ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ነቶም ኣብ ጀርመንን በልጅምን ሆላንድን ግዳያት ምዕልቕላቕ ማይ ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ነቶም ኣብ ጀርመንን በልጅምን ሆላንድን ግዳያት ምዕልቕላቕ ማይ 

ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ነቶም ኣብ ጀርመንን በልጅምን ሆላንድን ግዳያት ምዕልቕላቕ ማይ

ጐይታ ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ኣብ ቤቱ ሓንጐፋይ ቢሉ ክቕበሎምን ኣባይቲ ስድራ ምዉታት ከጸናንዕን ንዅሎም እቶም ከቢድ መጉዳእታ ዝወረዶም ሓገዙ ኣይፍለዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይን ብርቱዕ ህቦብላ ምኽንያት ሞትን ማህሰይትን  

ንዘጋጠሞምን ቤቶምን ንብረቶምን ንዝባደሞምን ንምዉታት ኣባይቲ ስድራን ገና ሃለዋቶም ዘይተረኽቡን ኵሎም ጸሎቶምን ቅርበቶምን ከምዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ምስቶም ብባህርያዊ ሓደጋታትን ምዕልቕላቕ ማይን እተጠቕዑ ህዝብታት ጀርመንን በልጅምን ነዘርላንድን ጥቡቕ ቅርበተይ እናገለጽኩ፡ ጐይታ ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ኣብ ቤቱ ሓንጐፋይ ቢሉ ክቕበሎምን ኣባይቲ ስድራ ምዉታት ከጸናንዕን ንዅሎም እቶም ከቢድ መጉዳእታ ዝወረዶም ሓገዙ ኣይፍለዮም” ብዝብላ ቃላት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብዚ ቀረባ መዓልትታት ኣብ ማእከላይ ኤውሮጳ ብዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናብን ምዕልቕላቕ ማይን ህቦብላ ነፋስን ንሞትን ንኻልእ ንዝተፈላለየ ሓደጋ ንዝተቓልዑን ዘኪሮም፥ ነቶም ዝተጐድኡ ሓገዝ ከይፍለዮም” ሓደራ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

19 July 2021, 18:24