ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር

ናብታ “ስቕታን ጸሎትን ምስትንታንን” ዘማዕበለት ንደቃ ወትሩ ርሕራሐ ናብ ዘለዋ ማርያም ከነብል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝትረኽብሉ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፥ ኣብ ናይ ዕዮ ሸቐልቀልን ሃላኽን ከይንወድቕ ንጠንቀቕ ቢሎም ብሸበድበድን ታህዋኽን ክጭወ ዘይፈቅድ ልቢ ጥራይ እዩ ንኻልኦት ክሓልይ ዝኽእል፡ እምበኣር ኣብዚ እዋን ዕረፍቲ ምስትንታንን ቡቕባቐን ንናይ ልቢ ማሓድሮ ኣድላዪ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ነቲ ንመደባትና ዝእዝዝ ጭንቀት ዝመልኦ ቕድድም ነቋርጾ” ምስ ጐይታ ንምርኻብ “ናይ ኢድ ተለፎናት ምጥፋእ”፡ “ንቝስሊ ካልኦት ካብ ምስትብሃል ሓሊፍና ድማ ባዕልና ብሸበድበዳትናን ብእንገሮ ነገራትን ክንጭወይ ንኸይንፈቅድ ምስ ጐይታ ምዝታይ ንመሃር” ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ክኸውን እንከሎ፥ ናይ ዕለቱ ካብ ማርቆስ ወንጌል ምዕ. 6 ካብ ፍቕዲ 30 ክሳብ 34 ዝተወስደ ምንባብ ኣማእኪሎም ክኸውን እንከሎ፥ “ኣብዚ እዋን ዕረፍቲ፥ ዓመታዊ ዕረፍቲ እዚ ኣስተንትኖን ቡቕባቐን ንናይ ልቢ ማሓድሮ ኣገዳሲ እነስተውዕለሉ እዋን ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ኣብ ቤተ ክርስቲያን እውን ከይተረፈ ኩሉ ኣባኻ ዚምርኮስ ገርካ ናይ ምሕሳብ ሓደጋ ኣሎ

ናይ ዕለቱ ወንጌል ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ቁሩብ ከዕርፉ ከምዘተባበዖም ይገልጸልና፡ ኢየሱስ ብዛዕባ ሃልክታቶምን ብዛዕባ እቲ ዘቕርብዎ ዝነበረ ሕቶ ዘይኮነስ ብዛዕባ ድኻሞም ይጭነቕ፡ ካብቲ ሓደገይና ዝኾነ ዓሪዱ ክዕብለና ካብ ዝደልይ ገዛእ ርእስና ፍጹማን ተዋሰእቲ ገርና ናብ ምሕሳብ ዝድርኽ መኽሰብ ካብ ዝብል መግዛእቲ ንጥፈታውነት “መፈንጠራ” ንጠንቀቕ፥

ኣብ ቤተ ክርስቲያን እውን ክንደይ ሳዕ እዩ ዜጋጥም - ብስራሕ ትሑዛት ኢና፡ ንጐዪ ኵሉ ነገር ኣባና ከም ዚምርኮስን ኣብ ምወዳእታ ኸኣ ንኢየሱስ ዕሽሽ ክንብል፡ ደሓር ድማ ናብቲ ማእከል ዝኾነ ንምለስ፡ ስለዚ እዩ ድማ ነቶም ናቱ ዝኾኑ ካብ ኵሉ ነገራት ርሕቕ ቢሎም ኣብ ጐድኑ ኮይኖም ንኸዕርፉ ዝዕድሞም፥ ኣካላዊ ዕረፍቲ ጥራይ ዘይኮነስ ንዕረፍቲ ልቢ እውን እዩ ዝጽውዖም፡ ነዚ ኸኣ ብኸመይ ኢና እትገብሮ? ከምኡ ንምግባር ከኣ ናብ ልባውያን ነገራት ምምላስ የድሊ፡ እዚ ኸኣ ካብ ቅድድም ስራሕ ናብ ቅድድም ናይ ዕረፍቲ እዋን ምእንቲ ከይንወድቕ ደው ክንብልን ገዛእ ርእስና ናብ ጽሞና መታን ከነብል ምጽላይ ይሓትት፡

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ብነገራት ምእንቲ ከይንውሓጥ ምስ ጐይታ ምዃን

ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ኢየሱስ ካብቲ ድሌት እቶም ህዝቢ ኣይሃደመ፥ የግዳስ ቅድሚ ዅሉ ንኽጽልይ ገዛእ ርእሱ ካብ ኩሉ የርሕቕ ነበረ፡ ይኹን እምበር ሰባት ካብ እተፈላለየ ቦታ ካብቲ ዕለታዊ ዕዮታቶም ንኸዕርፉ ይርበጹ ከምቲ ዝደልይዎ ድማ ከየዕረፉ ይተርፉ፥ እቲ ናይ ሎሚ ሰንበት ዕለት 18 ሓምለ ወንጌል፥ ንሓድሕዱ ዚገራጨው እዩ ዚመስል፡ ከም ሓቂ ግና “እቲ ብታህዋኽ ክጭወይ ዘይፈቅድ ልቢ ጥራይ እዩ ብቕዓት ቡቕባቔ ዝህልዎ፡ እዚ ናይ እግዚኣብሔር ኣገባብ ህይወት እዩ፥ “ቀረባውነትን ርሕራሐን ለውሃትን፥”

ርሕራሐ ካብ ምስትንታን እዩ ዚመጽእ። ናይ ሓቂ ዕረፍቲ እንተ ተማሂርና ናይ ሓቂ ርሕራሕ ክህልወና እዩ፡ ናይ ምስትንታን ክእለት እንተድኣ ኣማዕቢልና እቶም ክውንኑን ኵሉ ከህልዅን ናይ ዝደልዩ ሰባት ሕሱም ኣረኣእያ ከይነበሮም ንጥፈታትና ንቕጽል፡ ምስ ጐይታ እንተ ተራኺብና መዓሙቕ ክፍሊ ህይወትና ኣይድንዝዝን እቲ ክንገብሮ ዘሎና ነገራት እስትንፋስና ኣይኮላልፍን ኪውሕጠና ኣይኽእልን፡ ነዚ ጽን ኢልና ክንሰምዖ የድልየና፡ እቲ ብዕረፍን ብምስትንታንን ቡቕባቐን ዚቘመ ‘ማሓድሮ ልቢ’ የድልየና። ነዚ ናይ ዕረፍቲ እዋን እስከ ንጠቐመሉ!

ቢሎም ኣብ መወዳእታ፥ ናብታ “ስቕታን ጸሎትን ምስትንታንን” ዘማዕበለት ንደቃ ወትሩ ርሕራሐ ናብ ዘለዋ ማርያም ከነብል ተማሕጺኖም፡ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጡ።

19 July 2021, 18:05