኣ ንዅሎም ሕሙማን ብፍላይ ነቶም ኣብ ጽንኩር ኰታት ንዝርከቡ ሰባት ብጸሎትና ነሰንዮም ስሌኦም ንጸሊ፡ ሓደኳ ንበይኑ ከይሕደግ ኵሉ ሰብ ቅብኣ ሓልዮትን ቅርበትን ጽን ምባልን ርህራሀን ክበጽሖ መታን፡

እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ዛዚሞም ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከምዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጀመሊ ቤት ሕክምና ንዝርከቡ ህሙማን ምብጻሕ ከምዘካየዱ
ጀመሊ ቤት ሕክምና ንዝርከቡ ህሙማን ምብጻሕ ከምዘካየዱ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስነቶም ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብቲ ንሕክማ ኣብ ዝርከብሉ ጀመሊ ቤት ሕክምና ንዝርከቡ ህሙማን ምብጻሕ ከምዘካየዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናንፍ ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ። 

12 July 2021, 18:05