ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጽቡቕ ኵነት ጥዕና ይርከቡ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጽቡቕ ኵነት ጥዕና ይርከቡ 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጽቡቕ ኵነት ጥዕና ይርከቡ

ቅዱስነቶም ኣብ ጀመሊ ሆስፒታል ኮይኖም ንሸውዓተ መዓልቲ ሕክምና ክከታተሉ እውን ሓኻይሞም ከምዝወሰኑ

ዕለት 4 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ቐትሪ ዝነበሮም ሕማም ናይ ቐጸላታት ስርዓተ መትኒ መዓናጡ ንምውጋድ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ሰለስተ ሰዓት ዝወሰደ ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ከምእተገበረሎምን ንሓደ ሰሙን ዝኣክል እውን ኣብቲ ቤት ሕክምና ክጸንሑ እዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ቅዱስነቶም ድሕሪ ዝተገበረሎም ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ጥዕናኦም እውን ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ከምዘሎ ሓቢሮም፡ ኣስዒቦም፥ ድሕሪ እቲ ሰለስተ ሰዓት ዝወሰደ ናይ መጥባሕቲ ሕክምና እውን ቅዱስነቶም ኣብ ጀመሊ ሆስፒታል ኮይኖም ንሸውዓተ መዓልቲ ሕክምና ክከታተሉ እውን ሓኻይሞም ከምዝወሰኑ ኣፍሊጦም።

08 July 2021, 09:06