ብጸሎት ንር.ሊ.ጳ. ቀረባ ምዃን ብጸሎት ንር.ሊ.ጳ. ቀረባ ምዃን 

ብጸሎት ንር.ሊ.ጳ. ቀረባ ምዃን

“ቅዱስነትኵም ኣብ መንጐ እተን ክልተ ኮርያ ሰላም ክዓስል ብቐጻልነት ስለ እተቕርብዎ ጸሎትኵም ነመስግን “ንምሉእ ጥዕና ገዛእ ርእስኹም ሓደራ ተኸናኸኑ”

ካብ ፊሊፒንስ ክሳዕ ማልታ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ደቡብ ኮርያ እውን ናብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ጸሎትን ፍቕርን ቅርበትን መልእኽትታት ይበጽሕ ኣሎ። እግዚኣብሔር ንቅዱስነቶም ንዅሎም ህሙማንን ቅልጡፍ ምሕዋይ ክጽግው ብዙሓት ኣብ ጀመሊ ቤት ሕክምና ኣብ ዝርከብ ቅርዓት ብምኻድ ጸሎት ከምዘቅርቡን ምእመናን ኣብ ዘዘለዉለን ሃገራትን ጳጳሳትን ኣባይቲ ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ውሉደ ክህነት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ኣብዚ ጸሎት ይሓብሩን ብቕሉጡፍ ክሓውዩ ይጽልዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ መላእ ክፍልታት ዓለም ፍቕሪ ንር.ሊ.ጳ. ዚገልጽ ምስርክነት ይመሓላለፍ ኣሎ። ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ሩሞሎ ቫለስ ዕለት 6 ሓምለ ናይ መላእ ሃገረ ፊሊፒንስ ሕዝቢ ንቕዱስነቶም ዘለዎ ፍቕሪ ዝምስክር ናብ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ፍቝር ህዝቢ ፊሊፒንስ ኣብ ጐይታ ዓሚቝ ትውክልቲ ብምግባርን ብነባሪ ሱታፌን ፍቕርን መንፈስ፥ ምሳዅም ቅዱስነትኵም ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ስቓይን ናብ ምሉእ ምሕዋይ ኣብ እተብልሉ እዋን ይሓብር፡” ፊሊፒናውያን “ካብቶም ኣብዚ እዋን እዚ ምስቶም ኣብ ከቢድ ሕማም ዝርከቡን ሰማዕን ዝርእን ዘይብሎም ኣብ ስቓዮም ንበይኖም ዝተጠንጠኑን ሓድነት ክህልዎም ኣጋጣሚ ገይሮም ኣብ ዝነብሩ ዘለዉ ር.ሊ.ጳ. ብርታዔን ኣስተንፍሶን ይረኽቡ” ዝበሉ ብጹዕ ኣቡነ ቫለስ ኣስዒቦም፥ እዚ ጥብቂ ርክብ እዚ ብኸመይ “ንህሙማን ኣብ ስቓዮም ደገፍን ምጽንናዕን ዚህብ ክቡር ፈውሲ” ክኸውን ከምዝኽእል ኣጒሊሖም፥ መልእኽቶም በቲ ሕዝቢ ፊሊፒንስ ንጳጳስ ሮማ ንሕቝፊ ድንግል ማርያም ሕድሪ ብዝብል ጸሎት ከምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዕለት 7 ሓምለ ናይ ሃገረ ማልታ ርእሰ ብሔር ጆርጅ ቨላ ብስሞምን ብስም ህዝቢ ማልታ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ር.ሊ.ጳ. በርጐሊዮ ናይ ሕክምና መጥባሕቲ ከምእተገብረሎም ምስ ሰምዑ ብዙሕ ከምእተሻቐሉ ገሊጾም፡ “ቀልጢፎም ክሓውዩ ዘለዎም ብርቱዕ ትምኒት” ገሊጾም፡ ቀልጡፎም ክሓውዩ ምሉእ ጥዕና ክረኽቡን ኣብ ጸሎትና ከምእንዝክረኵም ከረጋግጽ እፈትው” ቢሎም፥ “ሕዝቢ ማልታ ኣብዚ ጽንኩር እዋን እዚ ንኣዅም ቅዱስነትኵም ዘለዎ ፍቕራዊ ሓድነትን ዓሚቝ ተወፋይነትን የረጋግጽ፡ ሓዊዅም ናብ ምሉእ ጥዕና ክትምለሱ ኵላትና ናብቲ ኵሉ ዝኽእል ብጸሎት ንሓብር ኣሎና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ረፓብሊካዊት ኮርያ ርእሰ ብሔር ሞን ዢ - ኢን እውን ብወገኖም ናብ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ “ከምቲ ቅዱስነትኵም ንሕዝቢ ኮርያ እተቕርብዎ ፍቕርን በረኸትን ዝገልጻ ቃላትኵም ኣነ እውን ምእንቲ ምሉእ ጥዕናዅም እጽልይ፡ ምሉእ ብምሉእ ሓዊዅም ህዝብታት እቲ ድሙቕ ወጅህዅም ብምሕረት ተመሊእኵም ክርኢ ልባዊ ጸሎተይ እዩ” ከምዝበሉን በዚ ኣጋጣሚ እዚ እውን ኣብ ወርሒ ሰነ 2021 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ንረፓብሊካዊት ኮርያ ዜጋ ብጹዕ ኣቡነ ላዛሮ ዩ ሀኡንግ - ሲክ ናይ ካህናት ጉዳይ ንዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ንኽኾኑ ክሰምይዎም “ምኽንያት ክብሪ ይኾነና” ቢሎም ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው “ብጹዕ ኣቡነ ላዛሮ ዩ ሀውንግ - ሲክ በቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንኸገልግሉ ዝተወሃቦም ሓላፍነት ኣቢሎም ኣብ ዓለም ሰላም ኣብ ምድንፋዕን ኣበርክቶ ክገብሩ” ተስፋና እዩ ቢሎም፥ “ቅዱስነትኵም ኣብ መንጐ እተን ክልተ ኮርያ ሰላም ክዓስል ብቐጻልነት ስለ እተቕርብዎ ጸሎትኵም ነመስግን “ንምሉእ ጥዕና ገዛእ ርእስኹም ሓደራ ተኸናኸኑ” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

14 July 2021, 18:15