ሓያል ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ምርግጋእን ሰላምን ሃገረ ሃይቲ

ኣብቲ ኣቡናት እታ ሃገር ኣብ ሃይቲ ሕይወት ንጥቕሚ ኵሉን ንረብሓ ሃይትን ብሓባር ምዕያይ ዝብል ተወፋይነት ክሕረይ እንክብሉ ኣብ ዘቕረብዎ ጽዋዒት እሓብር፡ ነቲ ፍቝር ህዝቢ ሃይቲ ቀረባኡ እየ

ዕለት 11 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሕክምና ካብ ዝርከቡሉ   ቤት ሕክምና ጀመሊ ካብቲ ዝርከብሉ ዓስራይ ደርቢ ኣብ ዘሎ ሰገነት በቶም ብቐረባ ዝከታተልዎም ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ተሰንዮም ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ለጊሶም ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ ህልው ኩነታት ሃይቲ እናሓሰቡ፡ ሃይቲ ናብ ናይ ሰላምን መጻኢ ስኒትን ዝመርሕ መስርሕ ከተብል መታን ምርጋፍ ኣጽዋር ውግእ ክረጋገጽ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዝርከብሉ ቤት ሕክምና ህልው ኩነታት ሃይቲ ብቐረባ ይከታተሉን ምእንቲ እታ ሃገርን ህዝባን ጸሎት ከምዘዕርጉን እነሆ ድማ ዕለት 11 ሓምላ ንሕክምና ካብ ዝርከቡሉ ጀመሊ ቤት ሕክምና ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ርእሰ ብሔር ሃይቲ ምስ ተቐተሉን በዓልቲ ቤቶም እውን ከቢድ ማህሰይቲ ወሪድወን ኣብ ሕክምና ኣብ ዘለዋሉ እዋን፡ ብዘይ ምቁራጽ ስለ እታ ሃገር ከምዝጸለዅን፥

ኵላትና ኣብዚ ጸሎት እዚ ንኽንሓብር ተላብዮም፡ እቲ ዓመጽ ደው ክብል ኣጽዋር ውግእ ብምእላይ ህይወት ክምረጽን ነታ ሃገር ናብ ሃገራዊ ስኒት ንምምላስ ናይ ሰላም መስርሕ ክብገስ ጽዋዒት ከምዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብቲ ኣቡናት እታ ሃገር ኣብ ሃይቲ ሕይወት ንጥቕሚ ኵሉን ንረብሓ ሃይትን ብሓባር ምዕያይ ዝብል ተወፋይነት ክሕረይ እንክብሉ ኣብ ዘቕረብዎ ጽዋዒት እሓብር፡ ነቲ ፍቝር ህዝቢ ሃይቲ ቀረባኡ እየ፡ እቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ዓመጽ ኬቋርጽ እታ ሃገር ከኣ ናብ መጻኢ ሰላምን ስኒትን ንምብጻሕ ኣብ ዘኽእላ መገዲ ክትጓዓዝ ተስፋ እገብር፡

ከምዝበሉ ኣፍሊጡ፥ ኣተሓሒዙ

ቅትለት ርእሰ ብሔር ሞይዘ

ካብ ዕለት 6 ሓምለ ናብ ዕለት 7 ሓምለ ዘሰጋግር ለይቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ሃይቲ ርእሰ ብሄር ጆቨነል ሞይዘ ግብረ ቅትለትን ከቢድ መጉዳእቲ ዘጋጠመን በዓልቲ ቤቶም ኣብ ጽኑዕ ሕክምና ከምዝርከባ ክፍለጥ እንከሎ፥ ኣብ ልዕሊ ርእሰ ብሔር ሞይዘ መቕተልቲ ዝወሰነን ነቲ መቕተልቲ ብቐጥታ ዝፈጸመን ንምልላይ ዝግበር ዘሎ መርመራ ይቕጽል ከምዘሎ ናይ ሃይቲ ሓይሊ ጸጥታ ክሕብር እንከሎ፥ መቕተልቲ ዝፈጸመ ሓይሊ 26 ዜጋታት ኮሎምቢያን ክልተ ሃይታዊ መበቈል ዘለዎም ኣመርካውያን ብጠቕላላ 28 ኣባላት ዝሓቍፍ ሓይሊ ምዃኑ መግለጺ ሓይሊ ጸጥታ የመላኽት። እቲ ኣብ ልዕሊ ርእሰ ብሔር ሞይዘ ዝተፈጸመ ቅትለት ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ካብ ዝርአይ ዘሎ ናይ ዘይምርግጋእን ሁከትን ደራኺ ዘሕዝን ፍጻሜታት ሓደ ከምዝኾነን ነታ ሃገር ናብ ሕንፍሽፍሽ ንኸተብል ብቐጻሊ ዝፍጸም ቅለትን መጥቓዕትን ዘመተን ኣዚዩ እናበኣሰ ይኸይድ ከምዘሎ ይንገር።

