ማሕበራዊ ምሕዝነት ንረኣዩለይ ስምዑለይ ዝብል ሆሆታ ኣርሒቁ ሓቢርካ ምንባር ይሃንጽ! ር.ሊ.ጳ

ወርሒ መጸ ኣብ ምጅማር ወርሒ ዝቀርብ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ንወርሒ ሓምለ ስለእቶም ኣብ ብዘተ ንነገራት ናይ ምልላይ ጒዕዞ ዝገብሩ ክጽለ እዚ ከኣ እዞም ንዘተ ዘደንፍዑ ሰባት ትብዓትን ድልየትን ከይጐድሎም ምእንቲ ምዃኑ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና አመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ብዓለምለኸ ሓሳብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብቪድዮ ኣብ ዝተዘርገሐ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ንሓሳብ ጸሎቶም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን ፖሎቲካውን ቅልውላዋት ዓለምና ምርግጋእን ሰላምን ንምፍጣር ኣብ ዘተ ዝነጥፉ ኩሎም ንሕና እውን ምሳኦም ሓቢርና  ብትብዓትን ዓቢ ወንን ድልየትን መጋበሪ ዘተን ዕርክነትን ክንከውን እሞ ደቂ ተባዕትዮናስ ንኹን ደቂ ኣንስትዮና ንሰላም ኢዶም ዝዝርግሑ ንክንከውን በዚ ኸኣ ንጽልእን ውግእን ቦታ ኣይክህሉን እዩ እሞ በዚ ሓሳብ እዚ ንጸሊ ኢሎም።

ዓለምና ሎሚ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ውግእን ወረ ውግእን በጺሑ ማሕበረሰብና ክንዲ ንምሕዝነትን ሰላምን መምስ ዝነፈሰ ንፋስ ሆሆታ ጥራይ ኰይኑ ትርጉም ምሕዝነትን ሰላምን እናኣጥፈኤ ስለዝኾነ ስለ ማሕበራዊ ምሕዝነት እንተወሓደ ኲልና ኣብዛ ወርሒ ሓምለ ምሳኦም ሓቢርና ክንጽሊ ዝተማሕጸኑ ቅዱስነቶም ብቀንዱ ከኣ ነቶም ኣብ ሻውላት ማሕበረሰብን ዓድታትን ተገሊሎም ንዘለው ዳግም ንክንረኽቦም ንንቀሳቀስ ኢሎም።

ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተገሊሎም ምስ ዘለው ዳግም ክንራኸብ!

ቅዱስነቶም ንመልእኽቶም መሪሕ ክትከውን ዝመርጽዋ ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ጥበበ ሲራክ 6.4 ‘እሙን ዓርኪ ሓያል ዕርዲ እዩ! እሙን ዓርኪ ዝረከብ መዝገብ ይረክብ’ ትብል ኰይና ኩልና ክንዮ ጒጅለታትን ምጒጅጃልን ሰጊርና ሓፈሻዊ ምሕዝነት ማሕበር ክንፈጥር እሞ ብሠናይ ምንዮትን ተግባርን ተሓባቢርና ንክነብር ንጽዓር ኢሎም። እዚ ግን ብቀዳምነት ምስ ድኻታትን ተኣፈርትን ክፍሊ ሕብረሰብና ክንራኸብ እሞ ነቶም ኣብ ሻውላት ማሕበረሰብን ዓድታትን ተገሊሎም ንዘለው ዳግም ንክንረኽቦም እንከተሓሳስቡ በቲ ካልእ ወገን ግን ኣብ ዘመንና ዝረኤ ደግፈኒ ክድግፈካ ዝብል ምስ ሕዝብኻ መዓት ዳርጋ ገዓት ዚዓይነቱ ሕዝባዊ ምንቅስቃሳት ካብ ግዝያዊ ሆሆታ ዘይሰግር ሡር መሠረት ዘይብሉ ስለዝኾነ ምትሕልላይን ምድግጋፍን ዝመልኦ ማበራዊ ምሕዝነትን ዕርክነትን ክኸውን ኣተሓሳሲቦም። በዚ ከምዚ ካብቲ ኣዕናዊ ዝኾነ ብመራኸቢ ብዙሓን ዝዝርጋሕ ዳርጋ ማሕበራዊ ቅርሕንትን ጽልእን ክንብሎ እንኽእል ንሃድም ኢሎም።

ካብ ማሕበራዊ ምጽልላእ ምህዳም!

ኣብ ማሕበረሰብ ሕዝባዊ ምንቅስቃሳት እንክለዓለዓል ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ዘርኢ ጽልኢ እውን ስለዝዝርጋሕ እዚ ግን ከዕኑ እንተዘይኰይኑ ምንም ረብሓ ስለዘይብሉ ካብ ምስሕሓብን ወጥርን ንክንሃድም ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

“ካብ ወጥሪ ሕዝባዊ ምስሕሓብ ንክትወጽእ ምናዳ ሎሚ ቀሊል ኣይኮነን። ብሓደ ወገን ፖሎቲካን ማሕበረሰብን ብዘሎ መራኸቢ ብዙሓን ተጠቂሙ ጸላእን ፈታውን ደጋፍን ነቃፍን ኢሉ ብምፍራጅ ብውድድር ሥልጣን ክሽነፉ ዘለዎም ጸላእቲ ይፈጥር። በቲ ካልእ ወገን ግን ነቲ ጒዳይ ብካልእ ሓዲስ መንገዲ ርኢኻ ንምኽኣል ዝግበር ጒዕዞ ዘተ ነቲ ሓባራዊ ሠናይ ነገር ከይትገብር ዝዓግት ግድላት ብሓያል ወኒ ንምሽናፍ ዝቃለስ እዩ። እዚ ከኣ ጐረቤትካ ጥቃኻ ዘሎ ከፍርሃካ ከምዘይብሉ የረጋግጽ ኢሎም።”

ኣብ ጥቃኻ ዘሎ ስግኣት ኣይኹንካ!

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ናብዛ ሓሳብ ጸሎት ወርሒ ሓምለ ንከቅንዑ ምኽንያት ዝኾነ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰና ዝረአ ግጭታትን ዓመጽን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሕጂ ስለዝገነኑን በዚ ከኣ ምስሕሓብ ወጥርን ጽልእን ከም ሓደ ታህዋስ ወይውን ቫይሩስ ኣብ ኣእምሮን ልብን ብዙሓት ኣትዩስ ኣተሓሳስባናን ስምዒታትናን ኣሰራርሓናን ይብክል ስለዘሎ ምዃኑ ገሊጾም። ነዚ ፈውሲ ዝኸውን ከምቲ ኣብ ኩልና ኣሕዋት እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ዘመልከትዎ ዘተን ማሕበራዊ ምሕዝነትን ንጐረቤትካ ወይውን ኣብ ጥቃኻ ንዘሎ ከማኻ ንዝኣመሰለ ሰብ ከም ስግኣት ካብ ምርኣይን ከም ጸላኢ ካብ ምፍራጅን ከድሕነና ከምዝኽእል እውን ኣመልኪቶም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

01 July 2021, 17:54