ፍራንቸስኮ፥ ጀመሊ ቤት ሕክምና፥ ኣካልን ልብን ዝከናኸን ቤት ፍራንቸስኮ፥ ጀመሊ ቤት ሕክምና፥ ኣካልን ልብን ዝከናኸን ቤት 

ፍራንቸስኮ፥ ጀመሊ ቤት ሕክምና፥ ኣካልን ልብን ዝከናኸን ቤት

ነፍሲ ወከፍኩም ኣብቲ ቤት ሕክምና እትፍጽምዎ ብርቱዕ ጥንቃቔን ጻዕሪ ዝሓትት ዕዮ ጥራሕ ኣይኰነን፡ በቶም በቢ መዓልቲ በሸሓት ዝቑጸሩ ናብቲ ቤት ሕክምና ክእለዩ ትጽቢታትን ሻቕሎትን ሒዞም ብዝመጹ ሕሙማት ኣቢሉ ምስ ዝቘሰለ ናይ ኢየሱስ ኣካል ዘራኽብ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ናይ መንበረ ጥበብ ትካል ፖሊክሊኒክ ኣቦ መንበር ካርሎ ፍራታ ፓዚኒ፡ ኣብ ጀመሊ ቤት ሕክምና እተገብረሎም ክንክንን ኣንገዳን ኣቀራርባን ንኸመስግኑ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ቤት ሕክምና ሰብ ዘማእከለ ዝኽተሎ ኣገባብ ክንክን ጥዕና ኣብ እዋን ፈተና ምጽንናዕን ተስፋን ዘስርጽ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣራኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ዓባይ ስድራ ቤት ጀመሊ፡” ስለ እቲ ኣብቲ ቤት ሕክምና ዝተገብረለይ “ልባዊ ክንክን ጥዕናን” ከምኡ እውን ‘መርሓባ ዝብል እተገብረለይ ኣቀባብላ” ልባዊ ምስጋናይ የቕርብ።” እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 4 ሓምለ ክሳዕ ዕለት 14 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ዝነበሮም ሕማም ናይ ቐጸላታት ስርዓተ መትኒ መዓናጡ ንምእላይ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ሰለስተ ሰዓት ዝወሰደ ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ተገይሩሎምን ብመሰረት ውሳኔ ሓኻይሞም ኵነታት ጥዕናኦም ኣብቲ ቤት ሕክምና ኣናተኸታተሉ ኣብ ዘሕለፍዎ እዋን ስለ እተገበረሎም ክንክንን ነቶም ኣብቲ ቤት ሕክምና ዝርከቡ ህሙማን ዝወሃብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ምልስ ቢሎም እናሓሰቡ፥ ብይብጻሕ ናብ ትካል መንበረ ጥበብ ቤት ሕክምና ኣጐስቲኖ ጀመሊ ኣቦ መንበር ካሮሎ ፍራታ ፓዚኒ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስጋናን ሞሳን መልእኽቲ፥ “ኣብ ቤተይ” ከምዘለዅ ኮይነ ክስምዓኒ ዝገብር ዝተገብረለይ ክንክን ጥዕና “ሰብኣዊ ተኣፋፍነትን ስነ ፍልጠታዊ ሞያን ኣብ ክንክን ጥዕና ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ባዕለይ ብቐረባ ተመክሮ ገይረዮ እየ። ብዙሓት ወጅህታትን ዛንታታትን መከራን ህሙማን ኣብ ልበይ ተሓቲሙ ይርከብ፥ እቲ ቤት ሕክምና ብዙሓት ሰባት ዚመጹሉን ትጽቢታትን ሻቕሎትን ሒዞም ዝመጹ ንእሽተይ ከተማ ኮይና እየ ዝረኽብክዋ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ነፍሲ ወከፍኩም ኣብቲ ቤት ሕክምና እትፍጽምዎ ብርቱዕ ጥንቃቔን ጻዕሪ ዝሓትት ዕዮ ጥራሕ ኣይኰነን፡ በቶም በቢ መዓልቲ በሸሓት ዝቑጸሩ ናብቲ ቤት ሕክምና ክእለዩ ትጽቢታትን ሻቕሎትን ሒዞም ብዝመጹ ሕሙማት ኣቢሉ ምስ ዝቘሰለ ናይ ኢየሱስ ኣካል ዘራኽብ ናይ ምሕረት ዕዮ እዩ።

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ቤት ሕክምና ንኽሕከሙ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ብዛዕባ ሕማም ጥራሕ ዘይኮነ ብዛዕባ ኣቀባብላ ሰብን ኣብ ስቓዩ ዘሳትፍ ዓይነት ኣቀባብላን ብቐረባ ከስተውዕሉ ከምዝገበሮምን፥ ቤት ሕክምና ጀመሊ ንሕሙማን ዘለዎ ኣቀራርባን እቀባብላን ኵለንተናዊ ክንክን ጥዕና ንሰብ ፍሉይ ኣተኩሮ ዝገብር ምዃኑ ባዕለይ ኣብኡ ተመክሮ ዝገበርክዎ ሓምና እዩ። ኣብ እዋን ፈተና ምጽንናዕን ተስፋን ክስርጽ ዝኽእል ዘይንጽልን ጽን በሃልን ክንክን ልቢ እውን ወትሩ ኣብቲ ቤት ሕክምና ዝፍጸም እዩ፡ እዚ ኸኣ ወትሩ ክቕጽል ሓደራ እናበልኵ እዚ ተመክሮ እዚ ኣብ ልበይ ህልውን ናብ ጐይታ ጸሎት ገይረ ዘቕርቦን እዩ” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጡ።

ናብ ቅዱስነቶም ዝመሓላለፈ ናይ ሓጐስ መግለጺ መልእኽትታት

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ “ንር.ሊ.ጳ. ቅርበትን ፍቕርን ዝገልጹን ምእንቲ ጥዕናኦም ጸሎት ዘረጋግጽ ካብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለምን መራሕትን ዝተመሓላለፈሎም መልእኽቲ ኣማእኪሉ ኣብ ዘቕርቦ ጸብጻብ ሓበሬታ፥ ቅዱስነቶም ኣብ ሕክምን እንከለዉን ካብ ቤት ሕክን ምስ ወጹን ፍቕርን ቅርበትን ዝገለጽን ጸሎት ዘረጋግጽን መልእኽትታት ከምዝበጸሖምን ብዝርዝር ይሕብር።

21 July 2021, 08:12