ሃገረ ሊባኖስ ከጥሕል ቀሪቡ ካብ ዘሎ ጸገም ወጺአ ዳግም ንክትብገስ ዓለምና ደግፉ የበርክት! ር.ሊ.ጳ

ባሕቲ ሓምለ 2021 ዓም እታ ብሃገረ ጽዕዲ እትፍለጥ ሃገረ ሊባኖስ ኣብ ፈታኒ ቅልውላው ስለዘላ ስለኣን ስለ ማእከላይ ምብራቅን ንምጽላይን ንምስትንታንን ብሓለፍቲ ምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስትያን ተመዲቡስ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እውን ደጋጊሞም ነዚ መደብ እዚ ኩሉ ክሳትፎ ድሕሪ ምዕዳም ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ፍሉይ መደብ ብምስንዳውን ብዙሓት ሓለፍቲ ምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስትያን ዝተሳተፍዎ ዕለተ ጸሎትን ኣስተንትኖን ድሕሪ ምፍጻም ‘ብርሃን ሰላም ናብታ ሃገር ዳግም የንጸባርቅ! ደቂ ኣንስትዮ ክብረት ይወሃበን ኣብ ወሳኒ ከይዲ ሃገር እውን ይሳተፋ’ እንክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ዜና ቫቲካን!

እዛ ካብ ጥንቲ ኣትሒዛ ምንጪ ጽሕዲ ኰይና ዳዊት መዘምር እውን ከይተረፈ ጻድቅሰ ከመ በቀልት ይፈሪ ወይበዝኅ ከመ ዘግባ ዘሊባኖስ እንክብል ዝተቃነየላ ሃገረ ሊባኖስ ቅድሚ ዘረግቲ ምእታዎም ኣብ ሱሳታት ምልክት ምዕባሌ ዘመናውነት ዝነበረት ሎሚ ግን ብዝተናውሔ ዕግርግርን ምምቅቃልን ክትናውጽ ምርኣይ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ። እቲ ዝገደደ ከኣ ብቁሩባት ተበለጽትን መዕገርገርትን ሃገር ምሉእ ክናውጽ እንከሎ ምርኣይ ዘሰከፎም ቅዱስነቶም ንረብሓ መን እዩ እዚ ኩሉ ንዝብል ሕቶ ዝምልሱ እንክምስሉ ብሓጺሩ ነዘን ዝስዕባ ተረርቲ ቃላት የቅርቡ።

“ነቶም ኣብ ርእሲ ጸገም ብዙሓት ሸይሸይ ዝብሉ ቁርባት ተበለጽቲ ይኣክል ንበሎም። ነቶም ንተስፋ ሕዝቢ ኣቅሒሞም ዝተጐጃጀለ ሓቂ ዘቅርቡ ይኣክል ንበሎም! ስለ ጥቅምን መኽሰብን ጓኖት ንሊባኖስን ማእከላይ ምሥራቅን ምምዝማዝ የብቅዕ!’ ኢሎም።”

እቲ ንምሉእ መዓልቲ ዝወዓለ ዕለተ ምህለላ ስለ ሰላም ሊባኖስ ብዝተፈላለዩ መዛሙራትን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝቀረበ ምህለላታትን ከምኡ እውን ብዛዕባ ሰላም ብተደጋጋሚ ብቃላትን ብምልክትታትን ኣብ ዝግለጸሉ ዝነበረ ድምጺ ቅዱስነቶም ዓቢ ተስፋ ኰይኑ ወዓለ። እንተኾነ ኣብታ ዛዛሚት መልእኽቶም ዝቀረባ ቃላት ብሓቂ ተረርቲ ነበራ። ቅዱስነቶም ነዛ ክብርቲ ዕለተ ጸሎትን ኣስተንትኖን ብፓትርያርክታትን ሓለፍቲ ኣብያተ ክርስትያን ሃገረ ሊባኖስን ተሰንዮም እዮም ፈጺሞም። ኣብ ፍጻሜ ከኣ ነታ ንነዊሕ ዓመታት ሃገረ ሊባኖስ ከይትበርህ መብራህቲ ንዘቅህም ሕልና ዝወቅስ ተሪር መልእኽቲ ነቲ ብሰንኪ ምትእትታው ጓኖት ዝሰዓበ ቅልውላው ፖሎቲካን ቊጠባን ነዛ ወትሩ ፈርያም ዝኾነት ሃገር ክሳብ ክንደይ ከምዝደቈሳ ብምዝኽኻር በጃኹም ይኣክል ዕድል ንሃባ ኢሎም።

“ንሕዝቢ ሊባኖስ ኣብታ መሬቶም ብዘይ ምንም ምትእትታውን ብሩህ መጻኢ ንምምጻእ ባዕሎም ክዋስኡ ዕድል ምሃቦም ሕጂ እዩ ኢሎም።”

ጥቅስታት ካህሊል ጂብራን!

