ር.ሊ.ጳ.፥ ንግዳያት ብርቱዕ ዝናብ ቻይና ይጽልዩ፥ ኦሎምፒክ ትእምርቲ ሕውነት ይኹን ር.ሊ.ጳ.፥ ንግዳያት ብርቱዕ ዝናብ ቻይና ይጽልዩ፥ ኦሎምፒክ ትእምርቲ ሕውነት ይኹን 

ር.ሊ.ጳ.፥ ንግዳያት ብርቱዕ ዝናብ ቻይና ይጽልዩ፥ ኦሎምፒክ ትእምርቲ ሕውነት ይኹን

ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ቻይና ዞባ ሔናንን ናይቲ ዞባ ርእሲ ከተማ ዠንግዦ ብብርቱዕ ዝናምን ነዚ ስዒቡ ብዝተፈጥረ ምዕልቕላቕ ማይን ንኸቢድ ሓደጋ ዝተቓልዔት ምእንቲ እቶም ግዳያትን ምእንቲ ስድራ ቤቶምን እጽሊ፡ ንዅሎም እቶም ኣደዳ እዚ ዕንወት እዚ ዝዀኑ ሰባት ዘሎኒ ቅርበትን ሓድነትን እገልጽ

ዕለት 25 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ኣብዚ እዋን እዚ ብብርቱዕ ዝናምን ምዕልቕላቕ ማይን እተጐድኡ ቻይናውያንን እናሓሰቡ፡ በቲ ዘሎ ብርቱዕ ዝናምን ብዝፈጠሮ ምዕልቕላቕ ማይን ግዳያት ናብ 58 ክብ ከምዝበለን ብዙሓት እውን ገና ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠን ኣብ ዝንገረሉ እዋን ምእንታኦም ይጸልዩ። ኣስዒቦም እውን ነቲ ዝሓለፈ ዓርብ ዕለት 23 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ብወግዒ ዝተኸፍተ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኦሎምፒክ ስፖርት ውድድር ከምቲ ብዘመሓላለፍዎ ኣብ ናይ ትዊተር ማሕበራዊ መልእኽቲ ዝበልዎ “ምልክት ተስፋን ኣድማሳዊ ሕውነትን ይዅን” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቻይና ብርቱዕ ዝናምን ነዚ ስዒቡ ብዝተፈጥረ ምዕልቕላቕ ማይ ልዕሊ 3 ሚሊዮን ዝግመት ህዝቢ ንዝተፈላለየ ሓደጋ ከምዘቃለዔን፡ ልዕሊ 376 ሺሕ ዝኾኑ ሰባት እውን ከምዘመዛበለን ናይ ቻይና ናይ መንግስቲ መደብር ተለቪዥን ካብ ዝሃቦ ሓበሬታ ክፍለጥ እንከሎ፡ ብፍላይ ናይ ዞባ ሔናን ርእሲ ከተማ ዥንግዦ ብብርቱዕ ከምዘጥቀዔን መገድታታን ናይ ትሕቲ ምድሪ መጓዓዝያ ባቡርን ብማይ ከምተቐብረን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ጀርመን ብርቱዕ ዝናም ዘስዓቦ መጉዳእቲ ምኽንያት ዘመሓላለፍዎ ናይ ጸሎትን ቅርበትን መልእኽቲ፡ ዕለት 25 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ምእንቲ ቻይናን ብፍላይ ምእንቲ እቶም ግዳያት ዝኾኑን ንዝተፈላለየ ሓደጋ ዝተቓልዑን ገና ሃለዋቶም ንዘይተረኽበን ንጸልይ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ቻይና ዞባ ሔናንን ናይቲ ዞባ ርእሲ ከተማ ዠንግዦ ብብርቱዕ ዝናምን ነዚ ስዒቡ ብዝተፈጥረ ምዕልቕላቕ ማይን ንኸቢድ ሓደጋ ዝተቓልዔት ምእንቲ እቶም ግዳያትን ምእንቲ ስድራ ቤቶምን እጽሊ፡ ንዅሎም እቶም ኣደዳ እዚ ዕንወት እዚ ዝዀኑ ሰባት ዘሎኒ ቅርበትን ሓድነትን እገልጽ፡

