ር.ሊ.ጳ.፥ “ሞንሰንግዎ ንድኻታት እተወፍዩ ናይ ስነ ፍልጠትን ሰላምን ሰብ” እንክብሉ ይዝክርዎም ር.ሊ.ጳ.፥ “ሞንሰንግዎ ንድኻታት እተወፍዩ ናይ ስነ ፍልጠትን ሰላምን ሰብ” እንክብሉ ይዝክርዎም 

ር.ሊ.ጳ.፥ “ሞንሰንግዎ ንድኻታት እተወፍዩ ናይ ስነ ፍልጠትን ሰላምን ሰብ” እንክብሉ ይዝክርዎም

“ካርዲናል ሞንሰንግዎ ከም ካህንን ኣቡንን መጠን ህይወቶም ንምእመናን ኣብ ዘድልዮም ነገርት ኣወፍዮምን ከምኡ እውን ንድኻታት ብምቷክርን ዝበለጸ ኣማራጺ ኵነት ንምቅራብን ዝተወፍዩ፥ በዚ ምኽንያት ከኣ ነቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትንቢታዊ ተልእኾ ዘንጻብራቑ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኪንሻሳ ሊሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ሞንሰንግዎ ካብዚ ዓለም ብሞት ከምእተፈልዩ ምስ ተሓበሮም፥ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ ተለግራም፥ “ዓቢይ ጓሳን ዓሚዩቕ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልጋሊ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ጐንጐን ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ዘሰብኡ” እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ናይ ስነ ፍልጠትን ፍትሕን ሰላምን ሓድነትን ሰብ፡ ነገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ብምልኣት ዝተወፍዩ ጓሳ፡ ንድሌት ምእመናን ኮንጐን ንምዕባለ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ብቅድመ ግንባር ውፉይ፥ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናብ ናይ ኪንሻሳ ሜጥሮጳሊታ ብጹዕ ካርዲናል ፍርዶሊን ኣምቦንጎ በሱንግ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ገሊጾም፥ “እሙንን ናይ ቀረባ ተሓባባርን ንናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ህይወት ኣበርክቶ ካብ ምቕራብ ዘየቋረጹ” ቢሎም ንነፍሰ ሄር ብጹዕ ካርዲናል ላውረንት ሞንሰንግዎ ፓዚኒያ “ብኣኽብሮትን ፍቕርን” ከምዝዘከረዎም ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንዘተን ሰላምን ህዝቢ ሃገሮም ከይተሓለሉ ዘገልገሉ

“ካርዲናል ሞንሰንግዎ ከም ካህንን ኣቡንን መጠን ህይወቶም ንምእመናን ኣብ ዘድልዮም ነገርት ተጸሚዶምን ከምኡ እውን ንድኻታት ብምቷክርን ዝበለጸ ኣማራጺ ኵነት ንምቅራብን ዝተወፍዩ፥ በዚ ምኽንያት ከኣ ነቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትንቢታዊ ተልእኾ ዘንጻብራቑ” ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ኣስዒቦም፥ “ናይ ፍትሕን ሰላምን ሓድነትን ሰብ፥ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዘተባቦዑን፥ ኣብ ሃገሮም ዝኽበሩ ወዲ ቤተ ክርስቲያን ዘተን ዕርቅን ክረጋገጽ ከይተሓለሉ ዘገልገሉ ንምዕባለ ሃገሮም ዓቢይ ኣበርክቶም ዝገበሩ” እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተንታኒ ቅዱስ መጽሓፍን ናይ ስነ ምርምርን መንፈሳውን ሰብ

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ዝተሰምዖን ጥልቂ ሓዘን ገሊጾም፥ ንጳጳሳትን ተራዳእያን ጳጳሳትን ንምእመናን ሰበኻ ኢኖንጎን ኪስናንጋኒን ኪንሻሳን ንስድራ ቤት ነፍሰ ሄር ብጹዕ ካርዲናል ሞንሰንግዎ ቅርበቶምን ጸሎቶም” ኣረጋጊጾም “ምጽንናዕ” ካብ እግዚኣብሔር ተማሕጺኖም፥ “ነዞም ናይ ስነ ፍልጠትን ዓቢይ መንፍሳውን ሰብ ጓሳን ኣገልጋሊ እግዚኣብሔርን ቤተ ክርስትያንን ንኣቦ ኵሉ ምሕረት ኣብ ዘለዓለማዊ ቤቱ ሓንጐፋይ ቢሉ ክቕበሎም እልምኖ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

14 July 2021, 08:14