ሃገረ ሊባኖስ ብተፈጥሮ ጥራይ ዘይኮነ ብባህልን ሥነጥበብን እውን ሃብታም ክነሳ ብዝተፈጥረ ናይ መኽሰብን ጥቅምን በለጽን ስስዐ ቁሩባት ሰባት ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ኣብ ቅልውላው ቊጠባን ፖሎቲካን ወዲቃ ዘይምሱል መሲላ ምስ ረኣዩ ቅድሚ ሕጂ እውን ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ንክበጽሕዋ ንዘለዎም ሃረርታ ንምግላጽ ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ ‘መደባት ሰላም እምበር ናይ ዕንወት ኣይኮነን ዘሎኒ’ ዳግም ብምጥቃስ ብቀዳምነት ዝገለጽዋ ዕድል ኣብ ዝረኸበሉ ንሃገረ ሊባኖስ ክበጽሑ ንዘለዎም ሃረርታ ገሊጾም።

ቅዱስነቶም ንዓቢ ሥነ ጥበበኛ ሊባኖስ ኻህሊል ጂብራን ኣብቲ ነቢይ ዝብል መጽሓፉ ‘ክንዮ ድቅድቅ ጸልማት ለይቲ እትጽበየና ወጋሕታ ኣላ’ ኢሉ ዝጸሓፎ ከም ሃረርታኦም ንሕዝቢ በይሩት ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“እዚ ከቢብኩም ዘሎ ድቅድቅ ጸልማት ለይቲ ግጭታት ናብ ወጋሕታ ተስፋ ክልወጥ እዩ። ጽልኢ ደው ይበል! ቅርሕንትን ግጭትን ይዕረብ! ሊባኖስ ከኣ ብብርሃን ሰላም ተንጸባርቅ ኢሎም።”

ብርሃን ኣብ ጸልማት!

ቅዱስነቶም ናብታ ናይ ኻህሊል ጂብራን ጥቅሲ ምልስ ይብሉ ናብ ወጋሕታ ንክትበጽሕ ዘላ እንኮ መንገዲ ለይቲ ምዃና ብምግላጽ ናብ ወጋሕቲ ንክበጽሑ ግድን በዛ ለይቲ እዚኣ ክሓልፉ ከምዘለዎም ከምዚ ክብሉ ይገልጹ። `ኣብ ለይቲ ቅልውላው ግን ኩልኹም ሓቢርኩም ሓደ ክትኰኑ የድሊ። ብሕብረት ብቅኑዕ ዘተን ገርሀይና ሕልናን ነቲ ብርሃን ኣብተን ዝጸልመታ ክፍልታት ሃገርኩም ክተብጽሕዎ ትኽእሉ። ንሕና ጓሶት ብጸሎት ሕዝበ እግዚአብሔር ተደጊፍና ኣብዚ ዓይንኻ ዘንቊር ዘይትርእየሉ ጸልማት ብሓባር ናብ ብርሃን እግዚአብሔር ገጽና ቁሊሕ ክንብል ፈቲና። ብብርሃኑ ኢና ክሳብ ክንደይ ጸልማት ከምዝወረረናን ንብርሃኑ ዓጊትና ከምዘሎናን ዝተገንዘብና በዚ ከኣ ንወንጌል ብውህደትን ብዕምቈትን ኣብ ምምስካር ዝገበርናዮ ውድቀታትስ ይኹን ብመንገዲ ሕውነትን ዕርቅርን ምሉእ ሓድነትን ክርከብ ዝከኣል ዕድላት ኣብ ምጥፋእ ዝተጋገናዮ ጐሊሑ ተራእዩና። ስለዚ ከኣ ኢና ‘እግዚኦ መሓረነ’ እናበልና ብጥዑስ ልቢ ምሕረት ንልምን ዘሎና’ ኢሎም።

ብኩሉ ኩሉ ኣላሽ ዝበለን ዝተደናገረን ሕዝቢ ሊባኖስ!