ዘስካሕክሕ ቅትለት

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ በቶም ኣብ ሃይቲ ብዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፍራንሲስኮ ኤስካላንተ ሞሊና ኣቢሎም ናብ ሃገረ ሃይቲ ዕለት 8 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ፥ እቲ ካብ ዕለት 6 ሓምለ ናብ ዕለት 7 ሓምለ ዘሰጋግር ለይቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ሃይቲ ርእሰ ብሄር ዝተፈጸመ ቅትለት “ዘስካሕክሕ ቅትለት” እንክብሉ ኮኒኖም፡ ምእንቲ እተን ዝቖሰላን ኣብ ሚያሚ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ኣብ ጽኑዕ ሕክምና ዝርከባ ቀዳማዊት በዓልቲ ቤት ርእሰ ብሔር ሃይቲ ጸሎቶም ከምዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ናይ ሃይቲ ብጹዓን ጳጳሳት መግለጺ

“ዘይቅቡልን ዘፈንፍንን ተግባር” ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ መግለጺ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ሃይቲ እቲ መቕተልቲ ምስ ተፈጸመ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ከምዝፈነዉ፡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “እዚ ዘሕዝን ፍጻመ እዚ ኣብ ታሪኽና ከም ህዝቢ መጠን ዘሕዝን መቐይሮ እዩ፡ ብዙሓት ክፍሊ ህዝቢ ሃይቲ ደይ መደይ ኢሎም ዓመጽ ብምምራጽን ዓመጽ ከም ሜላ ድሕነትን ንሶውራዊ ተቓውሞ መጋብርያ ገይሮም ክጥቀምሉ ምርኣይ ዘሕዝን እዩ፥ ዓመጽ ዓመጽ ጥራይ እዩ ዝወልድ ናብ ጽልኢ ድማ ይመርሕ፡ ንሃገራና ካብቲ ዘላትሉ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ሁከትን ፈጺሙ ዘላቕቓ ኣይኮነን” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ጻውዒት ንዘተ

ስለዚ እቶም ኣብ ሃይቲ ዚነብሩ “ኵሎም፥ ንብሕታዊ ትዕቢትን ንጉጅላዊ ረብሓታትን ዘካይድዎ ምንቅስቓስ ኵሉ ኣወጊዶም ኣብ ነቲ መላእ ህዝቢ ሃገረ ሃይቲ ንነዊሕ ኣዋን ዚጽበዮ ዘሎ ፍታሕ በቲ ንሃገርና ዘሎና ፍቅሪ ከም ህዝቢ መጠን ዘሎና ስነ - ምግባራዊ ስርዓታትን ዚምርከሰሉ ኣብ ናይ ዘተ ሰደቓ ክራኸቡ ጻውዒት ነቕርብ” ቢሎም፥ “ኣጽዋር ምርጋፍን ሕይወት ምምራጽን፥ እዚ ናይ ኵሉ ጻዕሪ እዩ ክኸውን ዘለዎ፥ ምእንቲ ንናይ ሃገርን ህዝብን ሃይቲ ረብሓን ንሓባራዊ ሰላም ኵሉ ከከም ሓላፍነቱ ኣብርቲዑ ክዓዩ ንላበው።” ብዝብል ሓሳብ ዘውጽኦ መግለጺ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

መዓልቲ ባሕሪ ማያት፥ ብጹዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ

ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለት 11 ሓምለ ዘብዕሎ ሰንበት ማያት ባሕሪ ከምዝዘከሩን ብፍላይ ነቶም ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩን ባሕረይናታትን ንማያት ባሕሪ ጥዕናን ክንክንን ጸሎት ክቐርብን ኣብዚ መዳይ ማሕበርሰብ ንምንቕቓሕ ዝተፈላለዩ መደባት ዘካይደሉ ምዃኑ ዘኪሮም፡ ኣብ “ባሕሪ ዝድርበ ጓሓፍ ኣይሃሉ” ቢሎም፡ ኣብ ፖላንድ ስድራ ቤት ራዲዮ ማርያም ዘዳለዎ ናብ ቸስቶኮዋ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ንዝነግዱ ከምዝዘከሩን ከምኡ እውን ዕለቱ ቅዱስ በነዲክቶስ ዝዝኸረሉ ዕለት ምዃኑ ዘኪሮም ንመላእ በነዲክታውያን ገዳምያውያንን ገዳማውያትን ከምኡ እውን ቅዱስ በነዲክቶስ ሓላዊ ቅዱስ ኤውሮጳ እውን ብምዃኑ ዘኪሮም ንኵሎም በነዲክታውያን ንኤውሮጳን እንቋዕ ሓገሰኩም ከምዝበሉ ሓቢሩ።

መዓልቲ ባሕሪ ማያት፥ ብጹዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ
መዓልቲ ባሕሪ ማያት፥ ብጹዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ
12 July 2021, 17:56