ናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎትን ቅርበትን ንግዳያት ምዕልቕላቕ ማይ ኣብ ጀርመን ናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎትን ቅርበትን ንግዳያት ምዕልቕላቕ ማይ ኣብ ጀርመን 

ናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎትን ቅርበትን ንግዳያት ምዕልቕላቕ ማይ ኣብ ጀርመን

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘንን ጸሎትን ቅርበትን መግለጺ መልእኽቲ እቶም ገና ሃለዋቶም ዘይተረኽበን ማህሰይቲ ዘጓነፎምን ቤቶምን ንብረቶምን ዝባደሞምን ኣብ ጸሎቶም ዝኵራት ምዃኖም ኣረጋጊጾም፡ “ካብ እግዚኣብሔር ምጽንናዕን ድጋፍን እምሕጸን”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ናይ ጀርመን ርእሰ ብሔር ሽታይንማየር፥ በቲ ኣብ ጀርመን ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ ናይ ሞት ሓደጋ ንዘጋጠሞምን ቤቶምን ንብረቶምን ዝባደሞምን ንምዉታት ኣባይቲ ስድራን ገና ሃለዋቶም ዘይተረኽቡን ኵሎም ብጸሎት ቀረባ ምዃኖምን እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝፈጠረሎም ጥልቂ ሓዘን ገሊጾም ነቶም ኣብ ስቓይ ዘለዉ ኵሎም ቅርበቶምን ጸሎትምን ዘረጋግጽ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ጀርመን ብሰንኪ ምዕልቕላቕ ማይን ዕንወትን ዘስዓበ ህቦብላን እናሓሰቡ ንህዝቢ ሃገረ ጀርመን ቅርበቶምን ጸሎትምን የረጋግጹ። በቲ ዘጋጠመ ምዕልቕ ማይን ብርቱዕ ህቦብላን 45 ሰባት ግዳያት ከምዝኾኑ ካብ ጀርመን ዝወጹ ምንጪ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናብ ናይ ፈደራላዊት ጀርመን ርእሰ ብሔር ፍራንስ ቫለር ሽታይነር ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፥ በቲ ኣብ ራይንላድ ቨስቲፋሊያን ኣብ ራይንላድ ፋይዝን ዘጋጠመ ሓደጋ ምዕልቕላቕ ማይን ዕንወት ዘስዓበ ህቦብላን “ልቦም ብሓዘን ኣዚዩ ከምእተተንከፈ” ገሊጾም ነቶም “ዝሞቱ ኣብ ጸሎቶም ከምዝዝክርዎምን ንስድራ ቤት ምውታት ቅርበቶም ገሊጾም፡ ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር እምሕጸን” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘንን ጸሎትን ቅርበትን መግለጺ መልእኽቲ እቶም ገና ሃለዋቶም ዘይተረኽበን ማህሰይቲ ዘጓነፎምን ቤቶምን ንብረቶምን ዝባደሞምን ኣብ ጸሎቶም ዝኵራት ምዃኖም ኣረጋጊጾም፡ “ካብ እግዚኣብሔር ምጽንናዕን ድጋፍን እምሕጸን” ቢሎም “ነቲ ዝተጐድአ ሕዝቢ ኣብ ምሕጋዝ ዝከኣሎም ኵሉ ዚገብሩ ንዘለዉን ንሓይሊ ምክልኻል ሓደጋ ኣባላትን ኵሎም መንፍሳዊ ቅርበተይ አረጋግጽ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ጀርመን መራሔ መንግስቲ መርከል ፥ “ዘሕዝን ፍጻሜ”

እቲ ዝተረፈ ነገራት ኵሉ ዘርእይ ምስሊ ምልክት ናይቲ ብዘይምቁራጽ ክልተ መዓልቲ ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናም ዘስዕቦ ዕንወት እዩ፡ እዚ ኸኣ ብሰንኪ እቲ ንህይወት ሰባት ጥራይ ዘይኮነስ ንኣባይትን ኣባይቲ ንግድን ዘዕነወን ማካይንን እውን ጐቲቱ ዘጥፈአ መገድታት ዘዕለቕለቐ ከምዝኾነን፡ ኣብ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካይዳ ዘለዋ ናይ ጀርመን መራሔ መንግስቲ ኣንጀላ መርከል ነቲ ዘጋጠመ ሓደጋ “ዜሕዝን ፍጻሜ” እንክብላ ገሊጸን፡ በቲ ዝርአይ ዘሎ ኩነታት ከምዝሰምበዳን ብርቱዕ ሓዘን የሕድረለይ ከምዝበላ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን እቲ ብርቱዕ ዝናምን ምዕልቕላቕ ማይን ብርቱዕ ህቦብላን ኣብ በልጂም እውን ከምዘጋጠመን ሓሙሽተ ዜጋታት ግዳያት ከምዝገበረን ኣብ ሉሰምበርግን ሆላንድን እውን ኣፍሊጡ።

17 July 2021, 02:25