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ናብቲ ኣብ ዕለቱ ክልምንዎ ዝወዓሉ ምናዳ ኸኣ ንሕዝቢ ሊባኖስ ብፍላይ ዘድልዮም ጸጋታት ምልስ ይብሉ። ብመጀመርያ ህልው ኩነታት ሕዝቢ ሊባኖስ ዘቅርቦ ዘሎ ኣውያትን እንታይ ኮን ይኸውን ንዝብል ሕቶ ዝምልሹ እንክመስሉ ‘ሕዝቢ ሊባኖስ ብኩሉ ኩሉ ደኺሙን ረብሪቡን ኣላሽ ስለዝበለ ብቀዳምነት ዝእመን ርግጽነትን ውሕስነትን እንከድልዮ ተስፋን ሰላምን ከኣ እተን ቀንዲ ጸሚእወን ዘሎ እየን። በዚ ሎሚ ዘዕረግናዮ ጸሎት ከኣ ነዚ ጽምእን ገዓርን ሕዝቢ ሊባኖስ ኢና ከነሰኒ ውዒልና። ነታ ደቂ ሰባት ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ክሃንጽዋ ንዝደልዩ ሰላም ካብ ሰማይ ካብ ምምህላል ኣይንክንስልቹን ኢና ኣይክነቋርጽን ኢና። ስለሰላም ማእከላይ ምብራቅን ሃገረ ሊናኖስ ከየቋርጽና ንማህለል` ኢሎም።

“እዚ ክቡር ዓዲ እዚ መዝገብ ምዕባሌን መንፈሳውነትን ኰይኑ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ተሓቋቂፍካ ብሰላም ናይ ምንባር ተስፋ ዝመስክረ ጥበብን ባህልን ዝወሓዘላ ሎሚ ኣብ ኢድ እቶም ብዘይ ንሕስያን ኣስሓኮን ጥቅሚ ገዛእ ርእሶም ጥራይ ዚዓጦም ወይውን ዕድላ ትርኤ ኢልና እናጠፍኤ ሱቊ ኢልና ክንጥምት ኣይከኣልን እዩ ኢሎም።”

ኣብ ኣገልግሎት ሰላም እምበር ኣብ ግላዊ ረብሓ ኣየነማዕዱ!

ከምዚ ሎሚ ምትእምማንን ሕውነትን ከይረሓቃ ሃገረ ሊባኖስ ተምሳሌት ናይ ኩሉ ኰይና ‘ንሽእቶ ክንሳ ዝዓበየት ሃገር’ ተባሂላ እንክስመ ዳርጋ ካብ ጥንቲ ናይ ምጽውዋርን ብዙሕነት ደሴት ሕውነት ኩሉ እምነታት ኰይና ናይ ኩሉ መራኸቢት ነበረት። ሎሚ እውን እንትኾነ ይብሉ ቅዱስነቶም ‘ሎሚ እውን እንተኾነ እዚ ጸዋዕታ መሬት ተጻዋርነትን ብዙሕነትን ደሴት ሕውነት እምነታት ኰይና ነቲ ካብ ማእከላይ ምብራቅ ዝፍኖ ዓለምለኸ መልእኽቲ ሰላምን ሕውነትን እያ። ስለዚ በዓል ሥልጣን ዘበለ ኩሉ ናብ ኣገልግሎት ሰላም እምበር ንግላዊ ረብሓ ከይንብርከኽ ሓደራ’ ኢሎም።

ምስ’ዚ ብምትሕሓዝ ቅዱስነቶም ቀንዲ ክትኰረሉ ዝደለይዎ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ኰይኑ ደቂ ኣንስትዮ ክብረትን ዝተሓለወ ኣብቲ ሃገር ኣብ ዝካየድ ውሳኔታት ከኣ ንጡፍ ተሳትፎ ክህልወን እሞ ኣብ ሊባኖስ ብርሃን ክኾና ኣዘኻኺሮም።

“ደቂ ኣንስትዮ ንኩልና ሕይወትን ተስፋን ዝወልዳልና እየን። ነኽብረን። ዋጋ ንሃበን። ኣብ ጒዕዞ ውሳኔታት ሊባኖስ ከኣ ነሳትፈን ኢሎም።”

ነዚ ኩሉ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ግን ነፍሲወከፍ ዜጋ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኣብ መሪሕነት ፖሎቲካ ዝርከቡ ከምኡ እውን ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ብሓንሳብ ተደጋጊፊካን ተረዳዲእካን እንክትሰርሕ ስለዝኾነ ኩሉ ዜጋ ሊባኖስ መንእሰያት ኣብ ሕልሚ ሽማግለታቶም ተመስሪቶም ንቅድሚት ክግስግሱ መራሕቲ ፖሎቲካ ከኣ ንቁጠባውን ማሕበራውን ፖሎቲካውን ህልው ቅልውላዋት ቅልጡፍን ነባርን ፍታሕ ክረኽቡ በዚ ከኣ ፍትሒ ከንግሡ ሓደራ ኢሎም። ከመይ ይብሉ ቅዱስነቶም `ብዘይ ፍትሒ ሰላም የለን። ንመጻኢ ዝወስድ እንኮ ጐዳና ከኣ ሰላም ጥራይ እዩ። ስለዚ ነዚ ሰላም እዚ ንምርግጋጽ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ዝተኻእሎ ከበርክት እምሕጸን’ እንክብሉ መልእኽቶም ደምደሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

02 July 2021, 12:58