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሓጽቢ ዪሐታን ንሓደጋ ምፍራስ ተቓሊዑ ኣሎ

እታ ኣብ ጥቓ ብጫ ፈለግ እትርከብ ልዕሊ 10 ሚሊዮ ዝግመት ተቐጠማጦ ዘለዉዋ ከተማ ዳርጋ ዝጠሓለት ከተማ ኮይና ከምዘላን፡ ክኢላታት እውን ከምዝገልጽዎ ከምዚ ዓይነት ናይ ማይ ቦምቢ ተራእዩ ከምዘይፈልጥ እንክሕብሩ፡ ልዕሊ 6 ሺሕ ዝግመቱ ሰራሕተይናታት መጥፋእቲ ሓውን ምክልኻል ሓደጋን ወለንተይናታትን ኣባላት ሓይሊ ምክልኻልን ነቲ ዝተጐድአ ህዝቢ ዘድሊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ተዋፊሮም ከምዘለዉን፡ እቲ ብርቱዕ ዝናምን ዝተፈጥረ ምዕልቕላቕ ማይን ሓጽቢ የሓታን ኣብ ዝኾነ እዋን ከፍርሶ ከምዝኽእል ናይ ሕጹጽ ሓደጋ ጉዳይ ዝኸታተል ቤት ጽሕፈት ከጠንቅቕ እንከሎ። ናይ ሕዝባዊት ረፓብሊካዊት ቻይና ርእሰ ብሔር ሺ ዢንፒንግ፥ እቲ ኵነታት ኣዚዩ ጽንኩር ምዃኑ ተኣሚኖም፡ ኣብ ኵሉ ደረጃታት ንዚርከቡ ሰበ ስልጣናት ንድሕነትን ሕይወት ዜጋታትን ንብረቶምን ቀዳምነት ክህብሉ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

ናይ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ መልእኽቲ

ቅዱስ ኣቦና ድርሒ ዘቕረብዎ ናይ ጸሎትን ደገፍን ጻውዒት ኣብ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ፡ እቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቻይናን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብርቱዕ ዝናምን ምዕልቕላቕ ማይን ኣብ ገሊኡ ከባቢታት ዓለም እውን ብምውሳኽ ናይ መሬት ሙቐት መጠንን ዘጋጥም ዘሎ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ኪሳራታት ከምዘሻቕሎም ገሊጾም፥ እቲ ዝርአይ ዘሎ ምዝባዕ ማሓድሮን ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየርን ንምውጋድ ከስዕቦ ካብ ዝኽእል ስግኣት ፍጥረት ንምዕቃብ ትብዓት ንዝሓትት ስጉምቲ ዝድርኽን ዘደልድልን ክኸውን እንክብሉ ከምእተላበዉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ር.ሊ.ጳ. ንዓለም ሓቆፍ ኦሎምፒክ ቡራኬኦም የመሓላልፉ

ቅዱስነቶም ነቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 23 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ቶክዮ ብወግዒ ዝተበገሰ ናይ 2020 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ናይ ኦሎምፒክ ስፖርት ውድድር (ብምኽንያት ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ናብ 2021 ዓ.ም. ዝተሰጋገረ)፡ እናሓሰቡ፥

ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ናይ ኦሎምፒክ ስፖርት ውድድር ኣብቲ ነፍሲ ወከፍ ስፖርተይና ዘለዎ እወታዊ ናይ ምስዓር ኦጎነት ናይ ተስፋን ናይ ኣድማሳዊ ሕውነትን ትእምርቲ ይዅን። ኣምላኽ ነቶም ኣዳለውትን ስፖርተይናታትን ንዅሎም እቶም ኣብዚ ዓብዪ ጽምብል ስፖርት እዚ ዚተሓባበሩን ይባርኮም!

ዝብል መልእኽቲ ዕለት 25 ሓምለ 2021 ዓ.ም. በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ከምዝፈነዉ ዜና ቫቲካን የዘካኽር።

26 July 2021, 18:50